YouVersion Logo
Search Icon

መሃልየ 3

3
1ለይቲ ኣብ ዓራተይ ኮይነ፥
ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ደለኽዎ፤
ግና ኣይረኸብክዎን።
2ተሲአ ናብ ከተማ ክኸይድ፤
ኣብ ዕዳጋን ኣብ ኣደባባይን ክዘውር፤
ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ኸዓ ኽደልዮ እየ፤
ደለኽዎ ግና ኣይረኸብክዎን።
3ኣብ ከተማ ዝዞሩ ሓለውቲ ረኸቡኒ፤
“ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ርኢኹምዎዶ?”
ኢለ ኸዓ ጠየቕክዎም።
4ቁሩብ ምስ ሓለፍክዎም፥
ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ረኸብክዎ፤ ሓዝክዎ፤
ናብ ቤት እኖይን ናብ ሕልፍኚ ወላዲተይን፥
ክሳዕ ዘእትዎ ድማ ኣይሰደድክዎን።
5ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ንሱ ኽሳዕ ዝደሊ፥
ንፍቱወይ ከይተተስአኦን ከይተበራብራኦን
ብሜዳቝን ብእራብ በረኻን ኣምሕለክን ኣለኹ።
ሳልሳይ መዝሙር
6እዛ፥ ዓምዲ ትኪ መሲላ፥ ከርበን ዕጣንን
ነጋዶ ዝሸጥዎ ዅሉ ዓይነት ቀመማትን እትምዕዝ፥
እዛ ኻብ ምድረ በዳ እትድይብ ዘላ መን እያ?
7እንሆ፥ ዓራት ሰሎሞን፤
ካብ ጀጋኑ እስራኤል ስሳ ጀጋኑ ኸዓ
ኣብ ዙርያኡ እዮም።
8ኵላቶም ሰይፊ ዝሓዙ፥
ክኢላታት ውግእ እዮም፤
ብለይቲ ሓደጋ ኽከላኸሉ ኸዓ፥
ነፍሲ ወከፎም ሰሰይፎም ዕጡቓት እዮም።
9ንጉስ ሰሎሞን ንመሰከሚ ዓራቱ፥
ብኦም ሊባኖስ ንባዕሉ ኣስርሐ።
10ዓምዱ ብብሩር፥ መደገፊኡ ብወርቂ፥
መቐመጢኡ ድማ ብቐይሕ ሃሪ ገበረ፤
ውሽጡ ኸዓ ኣዋልድ ኢየሩሳሌም ብፍቕሪ ዝጠለፋኦ ነበረ።
11ኣትን ኣዋልድ ፅዮን፥
ንጉስ ሰሎሞን፥
ብመዓልቲ መርዓኡን ብመዓልቲ ሓጐሱን
እኖኡ ዝደፍአትሉ ኣኽሊል ገይሩ ኽትሪኣ ውፃ።

Currently Selected:

መሃልየ 3: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in