YouVersion Logo
Search Icon

ሩት 4

4
ቦኤዝ ንሩት ከም ዘእተዋ
1ቦኤዝ ድማ ናብ ባይቶ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኸይዱ ኾፍ በለ። እንሆ ከዓ፥ እቲ ቦኤዝ ብዛዕባኡ ዝተዛረበሉ ናይ ቀረባ ዘመድ ይሓልፍ ነበረ። ንእኡ ድማ ፀዊዑ “ኣግልስ እሞ ቕርብ ኢልካ ኣብዙይ ተቐመጥ” በሎ። ንሱ ኸዓ ቕርብ ኢሉ ተቐመጠ።
2ቦኤዝ ድማ ኻብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ዓሰርተ ሰብ ፀዊዑ “ኣብዙይ ተቐመጡ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ተቐመጡ። 3ሽዑ ቦኤዝ ነቲ ወራሲ ቐረባ ዘመዱ “እዛ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ዝተመለሰት ኑሓሚን፥ ነቲ ገራሁ ኣቤሜሌክ ሓውና፥ ክትሸጦ ስለዝደለየት፥ 4ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እዞም ተቐሚጦም ዘለዉን ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ክትዕድጎ ዝግብአካ ንስኻ ምዃንካ ኸፍልጠካ ሓሰብኩ። ብዘይዝኣኻ ወራሲ የለን፤ ብድሕሬኻ ኸዓ ኣነ እየ እሞ፥ ትዕድጎ እንተ ዄንካ ዓድጎ፤ ዘይትዕድጎ እንተ ዄንካ ግና፥ ክፈልጥ ንገረኒ” በሎ።
ንሱ ኸዓ “ክዕድጎ እየ” በለ።
5ቦኤዝ ድማ “በታ ነታ ግራት ካብ ኑሓሚን እትዕድገላ መዓልቲ፥ እቲ ርስቱ ብስም እቲ ምዉት ምእንቲ ኽፅዋዕ፥ ንሩት እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ እቲ ምዉት ክትወስዳ ኢኻ” በሎ።
6እቲ ናይ ቀረባ ዘመድውን “ርስተይ ከየባላሹስ ኣይወርሳን እየ። ክወርሳ ኣይክእልን እየ እሞ ንስኻ ውረሳ” በሎ።
7ቀደም ኣብ እስራኤል፥ ኣብ ምውራስን ኣብ ምልዋጥን፥ ኵሉ ነገር ምእንቲ ኽፀንዕ፥ ሰብ ሳእኑ ኣውፂኡ ነቲ ብፃዩ ኽህቦ ልማድ ነበረ። በዙይ ድማ ኣብ እስራኤል ምስክር ነበረ።
8እቲ ናይ ቀረባ ዘመድ ከዓ ንቦኤዝ “ንስኻ ዓድጎ” በሎ፤ ሳእኑውን ኣውፅአ። #ዘዳ. 25፡9።
9ቦኤዝ ከዓ ነቶም ዓበይትን ንዅሉ ህዝብን፥ “ንኣቤሜሌክን ንክልዎንን ንመሓሎንን ዝነበረ ዅሉ፥ ካብ ኑሓሚን ከም ዝዓደግክዎ፥ ሎሚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም። 10ስም እቲ ምዉት ድማ ኻብ ማእኸል ኣሕዋቱን ካብ ዝኽሪ ዓዱን ከይጠፍእ፥ ርስቲ እቲ ምዉት ብስሙ ምእንቲ ኽፅዋዕ ኢለ ንሩት እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ማሕሎን፥ ሰበይተይ ክትኮነኒ ኸም ዝወሰድክዋ ሎሚ ምስክር ኢኹም” በሎም። #ዘዳ. 25፡5-6።
11እቶም ኣብ ባይቶ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዅሎም ህዝብን ዓበይቲ ዓድን ከዓ፥ “መሰኻኽር ኢና፥ ነዛ ናብ ገዛኻ እትኣቱ ሰበይቲ፥ እግዚኣብሄር ከምተን ብሓደ ኾይነን ንቤት እስራኤል ዝሃነፃ፥ ከም ራሄልን ልያን ይግበራ። ንስኻ ኸዓ ኣብ ኤፍራታ ሃፍታም ኩን፤ ኣብ ቤተ ልሔምውን ስምካ ይፀዋዕ። #ዘፍ. 29፡31። 12ነቶም ካብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዝውለዱ እግዚኣብሄር ይባርኸልካ። ስድራኻ ድማ ኸምቲ ኻብ ይሁዳን ካብ ትእማርን ዝተወልደ ስድራ ፋሬስ ይግበረልካ” በሉ። #ዘፍ. 38፡27-30።
ትውልዲ ዳዊት
13ሽዑ ቦኤዝ ንሩት ወሰዳ፤ ንሳውን ሰበይቱ ኾነት። ናብኣውን ኣተወ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ባረኻ እሞ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። 14እተን ኣንስቲ ኸዓ ንኑሓሚን “ሎሚ ወራሲ ኣይከልአክን እሞ እግዚኣብሄር ይባረኽ፤ እዝ ቘልዓ እዙይ ድማ ኣብ ኵሉ እስራኤል ስሙ ይፀዋዕ። #4፡14 ኣብ ግእዝ “ሎሚ ሽምኪ ዘፀውዕ ውሉድ ዘየስኣነኪ እግዚኣብሄር ዝተመስገነ ይኹን” ይብል። 15እታ እተፍቅረክን ካብ ሸውዓተ ወዲ እትበልፅን ሰበይቲ ወድኺ ወሊዳቶ እያ እሞ፥ ንሱ ነፍስኺ ዝሕድስን ኣብ እርጋንኪ ዝምግበኪ ክኸውን እዩ” በላኣ።
16ኑሓሚን ድማ ነቲ ህፃን ወሲዳ ሓቘፈቶ፤ ሞግዚቱውን ኮነት። 17እተን ጐረባብታ ኸዓ “ንኑሓሚን ወዲ ተወሊዱላ” ብምባል ኢዮቤድ ኢለን ሰመያኦ። ንሱ ኣቦ እሴይ እዩ፤ እሴይ ከዓ ኣቦ ዳዊት እዩ።
18ትውልዲ ፋሬስ እምበኣር እዙይ እዩ፦ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፤ 19ኤስሮም ንኣራም ወለደ፤ ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፤ 20ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፤ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፤ 21ሰልሞን ንቦኤዝ ወለደ፤ ቦኤዝ ንኢዮቤድ ወለደ፤ 22ኢዮቤድ ንእሴይ ወለደ፤ እሴይ ከዓ ንዳዊት ወለደ።

Currently Selected:

ሩት 4: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in