YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ሳሙኤል መእተዊ

መእተዊ
ቀዳማይ መፅሓፈ ሳሙኤል፥ እስራኤል ካብ ግዝኣት መሳፍንቲ ናብ ንጉሳዊ መንግስቲ ኸም ዝሰገረት ይገልፅ፤ ኣብ እስራኤል እዝ ለውጢ እዙይ ክኸውን እንተሎ ብሰለስተ ሰባት ዝመፀ ምዃኑ ንርኢ። ንሳቶምውን እቲ ቐዳማይ፥ ሳሙኤል እዩ። ንሱ ኻብቶም ዓበይቲ መሳፍንቲ መወዳእታ ዝነበረ እዩ። እቲ ኻልኣይ ኣብ እስራኤል መጀመርታ ዝነገሰ ሳኦል እዩ። እቲ ሳልሳይ ድማ ንጉስ ዳዊት እዩ። ዳዊት፥ ቅድሚ ምንጋሱ ዝገበሮ ዅሉ ምስ ታሪክ ሳሙኤልን ሳኦልን ዝተኣሳሰረ ነበረ።
ናይዝ መፅሓፍዙይ ዋና መልእኽቲ፥ ከምቲ ኣብ ካልኦት መፃሕፍቲ ብሉይ ኪዳን እንረኽቦ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እሙን ምዃን በረኸት ከም ዘምፅእ፥ ንእግዚኣብሄር ዘይምእዛዝ ግና፥ ናብ ጥፍኣት ከም ዘምርሕ ዝገልፅ መልእኽቲ እዩ። ኣብ ምዕራፍ 2፡30 “ኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ ኣኽብሮም፤ ነቶም ዝንዕቑኒ ኸዓ ኣዋርዶም” ኢሉ እግዚኣብሄር ንኻህን ኤሊ ኸም ዝነገሮ፥ ኣብቲ መልእኽቲ መፅሓፈ ሳሙኤል ብገሃድ ተገሊፁ ኣሎ።
ንጉሳዊ መንግስቲ ኽምስረት እንተሎ በብዓይነቱ ስምዒት ከም ዝነበረ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተመልኪቱ ኣሎ። ቅድም እንትብል ናይ ብሓቂ ንጉስ እስራኤል እግዚኣብሄር ምዃኑ ቕቡል ነገር ነበረ። ህዝቢ “ንጉስ ግበረልና” ኢሎም ምስ ጠየቕዎ ግና፥ ንጉስ ሓረየሎም። ዝኾነ ኾይኑ፥ እቲ ዋና ቑም ነገሩ፥ ንጉስን ህዝብን ኣብ ትሕቲ እግዚኣብሄርን ፍርዱን ምዃኖም እዩ። (ምዕ. 2፡7-10) ኣብ ትሕቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኵሉ ህዝቢ፥ ሃብታምን ድኻን፥ መሰሉ ብማዕርነት ዝሕለወሉ ኸም ዝኸውን ምግባር እዩ።
ትሕዝቶ
1. ሳሙኤል ኣብ እስራኤል መራሒ ኸም ዝነበረ 1፡1-7፡17
2. ሳኦል ከም ዝነገሰ 8፡1-10፡27
3. ቀዳሞት ዓመታት መንግስቲ ሳኦል 11፡1-15፡35
4. ሳኦልን ዳዊትን 16፡1-30፡31
5. ሞት ሳኦልን ደቁን 31፡1-13

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in