YouVersion Logo
Search Icon

ሩት 3

3
ሩትን ቦኤዝን ኣብ ዓውዲ
1ኑሓሚን ሓማታ ድማ ንሩት፦ “ጓለይ፥ ፅቡቕ ክኾነልኪ ዕረፍቲዶ ኣይደልየልክን እየ? 2ሕዚ ኸዓ እቲ ምስተን ኣገልገልቱ ትውዕሊ ዝነበርኪ ቦኤዝስ ቀረባ ዘመድናዶ ኣይኮነን? እንሆ ንሱ ሎሚ ለይቲ ስገም ኣብ ዓውዲ ብመስአ የዝሩ ኣሎ። 3እምበኣር ተሓፂብክን ሽቱ ተቐቢእኽን ክዳንኪ ተኸደኒ እሞ ናብቲ ዓውዲ ውረዲ። በሊዑን ሰትዩን ክሳዕ ዝውድእ ግና ኣይትረአዪዮ። 4ኣበይ ከም ዝድቅስ ፍለጢ፥ ምስ ደቀሰ ኼድኪ ብወገን እግሩ ቐሊዕኺ ደቅሲ #3፡4 እግሩ ቐሊዕኺ ደቅሲ፦ “ሓልወኒ” ማለት እዩ። ንሱ ኸዓ እትገብርዮ ኽነግረኪ እዩ” በለታ።
5ሩት ድማ “ዝበልክኒ ዅሉ ኽገብር እየ” በለታ። 6ናብ ዓውዲ ወሪዳ ድማ፥ ከምቲ ሓማታ ዝበለታ ዅሉ ገበረት።
7ቦኤዝ በልዐን ሰተየን፥ ደስውን በሎ፤ ኣብ ፀግዒ ዅልሳስ ኽድቅስ ከዓ ኸደ። ሽዑ ሩት ቀስ ኢላ መፂኣ ብወገን እግሩ ቐሊዓ ደቀሰት። 8ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ኸዓ ቦኤዝ ደንጊፁ ተበራበረ፤ ምስ ተገምጠለ ድማ እንሆ ሰበይቲ ኣብ እግሩ ደቂሳ ነበረት።
9ንሱ ኸዓ “መን ኢኺ?” ኢሉ ጠየቓ። ንሳ ድማ “ኣነ ሩት ግዝእትኻ እየ። ንስኻ ረዳእን ወራስን ስለ ዝኾንካ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ልዕሊ ግዝእትኻ ዘርግሕ” #3፡9 ክዳንካ ኣብ ልዕሊ ግዝእትኻ ዘርግሕ፦ “ርድአኒ” ወይ “ሓልወኒ” ማለት እዩ። ኢላ መለሰትሉ።
10ቦኤዝ ከዓ “ኣቲ ጓለይ! ደድሕሪ ሃብታማት ኮነ ድኻታት መናእሰይ ስለ ዘይሰዓብኪ፥ ካብቲ ቐዳማይ ቅንዕናኽስ እቲ ዳሕረዋይ በሊፁ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ። 11ሕዚ ድማ ጓለይ! ኣይትፍርሒ፤ ለባም ሰበይቲ ምዃንኪ ዅሎም ደቂ ዓደይ ስለ ዝፈልጡ ዝበልክዮ ዅሉ ኽገብረልኪ እየ። 12ሕዚ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ኣነ ወራሲኺ እየ፤ ግና ኻባይ ዝቐርብ ወራሲ ኣሎ። #ሩት 2፡20። 13ንሎሚ ለይቲ ሕደሪ፥ ፅባሕ ድማ ንሱ እንተ ወረሰኪ፥ ፅቡቕ፥ ይውረስኪ። ክወርሰኪ እንተ ዘይደለየ ግና፥ ኣነ ኸም ዝወርሰኪ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። ሕዚ ግና ኽሳዕ ዝወግሕ ደቅሲ” በላ።
14ክሳዕ ዝወግሕ ድማ ኣብ እግሩ ደቀሰት። ንሱ ሰበይቲ ናብ ዓውዲ ኸም ዝመፀት ኣይፈለጥ ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ገና ሰብ ምስ ሰብ እንተይተረኣኣየ ኣንጊሃ ተስአት።
15ቦኤዝ ግና “እቲ ተኸዲንክዮ ዘለኺ ነፀላ ሃቢ ዘርግሒዮ” በላ። ንሳ ድማ ዘርግሐቶ። ንሱ ኸዓ ዕስራ ኪሎ ግራም ዝኸውን ስገም ሰፊሩ ኣሰከማ። ናብ ከተማ ኸዓ ኣተወት።
16ናብ ሓማታ ምስ መፀት ድማ “ከመይ ኢኺ ጓለይ?” በለታ።
ሩት ከዓ እቲ ዅሉ ቦኤዝ ዝገበረላ ነገረታ። 17“ናብ ሓማትኪ ጥራሕ ኢድኪ ኸይትኣትዊ ኢሉ እዝ ዕስራ ኪሎ ዝኸውን ስገም እዙይ ሂቡኒ” ድማ በለት።
18ኑሓሚን ከዓ፥ “ቦኤዝ ነዝ ነገርዙይ ሎሚ እንተይፈፀመ ኣይዓርፍን እዩ እሞ፥ እቲ ነገር ከመይ ከም ዝውዳእ ክሳዕ እትፈልጢ ስቕ በሊ ጓለይ” በለታ።

Currently Selected:

ሩት 3: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in