YouVersion Logo
Search Icon

ሩት 1

1
ኑሓሚንን ሩትን
1በቲ መሳፍንቲ ዝገዝኡሉ ዝነበረ ዘመን፥ ኣብታ ሃገር ጥሜት ኮነ። ሓደ ሰብኣይ ከዓ ምስ ሰበይቱን ምስ ክልተ ደቁን ካብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ናብ ምድሪ ሞኣብ ክቕመጥ ከደ። 2ስም እቲ ሰብኣይ ኣቤሜሌክ፥ ስም ሰበይቱ ኸዓ ኑሓሚን፥ ስም ክልቲኦም ደቁውን መሓሎን ኬሌዎንን ይብሃሉ ነበሩ። ንሳቶም ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ዝቕመጡ ኤፍራታውያን ነበሩ። ናብ ምድሪ ሞኣብ ከይዶም ከዓ ኣብኣ ተቐመጡ።
3ኣቤሜሌክ ሰብኣይ ኑሓሚን ድማ ሞተ እሞ፥ ንሳ ምስ ክልቲኦም ደቃ ተረፈት። 4ንሳቶም ከዓ ሓንቲ ዖርፋ ዝስማ፥ ሓንቲ ኸዓ ሩት ዝስማ ሞኣባውያት ኣንስቲ ኣእተዉ። ዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ኣብኡ ምስ ተቐመጡ፥ 5መሓሎንን ኬሌዎንን ክልቲኦም ሞቱ። ኑሓሚን ድማ ሰብኣያን ክልቲኦም ደቃን ስለ ዝሞቱ በይና ተረፈት።
6ሽዑ ንሳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ እንተላ፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸም ዝተመልከቶም፥ እንጀራውን ከም ዝሃቦም ሰምዐት እሞ፥ ምስ ክልቲአን ኣንስቲ ደቃ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ክትምለስ ተልዓለት። 7ምስ ክልቲአን ኣንስቲ ደቃ ከዓ ኻብታ ዝነበረታ ቦታ ወፂኣ ነታ ናብ ምድሪ ይሁዳ እትወስድ መንገዲ ሓዘት።
8ኑሓሚን ከዓ ንኽልቲአን ኣንስቲ ደቃ “ኪዳ፥ ነፍሲ ወከፍክን ነናብ ገዛ እኖታትክን ተመለሳ። ከምቲ ነቶም ምዉታትን ንኣይን ፅቡቕ ዝገበርክናኦ፥ እግዚኣብሄር ንኣኻትክንውን ፅቡቕ ይግበረልክን። 9ንነፍሲ ወከፍክን ኣብ ገገዛ ሰብኣይክን እግዚኣብሄር ዕረፍቲ ይሃብክን” በለተን።
ሽዑ ሰዓመተን፤ ንሳተን ከዓ ድምፀን ዓው ኣቢለን በኸያ፤ 10“ኣይፋልናን፤ ምሳኺ ናብ ህዝብኺ ኽንምለስ ኢና” በላኣ።
11ኑሓሚን ግና “ደቀይ! ንምንታይ ኢኽንከ ምሳይ እትኸዳ? ተመለሳ ደኣ፥ ደጊምዶ ሰብኡትክን ዝኾኑ ደቂ ኣብ ከርሰይ ኣልዮምኒ? 12ደቀይ! ሰብኣይ ከየእቱ ኣሪገ እየ፤ ኪዳ ደኣ ተመለሳ። ተስፋ እንተ ዝህልወኒ፥ አረ ሎሚ ለይቲ እኳ ሰብኣይ እንተ ዘእቱሞ፥ ኣወዳት ከዓ እንተ ዝወልድ፥ 13ንሳቶም ክሳዕ ዝዓብዩዶ ኽትፀንሓ ኢኽን? ምእንቲ እዙይከ እንተይተመርዖኽንዶ ኽትነብራ ኢኽን? ኣይፋልክንን፤ ደቀይ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ቀፂዑኒ ኣሎ እሞ፥ ካብ ንኣኻትክንስ ንኣይ ኣዐርዩ ይመርር” በለተን።
14ሽዑ መሊሰን ድምፀን ዓው ኣቢለን በኸያ። ዖርፋ ንሓማታ ሰዓመታ፤ ሩት ግና ምስኣ ተፀግዐት።
15ኑሓሚን ድማ “ሰበይቲ ሓሙትኪ እኒሃ፥ ናብ ህዝባን ናብ ኣማልኽታን ተመሊሳ ኣላ፤ ንስኺውን ደድሕሪ ሰበይቲ ሓሙትኪ ተመለሲ” በለታ።
16ሩት ግና “ንኣኺ ሓዲገ ንድሕሪት ክምለስ ኣይተገድድኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ፤ ኣብ እትነብርሉ ኸዓ እነብር፤ ህዝብኺ ህዝበይ፥ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ ክኸውን እዩ። 17ኣብታ እትሞትላ እመውት፥ ኣብኣ ድማ እቕበር፤ ኣነ ብሞት እንተ ዘይኮይኑ፥ ካባኺ እንተ ተፈልየ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግበረኒ፤ ከምዙይ ከዓ ይወስኸኒ” በለት። 18ኑሓሚን፥ ሩት ምስኣ ኽትከይድ ከም ዝቘረፀት ምስ ረአየት፥ ምዝራብ ሓደገት።
19ክልቲአን ናብ ቤተ ልሔም ተጕዓዛ። ናብ ቤተ ልሔም ምስ ኣተዋ ድማ፥ ህዝቢ እታ ኸተማ ተገሪሙ ብምሉኡ ወፀ። “እዚኣስ እምበርዶ ኑሓሚን እያ” እናበሉ ዋጭ ዋጭ በሉ።
20ንሳ ድማ “እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንህይወተይ ብዙሕ ከም እትመርር ገይርዋ እዩ እሞ፥ ማራ #1፡20 ማራ፦ “መራር” ማለት እዩ። ደኣ በሉኒ እምበር ኑሓሚን #1፡20 “ጥዕምቲ” ማለት እዩ። ኣይትበሉኒ። 21ክኸይድ እንተለኹ ምሉእ ነይረ፤ እግዚኣብሄር ግና በይነይ መለሰኒ። እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ፈሪዱ መከራ ኻብ ኣውረደለይ ስለ ምንታይ ኑሓሚን ትብሉኒ ኣለኹም?” በለቶም።
22ኑሓሚን ተመለሰት፤ እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ወዳ ሩት ከዓ ምስኣ ነበረት። ንሳተን ኣብ ቤተ ልሔም ዝበፅሓሉ ጊዜ መጀመርታ ዓፂድ ስገም ነበረ።

Currently Selected:

ሩት 1: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in