ሩት መእተዊ
መእተዊ
እዝ ሰላምን ፍቕርን ዘለዎ ታሪኽ እዙይ፥ በቲ ህውከትን ዕግርግርን ዝመልኦ ዘመን መሳፍንቲ ዝኾነ፥ ታሪኽ ሓንቲ ሞኣባዊት ሰበይቲ እዩ። ሩት ንሓደ እስራኤላዊ ተመርዓወት፤ ግና ሰብኣያ ሞተ። ይኹን እምበር ሩት በቲ ኣብ ሓማታ ዝነበራ ፍቕርን ኣብ ኣምላኽ እስራኤል ዝሓደራ እምነትን ካብ ሓማታ ኣይተፈለየትን። ኣብ መወዳእታ ኸዓ ንሓደ ኻብቶም ኣዝማድ ሰብኣያ ኣእተወት። ብኸምዙይ ድማ እቲ ዓብዪ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ንጉስ ዳዊት፥ ካብ ዘርኣ ተወለደ።
ኣብ መፅሓፍ መሳፍንቲ፥ ህዝቢ እግዚኣብሄር ካብ ኣምላኾም ክርሕቑ እንተለዉ መዓት ይወርዶም ከም ዝነበረ ንርኢ። ኣብ መፅሓፍ ሩት ከዓ ሓንቲ ናብ ኣምላኽ እስራኤል ዝመፀት ጓና ሰበይቲ ኸመይ ዝበለ በረኸት ከም ዝሓደራ ኣብ ማእኸል ህዝቢ እስራኤል ድማ ኸም ሓንቲ እስራኤላዊት ከም ዝተቘፀረት ነንብብ።
ትሕዝቶ
1. ኑሓሚን ምስ ሩት ናብ ቤተ ልሔም ከም ዝተመለሰት 1፡1-22
2. ሩት ምስ ቦኤዝ ከም ዝተፋለጠት 2፡1-3፡18
3. ቦኤዝ ንሩት ከም ዘእተዋ 4፡1-22
Currently Selected:
ሩት መእተዊ: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in