YouVersion Logo
Search Icon

ሩት መእተዊ

መእተዊ
እዝ ሰላምን ፍቕርን ዘለዎ ታሪኽ እዙይ፥ በቲ ህውከትን ዕግርግርን ዝመልኦ ዘመን መሳፍንቲ ዝኾነ፥ ታሪኽ ሓንቲ ሞኣባዊት ሰበይቲ እዩ። ሩት ንሓደ እስራኤላዊ ተመርዓወት፤ ግና ሰብኣያ ሞተ። ይኹን እምበር ሩት በቲ ኣብ ሓማታ ዝነበራ ፍቕርን ኣብ ኣምላኽ እስራኤል ዝሓደራ እምነትን ካብ ሓማታ ኣይተፈለየትን። ኣብ መወዳእታ ኸዓ ንሓደ ኻብቶም ኣዝማድ ሰብኣያ ኣእተወት። ብኸምዙይ ድማ እቲ ዓብዪ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ንጉስ ዳዊት፥ ካብ ዘርኣ ተወለደ።
ኣብ መፅሓፍ መሳፍንቲ፥ ህዝቢ እግዚኣብሄር ካብ ኣምላኾም ክርሕቑ እንተለዉ መዓት ይወርዶም ከም ዝነበረ ንርኢ። ኣብ መፅሓፍ ሩት ከዓ ሓንቲ ናብ ኣምላኽ እስራኤል ዝመፀት ጓና ሰበይቲ ኸመይ ዝበለ በረኸት ከም ዝሓደራ ኣብ ማእኸል ህዝቢ እስራኤል ድማ ኸም ሓንቲ እስራኤላዊት ከም ዝተቘፀረት ነንብብ።
ትሕዝቶ
1. ኑሓሚን ምስ ሩት ናብ ቤተ ልሔም ከም ዝተመለሰት 1፡1-22
2. ሩት ምስ ቦኤዝ ከም ዝተፋለጠት 2፡1-3፡18
3. ቦኤዝ ንሩት ከም ዘእተዋ 4፡1-22

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in