ሮሜ 2
2
ፍርዲ እግዚኣብሄር
1 #
ማቴ. 7፡1፥ ሉቃ. 18፡11፥ ዮሓ. 8፡7። ስለዙይ ኣታ ንኻልእ እትፈርድ ሰብ፥ እተመኽንዮ የብልካን፤ በቲ ዅሉ ንኻልእ እትፈርደሉ ነገር፥ ንባዕልኻ ትዅንን ኣለኻ፤ ነቲ ፈራዲ ዝኾንካሉ፥ ንስኻውን ንእኡ ትገብሮ ኣለኻሞ። #2፡1 ነቲ ፈራዲ ዝኾንካሉ ንስኻውን ንእኡ ትገብሮ ኣለኻሞ፦ ግእዝ “ነቲ ቕኑዕ ፈራዲ ብምንታይ ክትማጐቶ ኢኻ?” ይብል። 2ንሕና ግና፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ከምዙይ ዝገብሩ፥ ግቡእ ፍርዲ እግዚኣብሄር፥ ከም ዝወርድ ንፈልጥ ኢና። 3#ገላ. 6፡7። ኣታ ኣብ ልዕሊ እቶም ከምዙይ ዝገብሩ እትፈርድ፥ ባዕልኻውን ከምቲ ግብሮም እትገብር ሰብ፥ ካብ ፍርዲ እግዚኣብሄር፥ እተምልጥዶ ይመስለካ? #2፡3 ኣብ ግእዝ “እስኪ ነዙይ ሕሰቦ” ዝብል ይርከብ። 4#ዘፀ. 34፡6፥ መዝ. 78፡38፥ ሉቃ. 13፡8-9፥ 2 ጴጥ. 3፡9፥15። ወይ ከዓ ብዝሒ ሕያዋይነቱን ትዕግስቱን ዓቕሉንዶ፥ ትንዕቕ ኣለኻ? ሕያዋይነት እግዚኣብሄር፥ ናብ ንስሃ ኽመርሐካ ኸም ዝኽእል፥ ኣይትፈልጥን ዲኻ? 5#ሮሜ 9፡22። ግና ብትረት ልብኻን ብዘይምንሳህኻን፥ በታ ቕኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር ዝወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ፥ ንባዕልኻ መቕሰፍቲ ትእክብ ኣለኻ። 6#ማቴ. 16፡27። እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ፥ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ እዩ እሞ።
7 #
ማቴ. 25፡34። ነቶም ሰናይ እናገበሩ፥ ምስጋናን ክብርን ዘለኣለማዊ ህይወትን ብትዕግስቲ ዝፅበዩ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህቦም እዩ። 8#ማቴ. 12፡31፥ 2 ተሰ. 1፡8። ነቶም ንዓመፃ እምበር፥ ንሓቂ ዘይእዘዙ ፈተውቲ ርእሶም ግና፥ ቍጥዓን መዓትን ክወርዶም እዩ። 9#ሉቃ. 12፡47። ንዅሉ ኽፉእ ዝገብር ሰብ፥ ስቓይን መከራን ክወርዶ እዩ፤ ቅድም ንኣይሁዳዊ፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ። 10ሰናይ ንዝገብር ኵሉ ግና፥ ምስጋናን ክብርን ሰላምን ክወሃቦ እዩ፤ ቅድም ንኣይሁዳዊ፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ። 11እግዚኣብሄር፥ ገፅ ሰብ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ እሞ።
ብዛዕባ ምሕላው ሕጊ
12 #
ሉቃ. 12፡48፥ ያቆ. 1፡22። እቶም ብዘይ ሕጊ ሓጢኣት ዝገበሩ ዅሎም፥ ብዘይ ሕጊ ኽጠፍኡ እዮም፤ እቶም ሕጊ እንተለዎም፥ ሓጢኣት ዝገበሩ ዅሎም ከዓ፥ በቲ ሕጊ ኽፍረዱ እዮም። 13ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ገበርቲ ሕጊ ጥራሕ ደኣ እዮም ዝፀድቁ እምበር፥ ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዝፀድቁ። 14እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣህዛብ፥ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ፥ ብባህርዮም ተመሪሖም ዝፍፅምዎ፥ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዘይብሎም እኳ፥ ንባዕላቶም ሕጊ እዮም። 15#ግ.ሓ. 24፡25። በዙይ ከዓ ንሳቶም ሕሊናኦም እናመስከረሎም፥ ሓሳቦምውን ሓንሳእ እንትወቕሶም፥ ሓንሳዕውን እንትድግፎም ብምርካቡ፥ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ዝተፅሓፈ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ። 16#ዮሓ. 5፡27፥ ግ.ሓ. 17፡31፥ 2 ቆሮ. 5፡10። ስለዙይ፥ እቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌል ከም ዝብሎ፥ በታ እግዚኣብሄር ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ፥ ንሕቡእ ሓሳባት ልቢ ሰብ ዝፈርደላ መዓልቲ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።
ኣይሁድን ሕጊ ሙሴን
17 #
ኢሳ. 48፡1፥ ዮሓ. 8፡33፥41። ንስኻ ግና “ብሕጊ ዝነብር፥ ብእግዚኣብሄርውን ዝምካሕ ኣይሁዳዊ እየ” ኢኻ እትብል። 18#ዘዳ. 4፡8። ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝኾነ እትፈልጥ፥ ሕጊ ስለ ዝተምሃርካ፥ ዝሐሸ ነገር ፈሊኻ እትፈልጥ፥ 19#ማቴ. 15፡14። “መራሒ ዕውራት፥ ኣብ ፀልማት ንዘለዉ ኸዓ ብርሃን እየ” ኢልካውን እትምካሕ፥ 20እቲ ብሕጊ ዝርከብ ፍልጠትን ሓቅን ስለ ዘለካ ኸዓ “ንዓያሹ መለበሚ፥ ናይ ህፃናት ከዓ መምህር እየ” እትብል ኢኻ። #2፡20 ግእዝ “ፃድቕ ትመስል፤ እቲ ኸፅድቐካ ዝኽእል ሕጊ ሙሴ ከዓ ትፈልጥ ኢኻ” ይብሉ። 21#ማቴ. 7፡3-4፥ 23፡3-4። እምበኣር፥ ኣታ ንኻልእ እትምህር፥ ንባዕልኻ ደኣ ዘይትምህር? ኣይትስረቑ ኢልካ ትምህር፥ ንባዕልኻ ግና ትሰርቕ። 22ኣይትዘምዉ ትብል፥ ንስኻዶ ትዝሙ? ጣዖት ትፅየፍ፥ ባዕልኻዶ ቤተ መቕደስ #2፡22 ቤተ መቕደስ፦ ገሊኣቶም ፅሑፋት “ኣብያተ መቕደስ” ይብል። ትሰርቕ? 23-24#2 ሳሙ. 12፡14፥ ሕዝ. 36፡20፥ ማር. 7፡9-13። ከምቲ “ብሰንክኹም፥ ስም እግዚኣብሄር፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ይፅረፍ ኣሎ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ፥ ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፥ ሕጊ ብምፍራስካ ንእግዚኣብሄር ተቃልሎ ኣለኻ።
ግርዘትን ኣይሁድነትን
25 #
ኤር. 9፡25፥ 1 ቆሮ. 7፡19፥ ገላ. 5፡3። ግርዘት እትጠቅም፥ ሕጊ እንተ ሓሊኻ እያ፤ ሕጊ እንተ ጥሒስካ ግና፥ እታ ግርዘት፥ ከም ዘይምግራዝ ኽትኮነካ እያ። 26እምበኣር እቲ ዘይግሩዝ፥ ነቲ ትእዛዝ ሕጊ እንተ ሓልይዎ፥ እቲ ዘይምግራዙ ኸም ግርዘት ኮይኑዶ፥ ኣይቝፀረሉን እዩ? 27#ማቴ. 12፡41። እቲ ብስጋ ዘይተገርዘ እናሃለወ ሕጊ ዝሕሉ፥ ፅሑፍ ሕግን ግርዘትን እንተለካ ሕጊ ንእተፍርስ፥ ንኣኻ ክዅንነካ እዩ። #2፡27 ኣብ ግእዝ “ተገሪዝካ ሕጊ ኻብ እተፍርስ ምስታ ምሳኻ ዝተፈጥረት ዘይምግራዝካ ምንባር ይሕሸካ” ዝብል ይርከብ። 28ብዝረአ ኣይሁዳዊ ምዃን፥ ኣይሁዳዊ ኣይትገብርን እያ፤ እታ ብዝረአ ኣብ ስጋ እትግበር ግርዘትውን፥ ግርዘት ኣይኮነትን። 29#ዘዳ. 10፡16፥ ዮሓ. 1፡47፥ 1 ቆሮ. 4፡5፥ ፊልጵ. 3፡3፥ 1 ጴጥ. 3፡4። ኣይሁዳዊ ማለት፥ እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ዝኾነ እዩ እሞ። ግርዘት ከዓ፥ ብሕጊ ዘይኮነስ፥ እታ ብመንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልቢ እትግበር ግርዘት እያ። ከምዙይ ዝመሰለ ሰብ፥ ናእዳኡ ኻብ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካብ ሰብ ኣይኮነን።
Currently Selected:
ሮሜ 2: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in