ሮሜ 12
12
ብክርስቶስ ዝርከብ ሓድሽ ህይወት
1 #
ሮሜ 6፡13፥ 1 ጴጥ. 2፡5። እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስን፥ መስዋእቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ፥ ብምሕረት እግዚኣብሄር እልምነኩም ኣለኹ፤ እዙይ ድማ እቲ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። 2#ኤፌ. 4፡23፥ 5፡10፥ 1 ጴጥ. 1፡14፥ 1 ዮሓ. 2፡15። እቲ ሰናይን ዘሐጕስን ፍፁምን ዝኾነ ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፥ ነዝ ዓለም እዙይ ኣይትምሰሉ። 3#ገላ. 6፡3። ከምቲ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መጠን እምነት ገይሩ ደኣ፥ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፥ ካብቲ ዝግብኦ ኣብሊፁ ኸይሓስብስ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእኸልኩም ንዘሎ፥ ብዝተውሃበኒ ፀጋ እምዕዶ ኣለኹ። #12፡3 ኣብ ግእዝ “ሰውነትኩም ካብ ዝሙት እተንፅሁሉ መንገዲ ሕሰቡ” ዝብል ይርከብ። 4#1 ቆሮ. 12፡12፥27፥ ኤፌ. 4፡25። ከምቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካላት ዘለና፥ እቶም ኣካላት ድማ ተግባሮም ሓደ ዘይኮነ፥ 5ከምኡውን ንሕና ብዙሓት እንትንከውን፥ ብክርስቶስ ሓደ ሰብነት ኢና። ነፍሲ ወከፍና ድማ፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኢና። 6#1 ቆሮ. 12፡4፥ 1 ጴጥ. 4፡10። ከምቲ ብፀጋ እግዚኣብሄር ዝተቐበልናዮ፥ በበይኑ ዝኾነ ውህብቶ ዘለና፥ ትንቢት እንተ ኾይኑ፥ ብመጠን እምነት ይኹን። 7#1 ቆሮ. 12፡28። ኣገልግሎት እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ኣገልግሎቱ ይትጋህ፤ ዝምህርውን፥ ኣብ ምምሃር ይፅናዕ፤ 8#ግ.ሓ. 20፡28፥ 2 ቆሮ. 9፡3-6። ዝምዕድ፥ ኣብ ምምዓድ ይትጋህ፤ ዝህብ፥ ብልግሲ ይሃብ፤ ዝመርሕ፥ ብትግሃት ይምራሕ፤ ዝርህርህ ኸዓ ብሓጐስ ይራህርህ።
ብዛዕባ ፅቡቕ ባህርይ
9 #
መዝ. 34፡14፥ ኣሞፅ 5፡15፥ ዮሓ. 3፡18። ግብዝና ዘይብሉ ፍቕሪ ይሃልኹም። ንኽፍኣት ተፀየፍዎ፤ ንሰናይ ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ። 10#ዮሓ. 13፡34፥ 1 ተሰ. 4፡9፥ 1 ጴጥ. 1፡22። ኣብ ንስንሳትኩም፥ ልባዊ ዝኾነ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፤ ንስንሳትኩም ክትከባበሩ ድማ ተቐዳደሙ። #12፡10 ግእዝ “ንፅድቂ ፀዓቱ፤ ኣሕዋትኩም ኣፍቅሩ፤ ርሕሩሓት ኩኑ፤ ንስንሳትኩም ተኸባበሩ፤ መምህራንኩም ኣኽብሩ” ይብል። 11#ገላ. 6፡9-10፥ ኤፌ. 6፡7፥ ራእይ 3፡15። ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣይትተሃከዩ፤ ብመንፈስ ዝተቓፀልኩም ኩኑ፤ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ፤ 12#ሉቃ. 18፡1፥ 21፡19፥ ያቆ. 5፡11። ብተስፋ ተሓጐሱ፤ ብመከራ ተዓገሱ፤ ብፀሎት ፅንዑ። 13#ዕብ. 13፡2፥ 1 ጴጥ. 4፡9። ብዘድልዮም ንቅዱሳን ሓግዙ፤ ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ። 14#ማቴ. 5፡44። ንዘሳጕጉኹም መርቑ፤ መርቑ እምበር ኣይትርገሙ። 15ምስቶም ዝሕጐሱ ተሓጐሱ፤ ምስቶም ዝበኽዩ ብኸዩ። 16#ኢሳ. 5፡21፥ ሮሜ 15፡5። ንስንሳትኩም ብሓደ ሓሳብ ተስማምዑ፤ ናይ ትዕቢት ነገር ኣይትሕሰቡ፤ ግና ናይ ትሕትና ነገራት ንምስራሕ ትግሁ፤ ፈላጣት ኢና ኢልኩም ኣይትሕሰቡ። 17ነቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ቅኑዕ ዝኾነ ደኣ ሕሰቡ እምበር፥ ንሓደኳ ኽፉእ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። 18#ዕብ. 12፡14። ብወገንኩም፥ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክትነብሩ፥ ዝከኣለኩም ግበሩ። 19#ዘዳ. 32፡35፥ ማቴ. 5፡39። ፍቑራተይ፥ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፥ ‘ኣነ ኽፈድዮ እየ’ ይብል ጐይታ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ባዕሉ ኽፈድዮ ሕደጉሉ እምበር፥ ባዕልኻትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። 20#ምሳ. 25፡21-22። ግና “ፀላኢኻ እንተ ጠመየ፥ ኣብልዓዮ፤ እንተ ፀምአውን፥ ኣስትዮ። እዙይ ብምግባርካ፥ ጓህሪ ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ።” #12፡20 ጓህሪ ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ፦ “ብፍቕሪ ሓዊ” ወይ “ብሕፍረት ሓዊ ኽተንድድ ኢኻ” ንምባል እዩ። 21ነቲ ኽፉእ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ሰዓሮ እምበር፥ ብኽፉእ ኣይትሰዓር።
Currently Selected:
ሮሜ 12: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in