ዳዊት መእተዊ
መእተዊ
መዝሙረ ዳዊት ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ናይ መዝሙርን ፀሎትን መፅሓፍ እዩ። እዝ መፅሓፍ እዙይ በብእዋኑ ብብዙሓት ሰባት ዝተፅሓፈ እዩ። ህዝቢ እስራኤል ነዝ መዝሙርን ፀሎትን ኣኪቦም ኣብ ኣምልኾቶም የዘውትርዎ ነበሩ። ደሓር ግና ኽፍሊ ቅዱሳት መፃሕፍቶም ገበርዎ።
እዝ መንፈሳዊ መዝሙር እዙይ፥ ናይ ምስጋናን ናይ ኣምልኾን፥ ካብ እግዚኣብሄር ረድኤትን ሓለዋን ድሕነትን እንልምነሉ፥ ምሕረት ንምርካብ እንምህለለሉ፥ እግዚኣብሄር ስለ ዝባረኸና እነመስግነሉ፥ ንፀላእትና ኽቐፅዐልና እንልምነሉ እዩ።
እዝ መንፈሳዊ መዝሙር እዙይ ምእንቲ ርእስኻን ምእንቲ ህዝብኻን እትፅልዮ እዩ።
ገሊኡ ናይ ብሕትኻ ውሽጣዊ ስምዒት እትገልፀሉ እዩ። ገሊኡ ድማ ድሌትን ስምዒትን ህዝቢ ኣምላኽ ዝገልፅ እዩ።
ኢየሱስ ካብ መዝሙረ ዳዊት እናጠቐሰ ይምህር ነበረ። ፀሓፍቲ ሓዲስ ኪዳንውን ጠቒሶምዎ ኣለዉ። ቤተ ክርስቲያን ድማ ኻብቲ ዝተመስረተትሉ ዘመን ጀሚራ ናይ ኣምልኾተ እግዚኣብሄር ዓብዪ መፅሓፍ ገይራቶ ኣላ።
ትሕዝቶ
1. ቀዳማይ መፅሓፈ መዝሙር 1-41
2. ካልኣይ መፅሓፈ መዝሙር 42-72
3. ሳልሳይ መፅሓፈ መዝሙር 73-89
4. ራብዓይ መፅሓፈ መዝሙር 90-106
5. ሓምሻይ መፅሓፈ መዝሙር 107-150
Currently Selected:
ዳዊት መእተዊ: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in