YouVersion Logo
Search Icon

ዳዊት 9

9
ንሊቀ መዘምራን ብሙትላቤን ናይ ዳዊት መዝሙር
1ኦ ጐይታ፥ ብምሉእ ልበይ አመስግነካ ኣለኹ፤
ኵሉ ዝገበርካዮ ተኣምራትውን ክነግር እየ።
2ብኣኻ ደስ ይብለንን እሕጐስን እየ፤
ኦ ልዑል፥ ንስምካ ኽዝምር እየ።
3ፀላእተይ ንድሕሪት ምስተመለሱ፥
ሰንከልከል ኢሎም ካብ ቅድሜኻ ኽጠፍኡ እዮም።
4ፍርደይን በቐለይን ጌርካለይ ኢኻሞ፥
ሓቂ እናፈረድካ ኣብ ዙፋንካ ተቐመጥካ።
5ንኣህዛብ ገሰፅካዮም፤ ንኽፉኣት ከዓ ኣጥፋእኻዮም፤
ስሞም ከዓ ንዘለኣለም ደምሰስካዮ።
6ፀላእቲ ብዂናት ንሓዋሩ ጠፍኡ፤
ከተማታቶም ኣፍረስካ፤
መዘከርታኦምውን ብሓባር ጠፍአ።
7እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር፤
ዙፋኑውን ንፍርዲ ኣዳለወ።
8ንሱ ንዓለም ብፅድቂ ይፈርዳ፤
ንኣህዛብውን ብቕንዕና ይዳንዮም።
9እግዚኣብሄር ንድኻታት መፀግዒ ኾኖም፤
ብጊዜ መከራኦምውን ረዳኢኦም እዩ።
10ኦ ጐይታ፥ ኵሎም እቶም ስምካ ዝፈልጡ ብኣኻ ይተኣመኑ፤
ነቶም ዝደልዩኻውን ኣይትሓድጎምን ኢኻሞ።
11ነቲ ኣብ ፅዮን ዝነብር እግዚኣብሄር ዘምሩሉ፤
ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ድማ ግብርታቱ ንገሩ።
12እቲ ደሞም ዝመራመር ንሱ ሓሲቡ እዩሞ፤
ኣውያት ነዳያንውን ኣይረስዐን እዩሞ።
13ኦ ጐይታ፥ ራህርሀለይ፤ ነቲ ፀላእተይ ዘምፅኡለይ ዘለዉ መከራውን ተመልከት፤
ካብ በርታት ሞት ልዕል ልዕል እተብለኒ፥
14ኵሉ ምስጋናኡውን ኣብ በርታት ጓል ፅዮን ምእንቲ ኽናገር፤
ብምድሓንካውን እሕጐስ።
15ኣህዛብ ናብታ ዝዀዓትዋ ጕድጓድ ወደቑ፤
በቲ ዝሓብእዎ መፈንጠር ከዓ እግሮም ተትሓዘ።
16እግዚኣብሄር ቅኑዕ ብምፍራድ ዝተፈለጠ እዩ፤
ሓጥእ ብግብሪ ኣእዳዉ ተትሓዘ።
17ሓጥኣን ናብ ሲኦል ክምለሱ እዮም፤
ንእግዚኣብሄር ዝረስዕዎ ዅሎም ኣህዛብውን።
18ድኻ ንሓዋሩ ኣይርሳዕን እዩሞ፤
ተስፋ ፅጉማትውን ንዘለኣለም ኣይጠፍእን።
19ኦ ጐይታ፥ ተስእ፤ ሰብ ኣይበርትዕ፤
ኣህዛብውን ኣብ ቅድሜኻ ይፈረዶም።
20ኦ ጐይታ፥ ፍርሓት ኣሕድረሎም፤
ኣህዛብውን ሰብ ምዃኖም ይፍለጡ።

Currently Selected:

ዳዊት 9: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in