ዳዊት 10
10
ፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ፀሎት
1ኦ ጐይታ፥ ንምንታይ ርሒቕካ ቆምካ?
ብጊዜ መከራኸ ስለ ምንታይ እትኽወል?
2ብትዕቢት ሓጥእ፥ ድኻ ይናደድ፤
ብዝሓሰብዎ ተንኰል ተትሓዙ።
3ሓጥእ ብትምኒት ነፍሱ ይውደስ፤
ንዓማፂውን ይባርኽ።
4ሓጢኣተኛ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ፤
ከም ብዝሒ ቝጥዓኡውን ኣይመራመሮን፤
ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ እግዚኣብሄር የለን።
5ኵሉ መንገዱ ዝረኸሰ እዩ፤
ፍርድኻ ኣብ ቅድሚኡ ዝፈረሰ እዩ፤
ንዅሎም ፀላእቱውን ይገዝኦም።
6ብልቡ “ከቶ ኣይናወፅን፤
ንውሉድ ወለዶውን ክፉእ ኣይረኽበንን” ይብል።
7 #
ሮሜ 3፡14። ኣፉ መርገምን ጥበራን ተንኰልን ዝመልአ እዩ፤
ኣብ ትሕቲ መልሓሱ ጕድኣትን መከራን እዩ።
8ኣብ ናይ ዓድታት መድበዪ ተሓቢኡ ይፀናቶ፤
ንንፁህ ብሕቡእ ምእንቲ ኽቐትል፤
ኣዒንቱውን ኣብ ልዕሊ ምስኪን የነፃፅራ።
9ከም ኣንበሳ ኣብ ፅዑቕ ዱር ብስዉር የድቢ፤
ንድኻውን ክነጥቆ ይፃናቶ፤
ንድኻውን ይነጥቆ፤ ብመፃወድያኡውን ይስሕቦ።
10ድኻ ይዋረድ፥ ይጐብጥ፤
ኣብ እቲ ኢድ ሓያልውን ይወድቕ።
11ንሱ ብልቡ “እግዚኣብሄር ረሲዑኒ እዩ፤
ፈፂሙ ከይርኢውን ገፁ ሰወረ” ይብል።
12ኦ ኣምላኸይ፥ ተስእ፤
ኢድካውን ልዕል ልዕል ትበል፤
ንነዳያንውን ኣይትረስዓዮም።
13ሓጢኣተኛ ስለ ምንታይ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ?
ብልቡ “ኣይመራመረንን” ይብል እዩሞ።
14ረአኻዮ፤ ንስኻ ክፍኣትን ቍጥዓን ትርኢ ኢኻሞ፥
ብኢድካ ዋጋ ንምኽፋልውን ትምልከት፤
ረዳኢ ደኽታም ኢኻሞ፥
ምስኪን፥ ንባዕሉ ኣባኻ የማዕቝብ።
15ቅልፅም ሓጢኣተኛን ክፉእን ስበር፤
ከምቲ ዝገበሮውን ናይ ኢዱ ሃቦ፤
ደጊሙ ኸም ዘይብድልውን ግበሮ።
16እግዚኣብሄር ንዘለኣለመ ኣለም ክነግስ እዩ፤
ኣህዛብ ድማ ኻብ ምድሪ ኽጠፍኡ እዮም።
17እግዚኣብሄር፥ ትምኒት ነዳያን ሰምዐ፤
እዝኑውን ሓሳብ ልቦም ሰምዐት።
18ፍርዱ ንድኻን ንደኽታምን እዩ፤
ደጊም ሰባት ኣብ ምድሪ ኣፎም ልዕል ልዕል
ምባል ከይደግሙ።
Currently Selected:
ዳዊት 10: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ዳዊት 10
10
ፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ፀሎት
1ኦ ጐይታ፥ ንምንታይ ርሒቕካ ቆምካ?
ብጊዜ መከራኸ ስለ ምንታይ እትኽወል?
2ብትዕቢት ሓጥእ፥ ድኻ ይናደድ፤
ብዝሓሰብዎ ተንኰል ተትሓዙ።
3ሓጥእ ብትምኒት ነፍሱ ይውደስ፤
ንዓማፂውን ይባርኽ።
4ሓጢኣተኛ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ፤
ከም ብዝሒ ቝጥዓኡውን ኣይመራመሮን፤
ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ እግዚኣብሄር የለን።
5ኵሉ መንገዱ ዝረኸሰ እዩ፤
ፍርድኻ ኣብ ቅድሚኡ ዝፈረሰ እዩ፤
ንዅሎም ፀላእቱውን ይገዝኦም።
6ብልቡ “ከቶ ኣይናወፅን፤
ንውሉድ ወለዶውን ክፉእ ኣይረኽበንን” ይብል።
7 #
ሮሜ 3፡14። ኣፉ መርገምን ጥበራን ተንኰልን ዝመልአ እዩ፤
ኣብ ትሕቲ መልሓሱ ጕድኣትን መከራን እዩ።
8ኣብ ናይ ዓድታት መድበዪ ተሓቢኡ ይፀናቶ፤
ንንፁህ ብሕቡእ ምእንቲ ኽቐትል፤
ኣዒንቱውን ኣብ ልዕሊ ምስኪን የነፃፅራ።
9ከም ኣንበሳ ኣብ ፅዑቕ ዱር ብስዉር የድቢ፤
ንድኻውን ክነጥቆ ይፃናቶ፤
ንድኻውን ይነጥቆ፤ ብመፃወድያኡውን ይስሕቦ።
10ድኻ ይዋረድ፥ ይጐብጥ፤
ኣብ እቲ ኢድ ሓያልውን ይወድቕ።
11ንሱ ብልቡ “እግዚኣብሄር ረሲዑኒ እዩ፤
ፈፂሙ ከይርኢውን ገፁ ሰወረ” ይብል።
12ኦ ኣምላኸይ፥ ተስእ፤
ኢድካውን ልዕል ልዕል ትበል፤
ንነዳያንውን ኣይትረስዓዮም።
13ሓጢኣተኛ ስለ ምንታይ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ?
ብልቡ “ኣይመራመረንን” ይብል እዩሞ።
14ረአኻዮ፤ ንስኻ ክፍኣትን ቍጥዓን ትርኢ ኢኻሞ፥
ብኢድካ ዋጋ ንምኽፋልውን ትምልከት፤
ረዳኢ ደኽታም ኢኻሞ፥
ምስኪን፥ ንባዕሉ ኣባኻ የማዕቝብ።
15ቅልፅም ሓጢኣተኛን ክፉእን ስበር፤
ከምቲ ዝገበሮውን ናይ ኢዱ ሃቦ፤
ደጊሙ ኸም ዘይብድልውን ግበሮ።
16እግዚኣብሄር ንዘለኣለመ ኣለም ክነግስ እዩ፤
ኣህዛብ ድማ ኻብ ምድሪ ኽጠፍኡ እዮም።
17እግዚኣብሄር፥ ትምኒት ነዳያን ሰምዐ፤
እዝኑውን ሓሳብ ልቦም ሰምዐት።
18ፍርዱ ንድኻን ንደኽታምን እዩ፤
ደጊም ሰባት ኣብ ምድሪ ኣፎም ልዕል ልዕል
ምባል ከይደግሙ።
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in