ዳዊት 39
39
ንሊቀ መዘምራን፥ ንኤዶታም፥ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ብኣንደበተይ ከይስሕት ንመንገደይ ክሕሉ እየ፤
ሓጢኣተኛ ኣብ ቅድመይ እንትቃወመኒ፥
ኣብ ኣፈይ ሓላዊ ኸንብር እየ በልኩ።
2ስቕ ካብ ምባል ዝተልዓለ ኸም በሃም ኮንኩ፤
ንፅቡቕ ነገርኳ ስቕ በልኩ፤
ቍስለይውን ተሓደሰኒ።
3ልበይ ኣብ ውሽጠይ ሞቐኒ፤
ካብ ምስትንታነይ ዝተልዓለ ኸዓ ሓዊ ነደደ፤
ብኣንደበተይውን ተዛረብኩ፦
4“ኦ ጐይታ፥ መወዳእታይ ኣፍልጠኒ፤
ፍፃመይን ቍፅሪ መዋእለይን ክንደይ
ምዃኑ ኣፍልጠኒ” ድማ በልኩ።
5እንሆ፥ ንዘመናተይ ኣእረግካየን፤
ኣካለይውን ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኢምንት እዩ፤
ኵሉ ህያው ዝኾነ ሰብ ብሓቂ ኸንቱ ጥራሕ እዩ።
6ብኸንቱ ይህወኽ እምበር፥ ብሓቂ ሰብ ከም ፅላሎት እዩ ዝመላለስ፤
ይእክብ፥ ንመን ከም ዝእክበሉ ግና ኣይፈልጥን።
7ሕዚኸ፥ ተስፋይ መን እዩ? እግዚኣብሄርዶ ኣይኮነን?
ትዕግስተይውን ካባኻ እዩ።
8ካብ ኵሉ ሓጢኣተይ ኣናግፈኒ፤
መላገፂ ሰነፋት ኣይትግበረኒ።
9ንስኻ ሰሪሕካኒ ኢኻሞ፥
ስቕ በልኩ፤ ኣፈይውን ኣይከፈትኩን።
10መቕሰፍትኻ ኻባይ ኣርሕቕ፤
ካብ ሓይሊ ኢድካ ዝተልዓለ ተወዲአ ኣለኹሞ።
11ንሰብ ስለ ሓጢኣቱ ብተግሳፅካ ዘለፍካዮ፤
ነፍሱ ድማ ኸም ዓለባ ሳሬት ትሃልቅ፤
ብሓቂ ዅሉ ሰብ ከንቱ እዩ።
12ኣነ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ስደተኛ፥
ከም ኣቦታተይውን ጋሻ እየሞ፥
ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ስማዕ፤
ንኣውያተይውን ፅን በሎ፤
ንንብዓተይውን ሸለል ኣይትበሎ።
13ናብ ዘይምለሰሉ እንተይኸድኩ ኽዓርፍ ሕደገኒ።
Currently Selected:
ዳዊት 39: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in