YouVersion Logo
Search Icon

ዳዊት 38

38
ንመዘከርታ ሰንበት፥ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ኦ ጐይታ፥ ብቝጥዓኻ ኣይትቕሰፈኒ፤
ብመዓትካውን ኣይትገስፀኒ።
2ፍላፃታትካ ወጊአናኒ እየንሞ፤
ኢድካውን ኣኽቢድካለይ ኢኻሞ።
3ካብ ቝጥዓኻ ዝተልዓለ ንስጋይ ጥዕና የብሉን፤
ካብ ሓጢኣተይ ዝተልዓለውን ነዕፅምተይ ሰላም የብሎምን።
4ሓጢኣተይ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩሞ፥
ከም ከቢድ ሸኽሚውን ኣብ ልዕለይ የመና ኸቢዱኒ እዩ።
5ብሰንኪ ስንፍናይ፥ ቍስለይ በስበሰ፤ ሸተተውን።
6እምብዛ ዓበርኩ፤ ተዋረድኩውን፤
ኵልሻዕ ብትካዘ እመላለስ ኣለኹ።
7ነፍሰይ ብፀርፊ መሊኣ እያሞ፤
ንስጋይውን ጥዕና የብሉንሞ።
8ኣነ ሰንሰንኩ፤ እምብዛውን ተሸገርኩ፤
ካብ ሓዘን ልበይ ዝተልዓለ እግዕር ኣለኹ።
9ኦ ጐይታ፥ ኵሉ ሃረርታይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ፤
እህህታይውን ካባኻ ዝተሰወረ ኣይኮነን።
10ልበይ ደንገፀኒ፤
ሓይለይውን ጠለመኒ፤
ብርሃን ኣዒንተይ ፈዘዘ።
11ካብ ቍስለይ ዝተልዓለ፥
ፈተውተይን ኣዕርኽተይን ካብ ቍስለይ ይርሕቁ፤
ኣዝማደይውን ርሒቖም ቆሙ።
12እቶም ንነፍሰይ ዝደልዩዋ በርትዑኒ፥
እቶም መከራይ ዝደልዩ፥ ከንቱ ተናገሩ፤
ኵልሻዕውን ብጥበራ ይመኽሩለይ ኣለዉ።
13ኣነ ግና ኸም ዘይሰምዕ ፀማም፥
ኣፉ ኸም ዘይኸፍት በሃም ኮንኩ።
14እወ፥ ከም ዘይሰምዕ ሰብ፥
ብኣፉውን ክናገር ከም ዘይኽእል ሰብ ኮንኩ።
15ኦ ጐይታ፥ ብኣኻ እእመን ኣለኹሞ፤
ኦ ኣምላኸይ፥ ንስኻ ትሰምዐኒ ኢኻ።
16ፀላእተይ ብኣይ ደስ ከይብሎም ኢለ ኣለኹሞ፥
እግረይ ሰንከልከል እንተበለውን ርእሶም ኣብ ልዕለይ ልዕል ልዕል ከብሉ እዮም።
17ኣነስ ንምሕንካስ ቀሪበ እየሞ፥
ቍስለይውን ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩሞ።
18በደለይ እናዘዝ ኣለኹ፤
ብሓጢኣተይውን እጕሂ ኣለኹ።
19ፀላእተይ ህያዋን እዮም፤ ይብርትዑኒውን እዮም፤
ብዘይ ምኽንያት ዝፀልኡኒ ብዙሓት እዮም።
20ንፅድቂ ስለ ዝተኸተልኩ፥
ክንዲ ሰናይ ክፉእ ዝምልሱ ይፀልኡኒ ኣለዉ።
21ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ኣይትደርብየኒ፤
ኣምላኸይ፥ ካባይ ኣይትርሓቕ።
22ኦ መድሓኒየይ፥
ንኣይ ንምርዳእ ፍጠን።

Currently Selected:

ዳዊት 38: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in