YouVersion Logo
Search Icon

ዳዊት 19

19
ንሊቀ መዘምራን ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ሰማያት ክብሪ እግዚኣብሄር ይናገሩ ኣለዉ፤
ናይ ሰማይ ጠፈርውን ግብሪ ኣእዳዉ የውርዩ።
2መዓልቲ ንመዓልቲ ነገር ተውፅእ፤
ለይቲ እውን ንለይቲ ፍልጠት ትናገር።
3ዘረባ የለን፤ ምንጋርውን የለን።
ድምፆምውን ኣይስማዕን።
4ድምፆም ናብ ኵሉ ምድሪ፥
ቃላቶምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም ወፀ።
5ኣብ ውሽጦም ናይ ፀሓይ ድንኳን ገበረ፤
ንሱ ኸም መርዓዊ ኻብ ሕልፍኙ ይወፅእ፤
ከም ሃርበኛ ብመንገዲ ንምጕያይ ደስ ይብሎ።
6ኣወፃፅኣኡ ኻብ ወሰን ሰማይ እዩ፤
ምዝዋሩ ኸዓ ኽሳዕ ወሰን ዓለም እዩ፤
ካብ ረስኑውን ዝኽወል የለን።
ሕጊ እግዚኣብሄር
7ሕጊ እግዚኣብሄር ፍፁም እዩ፤
ንነፍሲውን ይምልስ፤
ምስክርነት እግዚኣብሄር እሙን እዩ፤
ንህፃናት ጠቢባን ይገብሮም።
8ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፤
ንልቢ የሕጕስ፤
ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብሩህ እዩ፤
ንዓይኒ የብርህ።
9ንእዚኣብሔር ምፍራሕ ንፁህ እዩ፤
ንዘለኣለም ይነብር።
ፍርዲ እግዚኣብሄር ሓቅን ቅንዕናን ብሓደ እዮም።
10ካብ ወርቅን ካብ ዝኸበረ ዕንቍን ይፍቶ፤
ካብ መዓርን፥ ካብ ወለላ መዓርን ድማ ይጥዕም።
11ባርያኻ ድማ ይሕልዎ፤
ብምሕላዉውን ብዙሕ ይጥቀም።
12ንስሕተት ዘስተብህለላ መን እዩ?
ካብ ዝተሰወረ ሓጢኣት ኣንፅሀኒ።
13ናይ ድፍረት ሓጢኣት ከይገዝአኒ ንኣይ ንባርያኻ ሓልወኒ፤
ሽዑ ፍፁም ክኸውን እየ፤ ካብቲ ዓብዪ ሓጢኣትውን ክነፅህ እየ።
14ኦ ጐይታ፥ ረዳእየይን መድሓኒየይን፥
ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ቕቡል ይኹን።

Currently Selected:

ዳዊት 19: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in