ዳዊት 20
20
ንሊቀ መዘምራን ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ብመዓልቲ መከራኻ እግዚኣብሄር ይስማዕኻ፤
ስም ኣምላኽ ያእቆብውን የቑምካ።
2ካብ መቕደሱ ረድኤት ይልኣኸልካ፤
ካብ ፅዮን ድማ የፅንዕኻ።
3ንዅሉ ቝርባንካ ይሕሰበልካ፤
ንዝቃፀል መስዋእትኻ ድማ የለምልመልካ።
4ከም ልብኻ ይሃብካ፤
ኵሉ ፈቓድካውን ይፈፅመልካ።
5ብምድሓንካ ደስ ይብለና፤
ብስም ኣምላኽና ልዕል ልዕል ክንብል ኢና፤
ንዅሉ ልመናኻ እግዚኣብሄር ይፈፅመልካ።
6እግዚኣብሄር ነቲ ዝቐብኦ ኸም ዘድሓኖ ሎሚ ፈለጥኩ፤
ብዘድሕን ሓይሊ የማኑ፥
ካብ ሰማይ መቕደሱ ይምልሰሉ።
7ገሊኣቶም ብሰረገላታት፥ ገሊኣቶምውን በፍራስ ይምክሑ፤
ንሕና ግና ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ልዕል ክንብል ኢና።
8ንሳቶም ሰንከልከል ኢሎም ወደቑ፤
ንሕና ግና ተሳእና፤ ፀኒዕናውን ቆምና።
9ኦ ጐይታ፥ ንንጉስ ኣድሕኖ፤
በታ እንፅውዐካ መዓልቲ እውን ስምዐና።
Currently Selected:
ዳዊት 20: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in