YouVersion Logo
Search Icon

ዳዊት 17

17
ናይ ዳዊት ፀሎት
1ኦ ጐይታ፥ ፅድቀይ ስማዕ፤
ንኣውያተይውን ኣድምፅ፤
ካብ ጠባሪ ከንፈር ዘይኮነ ፀሎተይውን ስማዕ።
2ፍትሐይ ካብ ገፅካ ይውፃእ፤
ኣዒንትኻውን ብቕንዕና ይርኣያ።
3ብለይቲ ተመልከትካኒ፤ ንልበይውን ፈተንካዮ፤
ፈተንካኒ፤ ኣባይ ዓመፅ ኣይረኸብካለይን።
4ኣፈይ ስራሕ ሰብ ከይዛረብ ፍቓደይ እዩ፤
ስለ ቓል ከናፍርካ ጭንቂ ዝኾኑ መንገድታት ሓለኹ።
5ኣእጋረይ ከይናወፃ ኣካይዳይ ብመንገድኻ ኣፅንዕ።
6ኦ ኣምላኽ፥ ሰሚዕኻኒ ኢኻሞ ናባኻ ኣእዌኹ፤
እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፥ ቃለይውን ስማዕ።
7ነቶም ዝኣምኑኻ፥ ካብ ዝቃወሙ ብየማንካ እተድሕኖም፥
እቲ ዘደንቕ ሕያዋይነትካ ግለፅ።
8-9ካብቶም ዘጨንቑኒ ኽፉኣት ሰባት፥
ካብቶም ንነፍሰይ ዝኸቡዋ ፀላእተይ፥
ከም መርዓት ዓይኒ ሓልወኒ፤
ኣብ ፅላል ኣኽናፍካ ሰውረኒ።
10ኣምዑቶም ብስብሒ ቛፀሩ፤
ብኣፎም ድማ ትዕቢት ተናገሩ።
11ሕዚ እውን ስጉምትና ኸበቡ፤
ኣዒንቶምውን ናብ ምድሪ ትሕት ትሕት ኣበሉ።
12ንሱ ምምንዛዕ ከም ዝሃርፍ ኣንበሳ፥
ከምቲ ብሕቡእ ዘድቢ ሽደን ኣንበሳ እዩ።
13ኦ ጐይታ፥ ተልዓል ኣቐዲምካ ናብ ታሕቲ ደርብዮ፤
ንነፍሰይ ካብ ሓጢኣተኛ ብሰይፍኻ ኣድሕና።
14ኦ ጐይታ፥ ካብ ሰባት፥
ተስፋኦም ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራሕ ካብ ዝኾነ ሰባት፥ ብኢድካ ኣድሕነኒ፤
ካብቲ ዝሰወርካዮ መዝገብካ ከብዶም ኣፅገብካ፤
ደቆምውን ብዙሓት እዮም፤
እቲ ዝተረፎም ድማ ንህፃናቶም ይሓድጉ።
15ኣነ ግና ብፅድቂ፥ ገፅካ ኽርኢ እየ፤
ክብርኻ ብምርኣይ ከዓ ኽፀግብ እየ።

Currently Selected:

ዳዊት 17: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in