YouVersion Logo
Search Icon

ዳዊት 11

11
ንሊቀ መዘምራን ናይ ዳዊት መዝሙር
1ኣነ ኣብ እግዚኣብሄር ተዓቚበ ኣለኹ፤
ስለ ምንታይ ደኣ ንነፍሰይ ከም ዒፍ ናብ እምባታት፥
ብረሪ ትብልዋ ኣለኹም?
2“ንቕኑዓት ልቢ ብስውር ምእንቲ ኽወግእዎም፥
እንሆ ኽፉኣት ሰባት ቀስቶም ገቲሮም፥
ንፍላፃኦምውን ኣብ መንትግ ኣዳልዮም ኣለዉ።
3ነቲ ንስኻ ዝሰራዕኻዮ ንሳቶም ኣፍረሱ፤
ፃድቕከ እንታይ ገበረ?”
4እግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ እዩ፤
እግዚኣብሄር ዙፋኑ ኣብ ሰማይ እዩ፤
ኣዒንቱ ናብ ድኻ ይጥምታ፤
ቀራንብቱውን ንደቂ ሰብ ይምርምራ።
5እግዚኣብሄር ንፃድቕን ንሓጥእን ይምርምር፤
ንዓመፅ ዝፈትዋ ግና ንነፍሱ ፀልኣ።
6መፈንጠር ኣብ ልዕሊ ሓጥኣን የዝንም፤
ጕሁር ሓዊን ዲንን ኣውሎ ንፋስን፥ ዕድል ፅዋዖም እዩ።
7እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩሞ፥ ፅድቂ ኸዓ ይፈቱ፤
ቅንዕና ግና ንገፁ ትሪኦ።

Currently Selected:

ዳዊት 11: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in