ዳዊት 12
12
ንሊቀ መዘምራን ብሻምናይ ናይ ዳዊት መዝሙር
1ኦ ጐይታ፥ ሕያዋይ ተስኢኑ፤
ካብ ደቂ ሰብውን ምትእምማን ጐዲሉ እዩሞ፥ ኣድሕነኒ።
2ንስንሳቶም ከንቱ ነገር ይናገሩ፤
ብጠባሪ ኸንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ።
3-4እግዚኣብሄር፥ “ነቶም ጠበርቲ ኸናፍርን፥
ነታ ዓብዪ ነገር እትናገር መልሓስን ክነቕለን እዩ፤
ከናፍርናውን ናትና እዩ፤ ጐይታናኸ መን እዩ?”
እናበሉ ንዝዛረቡ ሰባት፥ ከጥፍኦም እዩ።
5“ምእንቲ ግፍዒ ጥቑዓትን ምእንቲ ብኽያት ምስኪናትን
ሕዚ ኽትስእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ድሕነት ክገብር እየ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ክገልፆ እየ።”
6ቃል እግዚኣብሄር ንፁህ ቃል እዩ፤
ከምቲ ኣብ ምድሪ ዝተፈተነ ሸውዓተ ሻዕ ዝተፃረየ ብሩር እዩ።
7ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር ንስኻ ሓልወና፤
ካብዛ ትውልዲ እዚኣውን ንዘለኣለም ኣናግፈና።
8ኣብ ማእኸል ደቂ ሰባት ክፍኣት ልዕል ልዕል ምስ በለ፤
ዓመፅቲ ኣብ ኵሉ ዙርያኡ ይመላለሱ ኣለዉ።
Currently Selected:
ዳዊት 12: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in