ዳዊት 1
1
ቀዳማይ መፅሓፍ
(መዝሙር 1-41)
ሓቀኛ ብፅእና
1ብምኽሪ ኽፉኣት ዘይኸደ፥
ኣብ መንገዲ ሓጥኣን ከዓ ዘይቆመ፥
ኣብ መንበር መላገፅቲ ድማ ዘይተቐመጠ ብፁእ እዩ።
2እኳ ደኣ ብሕጊ እግዚኣብሄር ይሕጐስ፤
ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን የስተንትኖ።
3 #
ኤር. 17፡8። ንሱ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ከም ዝተተኽለት፥
በብእዋኑ ፍረኣ ከም እትህብ፥
ቈፅላውን ከም ዘይረግፍ ኦም ይኸውን፤
ኵሉ ዝገብሮውን ይሰልጠሉ።
4እቶም ክፉኣት ግና ኸምዙይ ኣይኮኑን፤
ንሳቶም፥ ከምቲ ንፋስ ፀሪጉ ዝወስዶ በነንታ እዮም።
5ስለዙይ ክፉኣት ብፍርዲ፥
ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ፃድቃን ኣይቖሙን እዮም።
6እግዚኣብሄር ንመንገዲ ፃድቃን ይፈልጦ እዩሞ፤
መንገዲ ክፉኣት ግና ኽትጠፍእ እያ።
Currently Selected:
ዳዊት 1: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in