ፊልጵስዩስ 3
3
ኣብ እምነት ዝተመስረተ ፅድቂ
1 #
ፊልጵ. 2፡18። ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ብጐይታ ተሓጐሱ። ብዛዕባ እዝ ነገርዙይ፥ ደጊመ ኽፅሕፈልኩም ኣይስልክየንን እዩ፤ ንኣኻትኩም ንጥቕምኹም እዩ እሞ። 2#ሮሜ 2፡28። ካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፤ ካብ ገበርቲ ኽፉእ ተጠንቀቑ፤ ግሩዛት ኢና ኻብ ዝብሉ ተጠንቀቑ። 3#ዮሓ. 4፡23፥ ቈላ. 2፡11። ንሕና ብመንፈስ ንእግዚኣብሄር እነምልኽ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እንምካሕ፥ ብስጋውን ዘይንእመን፥ ንሕና ኢና ብሓቂ ግሩዛት። 4#2 ቆሮ. 11፡18። ትምክሕቲ ዘድሊ እንተ ኾይኑስ፥ ኣነውን ብዙሕ ኣለኒ። ሓደ፥ በቲ ኣብ ሰብነት ዝግበር ኣፍኣዊ ስርዓት፥ ዘመክሕ ዘለዎ እንተ መሰሎውን፥ ኣነ ኻብቲ ናቱ ዝበለፀ ኣለኒ። 5#2 ቆሮ. 11፡22። ኣነ ኣብ ሻምናይ መዓልቲ ዝተገረዝኩ፥ ካብ ዓሌት እስራኤል፥ ካብ ነገድ ብንያም ዝተወለድኩ፥ ካብ ዕብራውያን ዕብራዊ እየ፤ ሕጊ ብምፍፃምውን ፈሪሳዊ እየ፤ 6#ግ.ሓ. 9፡1። ንቕንኢ ሃይማኖት ብዝምልከት፥ ኣሳጓጒ ቤተ ክርስቲያን፥ ሕጊ ብምፍፃም ንዝርከብ ፅድቂ ኸዓ፥ ነቐፌታ ዘይብለይ እየ። 7#ማቴ. 13፡45-46። እንተ ኾነ፥ ነዝ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ፥ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ቘፀርክዎ። 8እወ፥ ምእንቲ እቲ ማዕረ ዘይብሉ፥ ፍልጠት ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ነገር ከም ከንቱ ቘፀርክዎ። ምእንታኡ ኽብል፥ ኵሉ እስእን ኣለኹ። ንእኡ ኽረክብን ምስኡ ክኸውንን ከዓ፥ ንዅሉ ኸም ጐሓፍ እቘፅሮ ኣለኹ። 9#ሮሜ 1፡17፥ 10፡3፥ ገላ. 2፡16። እዙይ ከዓ፥ ነቲ ኣብ ሕጊ ብምፍፃም ዝተመስረተ ናይ ባዕለይ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ንክርስቶስ ብምእማን ዝተመስረተ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነ ፅድቂ ንምርካብ እዩ። 10ከምኡ ኸዓ ንክርስቶስን፥ ንሓይሊ ትንሳኤኡን ክፈልጥ፥ ኣብ መከራኡ ኽካፈል፥ ብሞቱውን ንእኡ ኽመስሎ እሞ፥ 11#ሮሜ 6፡4፥ 2 ቆሮ. 4፡10። ኣብ ትንሳኤ ሙታን ክበፅሕ እንተ ኸኣልኩ ኢለ እየ።
ናብ ዓስቢ ኣሸናፊነት ምጕያይ
12 #
1 ጢሞ. 6፡12። ነዝ ዅሉ ድሮ ረኺበዮ፥ ወይ ድማ ቅድሚ ሕዚ ፍፁም ኮይነ እየ ማለተይ ኣይኮነን። ግና ክርስቶስ ኢየሱስ ናቱ ስለ ዝገበረኒ፥ ኣነ ድማ ነዝ ዅሉ፥ ናተይ ክገብሮ ኢለ እፅዕር ኣለኹ። 13#ሉቃ. 9፡62። ኣሕዋተይ፥ ኣነ ግና ናተይ ከም ዝገበርክዎ ገይረ፥ ንርእሰይ ኣይግምትን እየ፤ ሓደ ዝገብሮ ነገር ኣሎ፦ ነቲ ብድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኹ፥ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እመጣጠር ኣለኹ፤ 14#1 ቆሮ. 9፡24፥ 2 ጢሞ. 4፡7-8። ናብቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣቢለ፥ ናብቲ ዓስቢ ኣሸናፊነት፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ፥ ናይ እግዚኣብሄር መፀዋዕታ እጐዪ ኣለኹ።
15እምበኣር ብመንፈሳዊ ህይወት ዝጠንከርና ዅልና፥ እዙይ ንሕሰብ፤ ብዝኾነ ነገር ዝተፈለየ ሓሳብ እንተ ሃልዩኩም፥ ንእኡውን እግዚኣብሄር ክገልፀልኩም እዩ። 16ሕዚ ግና በቲ በፂሕናዮ ዘለና፥ ብእኡ ፀኒዕና ንንበር።
17 #
1 ቆሮ. 11፡1። ኣሕዋተይ፥ ንኣይ ምሰሉ፤ ነቶም በታ ዝሃብናኩም ኣርኣያ ዝነብሩ ኸዓ፥ ኣስተውዕልዎም። 18ከምቲ ብዙሕ ጊዜ ዝነገርኩኹም፥ ሕዚ ኸዓ እናነባዕኹ ዝነግረኩም ዘለኹ፥ ብዙሓት ፀላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ። 19#ሮሜ 8፡5፥ 16፡18። መወዳእታኦም ግና ጥፍኣት እዩ፤ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፤ ክብረቶም በቲ ነውሮም እዩ፤ ሓሳቦም ከዓ ምድራዊ እዩ። 20#1 ተሰ. 1፡10፥ ዕብ. 13፡14። ንሕና ግና፥ ሃገርና ኣብ ሰማይ እዩ፤ ካብኡ ንዝመፅእ፥ መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፅበ ኣለና። 21#1 ቆሮ. 15፡27፥42-43፥ 1 ዮሓ. 3፡2። ንሱ በቲ ንዅሉ ኽመልከሉ ዝከኣሎ ሓይሊ፥ ነዝ ዝተዋረደ ሰብነትና ለዊጡ፥ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኸምስሎ እዩ።
Currently Selected:
ፊልጵስዩስ 3: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in