YouVersion Logo
Search Icon

ዘሑልቍ 9

9
ካልኣይ በዓል ፋሲካ
1ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናይታ ኻልአይቲ ዓመት፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ሲና ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 2“ደቂ እስራኤል በቲ ምዱብ ጊዜኡ ፋሲካ ይግበሩ። 3ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ በቲ ምዱብ ጊዜኡ፥ ክመሲ እንተሎ ፋሲካ ኣብዕሉ። ከም ኵሉ ሕግጋቱን ከም ኵሉ ስርዓቱን ጌርኩም ኣብዕልዎ።”
4ሙሴ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ፋሲካ ኸብዕሉ ነገሮም። 5ንሳቶም ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ክመሲ እንተሎ ኣብ ምድረ በዳ ሲና ፋሲካ ኣብዓሉ። ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ደቂ እስራኤል ከምኡ ገበሩ። #ዘፀ. 12፡1-13።
6ግና ብምኽንያት ሬሳ ምዉት ሰብ ዝረኸሱ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ፋሲካ ኸብዕሉ ዘይከኣሉ ሰባት ነበሩ። ንሳቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን መፂኦም፥ 7“ንሕና ብምኽንያት ሬሳ ምዉት ሰብ ዝረኸስና ሰባት ኢና፤ በታ ምድብቲ ጊዜ ምስ ደቂ እስራኤል ኴንና እቲ ንእግዚኣብሄር ዝወሃብ መባእ ከይነቕርብ ዝተኸልከልና ስለ ምንታይ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
8ሙሴ ድማ “እግዚኣብሄር ብዛዕባኻትኩም እንታይ ከም ዝእዝዝ ክሰምዕስ ፅንሑ” ኢሉ መለሰሎም።
9እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 10ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ ሰብ ካባኻትኩም ወይ ካብ ትውልድኹም ብምኽንያት ምዉት እንተ ረኸሰ ወይ ኣብ ርሑቕ መንገዲ እንተሎ፥ ንእግዚኣብሄር ፋሲካ ኸብዕል እንተ ደለየ፥ 11ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ኽመሲ እንተሎ የብዕል። ምስ ቅጫን መሪር ሓምልን ይብልዕዎ። 12ካብኡ ኽሳዕ ንፅባሒቱ ሓደኳ ኣየሕድሩ፤ ዓፅሙ ኸዓ ኣይስበሩ። ከምቲ ዅሉ ሕጊ ዝእዝዞውን ፋሲካ ይግበሩ። #ዘፀ. 12፡46፥ ዮሓ. 19፡36። 13ግና ዝኾነ ሰብ ንፁህ እንተሎ፥ መገሻውን ዘይከደ እንተሎ፥ ፋሲካ እንተ ዘየብዓለ፥ መባእ እግዚኣብሄር በቲ ምዱብ ጊዜ ስለ ዘየቕረበ፥ ካብ ህዝቡ ይፈለ። እቲ ሰብ እቱይ ሓጢኣቱ ኽፀውር እዩ።
14ምሳኻትኩም ዝነብር ጓና፥ ፋሲካ ንእግዚኣብሄር ከብዕል እንተ ደለየ፥ ከምቲ ናይ ፋሲካ ሕግን ስርዓትን ገይሩ የብዕል። ንጓናን ንወዲ ዓድን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም።
ነቲ ድንኳን ደመና ኸም ዝጐልበቦ
(ዘፀ. 40፡34-38)
15በታ እቲ መሕደሪ ዝተተኽለላ መዓልቲ ነቲ ድንኳን ምስክር ደመና ሸፈኖ። ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት ድማ ኸም ደመና ሓዊ መሲሉ ኣብ ልዕሊ እቲ መሕደሪ ነበረ። 16ኵልሻዕ ከምኡ ነበረ፤ ብመዓልቲ ደመና፥ ብለይቲ ኸዓ እቲ ደመና ሓዊ ይሽፍኖ ነበረ። 17እቲ ደመና ኻብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ምስ ተልዓለ፥ ደቂ እስራኤል ይጐዓዙ ነበሩ፤ እቲ ደመና ኣብ ዝቖመሉ ኸዓ ደቂ እስራኤል ኣብኡ ይሰፍሩ ነበሩ። 18ደቂ እስራኤል ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይጐዓዙ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከዓ ይሰፍሩ ነበሩ። እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን እንተ ቖመ ኣብቲ ዝሰፈርዎ ይፀንሑ ነበሩ። 19እቲ ደመና ብዙሕ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን እንተ ፀንሐ፥ ደቂ እስራኤል ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ይፅበዩ ስለ ዝነበሩ ኣይጐዓዙን ነበሩ። 20ሓድሓደ ጊዜ እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ንቑሩብ መዓልቲታት ጥራሕ ይፀንሕ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሰፍሩ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄርውን ይጐዓዙ ነበሩ። 21ሓድሓደ ጊዜ እቲ ደመና ኻብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት ጥራሕ ይፀንሕ ነበረ። ንግሆ ምስ ተልዓለ ድማ ይጐዓዙ ነበሩ። እቲ ደመና ምስ ተልዓለ፥ ለይቲ ወይ መዓልቲ እንተይበሉ ይጐዓዙ ነበሩ። 22እቲ ደመና ኣብ ልዕሊ ድንኳን ተቐሚጡ ኽልተ መዓልቲ ወይ ሓደ ወርሒ፥ ወይ ሓደ ዓመት እንተ ፀንሐ ደቂ እስራኤል ሰፊሮም ይፀንሑ ነበሩ እምበር ኣይጐዓዙን ነበሩ። ምስ ተልዓለ ግና ይጐዓዙ ነበሩ። 23ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሰፍሩ ነበሩ፤ ብትእዛዝ እግዚኣብሄርውን ይጐዓዙ ነበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ነቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሕልውዎ ነበሩ።

Currently Selected:

ዘሑልቍ 9: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in