ዘሑልቍ 8
8
ኣቀማምጣ መብራህትታት
1እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 2“ንኣሮን ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦ፦ ነተን ሸውዓተ ቐናዲል ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዲል ክተቐምጠን እንተለኻ ናብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከም ዝበርሃ ግበር።”
3ኣሮን ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ፤ ነተን ቀናዲል ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከም ዝበርሃ ገበረን። 4እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ካብ እግሩ ኽሳዕ ዕምበባኡ ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ዝተሰርሐ ነበረ። እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዘርኣዮ ምስሊ ዝተገብረ ነበረ። #ዘፀ. 25፡31-40፥ 37፡17-24።
ሌዋውያን
5እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 6“ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ወሲድካ ኣንፅሃዮም። 7ከምዙይ ጌርካ ኣንፅሃዮም፦ እቲ ሓጢኣት ዘንፅህ ማይ ንፀገሎም፤ ኵሉ ሰብነቶም ይላፀዩ፤ ክዳውንቶምውን ይሕፀቡ፤ ይንፅሁውን። 8ድሕሪዙይ ሓደ ዝራብዕን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ናይ እኽሊ መስዋእትን ይውሰዱ። ንስኻ ኸዓ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ኻልእ ዝራብዕ ውሰድ። 9ንሌዋውያን ድማ ናብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣቕርቦም፤ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤልውን ኣክቦ። 10ንሌዋውያን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦም፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊኣቶም የንብሩሎም። 11ኣሮን ድማ ንሌዋውያን፥ ንስራሕ ንኣገልግሎት እግዚኣብሄር ድልዋት ምእንቲ ክኾኑ፥ ደቂ እስራኤል ዝውፍይዎ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ናብ እግዚኣብሄር የቕርቦም።
12“ሌዋውያን ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቶም ዝራብዓት ኣእዳዎም የንብሩ፤ ንሌዋውያን ምእንቲ መስተስረዪ ኸዓ፥ እቲ ሓደ ንሓጢኣት መስዋእቲ፥ እቲ ኻልኣይ ከዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ጌርካ፥ ንእግዚኣብሄር ኣቕርብ። 13ንሌዋውያን፥ ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ደቁን ኮይኖም ከገልግሉ ኣቕርቦም፤ ንኣይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ኸዓ ወፍዮም። 14ሌዋውያን ንኣይ ምእንቲ ክኾኑ ኸምዙይ ጌርካ ኻብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ፍለዮም።”
15ድሕሪዙይ “ንሌዋውያን ምስ ኣንፃህኻዮምን፥ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ምስ ወፈኻዮምን፥ ንኣይ ምእንቲ ኸገልግሉኒ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ይእተዉ። 16እቶም ንኣይ ተፈልዮም ዝተውሃቡ እስራኤላውያን ንሳቶም እዮም። ክንዲ ዅሉ ማህፀን ዝኸፍት፥ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ንኣይ ፈልየዮም እየ። 17ኣብ ደቂ እስራኤል ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ኵሉ በዅሪ ናተይ ስለ ዝኾነ፥ በታ ኣብ ግብፂ ንዅሉ በዅሪ ዝቐተልኩላ መዓልቲ ንኣይ ቀደስክዎም። #ዘፀ. 13፡2። 18ክንዲ ዅሉ በዅሪ ደቂ እስራኤል ከዓ ንሌዋውያን ወሲደ ኣለኹ። 19ደቂ እስራኤል ናብ መቕደስ ብምቕራቦም መዓት ምእንቲ ኸይወርዶም፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክንዲ ደቂ እስራኤል ከገልግሉ፥ ንደቂ እስራኤል ድማ ምእንቲ ኸስተስርዩሎም፥ ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ፈልየ ንኣሮንን ንደቁን ውህብቶ ገይረ ሂበዮም ኣለኹ።”
20ሙሴን ኣሮንን ኵሉ ማሕበር ደቂ እስራኤልን ድማ ንሌዋውያን ከምኡ ገበሩሎም፤ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ከምኡ ደቂ እስራኤል ገበሩሎም። 21ሌዋውያን ከዓ ካብ ሓጢኣት ነፅሁ፤ ክዳውንቶምውን ሓፀቡ። ኣሮን ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወፈዮም። ኣሮንውን ምእንቲ ኽነፅሁ ኣስተስረየሎም። 22ድሕሪዙይ ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣገልግሎቶም ክፍፅሙ ኣተዉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝኣዘዞ ከምኡ ገበሩሎም።
23እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 24“ሕጊ ሌዋውያን እዙይ እዩ፦ ሌዋውያን፥ ዕድመኣቶም ካብ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ንላዕሊ ናብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ይእተዉ። 25ዕድመኣቶም ካብ ወዲ ሓምሳ ዓመት ንላዕሊ ኸዓ ኻብ ስራሕ ኣገልግሎት የዕርፉ፤ ድሕሪኡውን ኣየገልግሉ። 26እቲ ዝተውሃቦም ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ነሕዋቶም ይሓግዝዎም፤ ንሳቶም ግና ኣየገልግሉ። ንሌዋውያን ከምዙይ ጌርካ ሓሓላፍነቶም ሃቦም።”
Currently Selected:
ዘሑልቍ 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: