YouVersion Logo
Search Icon

ዘሑልቍ 7

7
መራሕቲ ዝውፍይዎ መባእ
1ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሙሴ ነቲ ድንኳን ተኺሉ ምስ ወድአ፥ ንእኡን ንዅሉ ኣቑሑኡን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን፥ ነቲ መሰውእን ንዅሉ ኣቑሑኡንውን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን። 2እቶም ኣሕሉቕ ነገድ ዝኾኑ፥ ሹመኛታት እስራኤልን ዋናታት ማይ ቤትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ቍፁራት ዝነበሩን ውህብቶ ኣቕረቡ። 3ውህብቶኦም ሽዱሽተ ኽዱናት ሰረገላታትን ዓሰርተ ኽልተ ኣብዑርን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምፅኡ፤ ንኽልተ ሹም ሓደ ሰረገላ፥ ንነፍሲ ወከፍ ሹም ሓደ ብዕራይ ናብ ቅድሚ መሕደሪ ኣቕረብዎ።
4እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ 5“ኣብ ኣገልግሎት እቲ መራኸቢ ድንኳን ንመስርሒ ምእንቲ ክኸውን፥ ነቲ መባእ ካብኣቶም ተቐቢልካ፥ ነቶም ሌዋውያን ንነፍሲ ወከፎም ከከም ኣገልግሎቶም ሃቦም” በሎ።
6ሙሴ ድማ ነተን ሰረገላታትን ነቶም ኣብዑርን ወሲዱ ነቶም ሌዋውያን ሃቦም። 7ንደቂ ጌድሶን ከም መጠን ኣገልግሎቶም ክልተ ሰረገላታትን ኣርባዕተ ኣብዑርን ሃቦም። 8ንደቂ ሜራሪ ኸዓ ኸም መጠን ኣገልግሎቶም፥ ኣርባዕተ ሰረገላታትን ሸሞንተ ኣብዑርን ሃቦም። እዚኣቶም ኵሎም ኣብ ትሕቲ ኢታምር ወዲ እቲ ኻህን ኣሮን ዘገልግሉ እዮም። 9ንደቂ ቃዓት ግና፥ ኣገልግሎት መቕደስ ናታቶም እዩሞ፥ ኣብ ማእገሮም ይፆርዎ ነበሩሞ፥ ሙሴ ሓደ እኳ ኣይሃቦምን።
10እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብአ ንመባረኺኡ ዝኸውን መባእ ኣምፅኡ፤ ናብ ቅድሚ መሰውኢ ኸዓ ኣቕረቡ። 11እዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ንሙሴ “እቲ ናይ መሰውኢ መባረኺ መባኦም፥ ኣሕሉቕ በብመዓልቶም የቕርቡ” ኢሉ ኣዚዝዎ ስለ ዝነበረ እዩ።
12እቲ ብቐዳመይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ካብ ነገድ ይሁዳ ነበረ።
13ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ 14ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ 15ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ 16ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥ 17ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን፥ ኣቕረበ። መባእ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዙይ እዩ።
18ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ናትናኤል ወዲ ሶገር፥ ሹም ደቂ ይሳኮር ነበረ።
19ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ 20ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ 21ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ 22ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥ 23ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ናትናኤል ወዲ ሶገር እዙይ እዩ።
24ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኤልያብ ወዲ ኬሎን፥ ሹም ደቂ ዛብሎን ነበረ።
25ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ 26ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ 27ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ 28ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥ 29ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤልያብ ወዲ ኬሎን እዙይ እዩ።
30ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኤሊሱር ወዲ ሸዴዉር፥ ሹም ደቂ ሮቤል ነበረ።
31ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ 32ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ 33ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ 34ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥ 35ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤሊሱር ወዲ ሸዴዉር እዙይ እዩ።
36ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ሰለሚኤል ወዲ ሱሪሳዳይ፥ ሹም ደቂ ስምኦን ነበረ።
37ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ 38ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ 39ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ 40ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥ 41ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ሰለሚኤል ወዲ ሱሪሳዳይ እዙይ እዩ።
42ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኤልያሳፍ ወዲ ራጉኤል፥ ሹም ደቂ ጋድ ነበረ።
43ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ 44ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ 45ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ 46ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥ 47ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤልያሳፍ ወዲ ራጉኤል እዙይ እዩ።
48ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ፥ ሹም ደቂ ኤፍሬም ነበረ።
49ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ 50ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ 51ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ 52ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥ 53ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ እዙይ እዩ።
54ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር፥ ሹም ደቂ ምናሴ ነበረ።
55ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ 56ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ 57ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ 58ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥ 59ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር እዙይ እዩ።
60ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን፥ ሹም ደቂ ብንያም ነበረ።
61ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ 62ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ 63ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ 64ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥ 65ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን እዙይ እዩ።
66ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ፥ ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ፥ ሹም ደቂ ዳን ነበረ።
67ንሱ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ 68ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ 69ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ 70ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ፥ 71ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን፥ ኣቕረበ። መባእ ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ እዙይ እዩ።
72ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ፥ ፋግኤል ወዲ ዖክራን፥ ሹም ደቂ ኣሴር ነበረ።
73ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ 74ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ 75ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ 76ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥ 77ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ፋግኤል ወዲ ዖክራን እዙይ እዩ።
78ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ ኣኪሬ ወዲ ዔናን፥ ሹም ደቂ ንፍታሌም ነበረ።
79ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥ 80ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥ 81ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥ 82ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላን፥ 83ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ኣኪሬ ወዲ ዔናን እዙይ እዩ።
84በታ መሰውኢ ዝተቐብአላ መዓልቲ ሹመኛታት እስራኤል ንመቐደሲኡ ክኸውን ዘቕረብዎ መባእ ኸምዙይ እዩ፦ ዓሰርተ ኽልተ ፃሕሊ ብሩር፥ ዓሰርተ ኽልተ ውንጭሕቲ ብሩር፥ ዓሰርተ ኽልተ ፅዋዕ ወርቂ። 85ሓደ ፃሕሊ ብሩር ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም፥ ሓደ ውንጭሕቲ፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝምዘን ነበረ። ኵሉ ኣቑሑ ብሩር ብሚዛን መቕደስ ዕስራን ሸሞንተን ኪሎ ግራም ነበረ። 86እተን ዕጣን ዝመልኣ ዓሰርተ ኽልተ ፅዋዕ ወርቂ ነንፅዋዕ ብሚዛን መቕደስ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝምዘና ነበራ። ኵለን እተን ፅዋዓት ወርቂ ኸዓ ዕስራን ሸሞንተን ኪሎ ግራም ኮና። 87ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ዓሰርተ ኽልተ ዝራብዓት፥ ዓሰርተ ኽልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኽልተ ጡቦታት ኣባጊዕ ኾኑ። ምስኡ ኸዓ መስዋእቲ እኽሊ ነበረ። ስለ ሓጢኣት ዝስውኡ ኸዓ ዓሰርተ ኽልተ ዲበላታት ነበሩ። 88ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ዝራብዓት፥ ስሳ ማጓሉ፥ ስሳ ዲበላታት፥ ዓመት ዝገበሩ ስሳ ጡበታት ኣባጊዕ ነበሩ። እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብአ ንመቐደሲኡ ዝተውሃበ መባእ እዙይ ነበረ።
89ሙሴ ምስኡ ንምዝራብ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ምስ ኣተወ፥ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ኪዳን ዘሎ መኽደኒ መስተስረዪ፥ ካብ መንጎ እቶም ክልተ ኪሩቤል እቲ ድምፂ ኽዛረቦ ይሰምዕ ነበረ። ንሱ ድማ ይዛረቦ ነበረ።

Currently Selected:

ዘሑልቍ 7: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ዘሑልቍ 7