ዘሑልቍ 6
6
ሕጊ ናዝራውያን
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 2ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ናዝራዊ ክኸውን ንእግዚኣብሄር ክውፈ እንተ ተመባፅዐ፥ 3ካብ ወይንን ካብ ዘስክር መስተን ይከልከል። ዝመፀፀ ወይኒ ኾነ ወይ ዝመፀፀ ዘስክር መስተ ኣይስተ፤ ዝኾነ ኻብ ወይኒ ዝተፀምቈ ኣይስተ፤ ካብ ወይኒ ድማ ብሸዊቱ ኾነ ወይ ብንቑፁ ኣይብላዕ። #ሉቃ. 1፡15። 4በቲ ናዝራዊ ኾይኑ ዝነብረሉ እዋን፥ ፍረኡ ኾነ ገፈሉ፥ ወይ ዝኾነ ይኹን ካብ ኦም ወይኒ ኣይብላዕ።
5በተን ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ዝተፈለየለን መዓልቲታት ኣይላፀ፤ ፀጕሪ ርእሱውን ኣይቈረፅ። እተን ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየለን መዓልቲታት ክሳዕ ዝመልኣ ቅዱስ ይኹን፤ ፀጕሪ ርእሱ ኸዓ የንውሕ። 6በተን ንእግዚኣብሄር ዝተፈለየለን ኵለን መዓልቲታት ናብ ዝሞተ ሰብ ኣይቕረብ። 7እቲ “ናዝራዊ እየ” ኢሉ ናብ ኣምላኽ ዝተመባፅዖ ፀጕሪ ኣብ ርእሱ ስለ ዘሎ፥ ብሞት ኣቦኡ ወይ እኖኡ ወይ ሓዉ ወይ ሓፍቱ ኣይርከስ። 8ብዅለን እተን ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ዝተፈለየለን መዓልቲታት፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ እዩ።
9ብድንገት ኣብ ጥቓኡ ሰብ እንተ ሞተሞ፥ እቲ ብመብፅዓ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ድማ እንተ ረኸሰ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ፀኒሑ ርእሱ ይላፂ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ይነፅህ። 10ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኽልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ኣናእሽቱ ርግቢ ናብ ኣፍ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ካህን የምፅእ። 11እቲ ኻህን ድማ ነታ ሓንቲ ኽንዲ ስርየት ሓጢኣት ይሰውኣያ፤ ነታ ኻልአይቲ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሰውኣያ። ንምዉት ብምንካኡ ረኺሱ እዩ እሞ እቲ ኻህን የስተስርየሉ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ርእሱ ይቐድስ። 12ከም ብሓድሽ ከዓ ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ይወፈ፤ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ ኸዓ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ የምፅእ። እቲ ናዝራዊነቱ ስለ ዝረኸሰ፥ እተን ቀዳሞት መዓልቲታት ከንቱ እየን።
13ሓደ ናዝራዊ፥ እተን ናዝራዊ ኾይኑ ዝተፈለየለን መዓልቲታት ምስ መልኣ፥ እቲ ሕጊ ኸምዙይ እዩ፦ ናብ ኣፍ እቲ መራኸቢ ድንኳን የምፅእዎ። 14-15ንሱ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ ጐደሎ ዘይብሉ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ፥ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት እትስዋእ ጐደሎ ዘይብላ፥ ዓመት ዝገበረት በጊዕ፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ፥ ምስኡ ኸዓ ኻብ ልሑም ሕሩጭ ብዘይቲ ዝተለወሰ ዘይበዅዐ ቕጫታትን፥ ዘይቲ ዝተለኽየ ዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታትን ዝሓዘ ሓደ መሶብ፥ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ።
16እቲ ኻህን ከዓ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፤ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝውፈን ንዝቃፀል መስዋእትን ገይሩ ኸዓ ይሰውኣዮ። 17ነቲ ማጕላ ድማ ምስቲ ኣብ መሶብ ዘሎ ዘይበዅዐ እንጀራ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ገይሩ ይሰውኣዮ፤ ምስኡ ኸዓ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ይሰውእ።
18እቲ ናዝራዊ ድማ ነቲ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይላፅዮ፤ ናብቲ ትሕቲ መስዋእቲ ምስጋና ዘሎ ሓዊ ድማ የእትዎ።
19ነቲ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ምስ ላፀዮ፥ እቲ ኻህን ነታ ዝበሰለት ኢድ ማጕላ ይውሰዳ፤ ካብቲ መሶብ ከዓ ሓደ ዘይበዅዐ ቕጫን ሓደ ዘይበዅዐ ረቂቕ ቅጫን ገይሩ ኣብ ኢድ እቲ ናዝራዊ የንብሮ። 20ሽዑ እቲ ኻህን ከምቲ እናወዝወዝካ ናባይ ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ይወዝውዞ። እዙይ ምስቲ ዝውዝወዝ ሓኸለን ፍሉይ እግርን ነቲ ኻህን ይኹን። ድሕሪዙይ እቲ ናዝራዊ ወይኒ ኽሰቲ ይኽእል።
21ሕጊ ናዝራውያን እዙይ እዩ። ሓደ ናዝራዊ ግና እንትርፊ እቲ ዝተመባፅዖ፥ ካልእ ነገር ብመብፅዓ እንተ ኣተስፈወ፥ መብፅዓኡ ይፈፅም። #ግ.ሓ. 21፡23-24።
ቡራኬ ካህናት
22እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 23“ንደቂ እስራኤል እንትትባርኽዎም ከምዙይ በልዎም ኢልካ ንኣሮንን ንደቁን ንገሮም፦
24‘እግዚኣብሄር ይባርኽካን ይሓሉኻን፤
25እግዚኣብሄር ገፁ የብርሀልካ፤ ይራህርሀልካውን።
26እግዚኣብሄር ገፁ ይምለሰልካ፤
ሰላም ድማ ይሃብካ።’
27“ከምዙይ ገይሮም ስመይ ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል የንብሩ፤ ኣነውን ክባርኾም እየ።”
Currently Selected:
ዘሑልቍ 6: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in