ዘሑልቍ 5
5
ብዛዕባ ዝረኸሱ ሰባት
1እግዚኣብሄር ንሙሴ 2ሕማም ለምፂ ንዘለዎ ዅሉን፥ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ንዝፈስሶ ዅሉን፥ ሬሳ ብምንካእ ንዝረኸሰ ዅሉን፥ ካብ ሰፈር ከውፅእዎ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም። 3ተባዕታይ ኮነ ኣንስተይቲ፥ ነቲ ኣነ ኣብ ማእኸሉ ዝሓድሮ ዘለኹ ሰፈሮም ከየርክሱ፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር ኣውፅእዎም በሎ። 4ደቂ እስራኤል ድማ ኸምኡ ገበሩ፤ ካብቲ ሰፈርውን ኣውፅእዎም፤ ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝተናገሮ ገበሩ።
ዝበደለ ኸም ዝኽሕስ
5እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦ 6ንደቂ እስራኤል፥ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፥ ብዝኾነ መንገዲ፥ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ክተሓላለፍ ሰብ ዝሰርሖ ሓጢኣት እንተ ሰርሐ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ እቱይ በደል እንተ ኾነ፥ 7ሓጢኣት ብምግባሩ ይነሳህ። ነቲ ዝወሰዶ ይመልስ፤ ሓምሻይ ኢድውን ወሲኹ፥ ነቲ ዝበደሎ ይሃብ። 8ግና እቲ ዝተበደለ ሰብ እንተ ሞተ፥ ወራሲ ዘይብሉ ድማ እንተ ኾነ፥ እቲ ገንዘብ ካሕሳ ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ ነቲ ኻህን ይኹን። ምስቲ ኽንዲ ሓጢኣት ዝሕረድ ማጕላ ገይሩ ንኻህን ይሃቦ። 9ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ናብ ካህን ዘምፅእዎ ቅዱስ መባእ ንእኡ ይኹን። 10ኵሉ እቲ ዝኾነ ሰብ ዝቐደሶ ነገር ንእኡ ይኹን፤ ኵሉ እቲ ሰብ ንኻህን ዝህቦ ድማ ነቲ ኻህን ይኹን በሎም።
ንሰብኣያ ዝጠለመት ሰበይቲ
11እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 12ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ንሰብኣይ ሰበይቱ እንተ ጠለመቶ፥ ብምዝማዋ ኸዓ እንተ በደለቶ፥ 13ምስ ካልእ ሰብኣይ እንተ ደቂሳ፥ ምስክር ስለ ዘይተረኽባ፥ ብሕቡእ እንተ ረኸሰት ስለ ዘይተትሐዘት፥ እዙይ ካብ ዓይኒ ሰብኣያ እንተ ተኸወለ፥ ብሕቡእ ድማ እንተ ረኸሰት፥ 14መንፈስ ቅንኣት እንተ ሓደሮ፥ ሰበይቱ ብምርካሳ ድማ እንተ ቐንአ፥ ወይ ንሳ ኸይረኸሰት እንተላ መንፈስ ቅንኣት እንተ ሓደሮ፥ ንሰበይቱ ኸዓ እንተ ጠርጠራ፥ 15ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቱ ናብ ካህን የምፅኣያ። ብዛዕባኣ ኸዓ ንመስዋእቲ ዝኸውን ሓደ ኺሎ ግራም ሕሩጭ ስገም የምፅእ። ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ እዩሞ፥ በደል ዘዘክር መስዋእቲ እኽሊ እዩ እሞ፥ ዘይቲ ኣየፍስሰሉ፤ ዕጣንውን ኣይግበረሉ።
16እቲ ኻህን ድማ ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ። 17እቲ ኻህን በቕሓ መሬት ገይሩ ቅዱስ ማይ ይውሰድ፤ ካብቲ ኣብ ምድሪ ቤት ድንኳን ዘሎ ሓመድ ወሲዱ ኸዓ ኣብቲ ማይ ይግበር። 18እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኣቢሉ ርእሳ ይቕልዓያ፤ ነቲ በደል ዘዘክር መስዋእቲ እኽሊ፥ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ፥ ኣብ ኢዳ የትሕዛ፤ ነቲ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ ከዓ ኣብ ኢዱ ይሓዞ። 19ሽዑ እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ መርገም ብዘስዕብ ማሕላ የምሕላ፤ ከምዙይ ከዓ ይበላ፦ “ምስ ካልእ ሰብኣይ ዘይደቀስኪ እንተ ዄንኪ፥ ሰበይቲ ሰብኣይ እንተለኺ ጠሊምክዮ ዘይረኸስኪ እንተ ዄንኪ፥ እዝ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ ኣይጕዳእኺ። 20ሰበይቲ ሰብኣይ እንተለኺ ጠሊምክዮ ረኺስኪ እንተ ዄንኪ ግና፥ እንትርፊ ምስ ሰብኣይኪ ምስ ካልእ ደቂስኪ እንተ ዄንኪ፥ 21እግዚኣብሄር ማህፀንኪ ኸም ዝዅምተር፥ ከብድኺ ኸም ዝንፋሕ ብምግባር፥ ኣብ ማእኸል ህዝብኺ መራገምን መምሓልን ይግበርኪ። 22ከብድኺ ኽነፍሕ ሰለፍኪ ኸዓ ኸማስን፥ እዝ መርገም ዘምፅእ ማይ እዙይ ናብ ውሽጥኺ ይእቶ” ይበላ። እታ ሰበይቲ ድማ “ኣሜን፥ ኣሜን” ትበል።
23እቲ ኻህን ነዝ መርገም እዙይ ኣብ መፅሓፍ ይፅሓፎ፤ ኣብቲ መሪር ማይ ኣሊኹ ኸዓ ይደምስሶ። 24ነታ ሰበይቲ ኸዓ ነቲ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ የስትያ፤ እቲ መርገም ዘምፅእ ማይ ድማ ምስ ኣተወ ኽመርራ እዩ። 25እቲ ኻህን ድማ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ይውሰዶ፤ ነቲ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞ፤ ናብ መሰውኢውን የቕርቦ። 26ሽዑ እቲ ኻህን ካብቲ መስዋእቲ እኽሊ ንመዘከርታ ብኽልተ ኢዱ ሓፊኑ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቃፅሎ፤ ብድሕሪኡ ነታ ሰበይቲ እቲ ማይ የስትያ። 27ነቲ ማይ ምስ ኣስተያ ኸዓ፥ ንሳ ረኺሳ፥ ንሰብኣያ ድማ ጠሊማቶ እንተ ኾይና፥ እቲ መርገም ዘምፅእ ማይ ክመርራ እዩ፤ ከብዳ ይንፋሕ፥ ማህፀና ይዅምተር፥ ሰለፋውን ይወድቕ፤ ኣብ ማእኸል ህዝባ ድማ መራገሚ ኽትከውን እያ። 28እታ ሰበይቲ ዘይረኸሰት ንፅህቲ እንተ ኾይና ግና ሓራ እያ፤ ውላድ ከዓ ኽትረክብ እያ።
29ሕጊ ቕንኣት እዙይ እዩ፦ ሰበይቲ ንሰብኣያ ጠሊማ እንተ ረኸሰት፥ 30ወይ ንሰብኣያ መንፈስ ቅንኣት እንተ ሓደሮ፥ ብሰበይቱ ኸዓ እንተ ቐንአ፥ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ። እቲ ኻህን ድማ ነዝ ዅሉ ሕጊ እዙይ ይፈፅም። 31እቲ ሰብኣይ ከዓ ኻብ በደል ንፁህ ይኸውን፤ እታ ሰበይቲ ኸዓ ረኺሳ እንተ ኾይና በደላ ትፀውር።
Currently Selected:
ዘሑልቍ 5: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: