ዘሑልቍ 4
4
ተግባር ሌዋውያን ደቂ ቃዓት
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን 2“ነቶም ካብ ነገድ ሌዊ ዝኾኑ ደቂ ቃዓት በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ፀሓፎም። 3ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኽእሉ ቝፀሮም” በሎ።
4“ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ናይቲ ቅዱሰ ቅዱሳን ዝኾነ ነገራት፥ ስራሕ ደቂ ቃዓት እዙይ እዩ፤ 5እቲ ሰፈር እንትለዓል፥ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ነቲ ዝጋርድ መጋረጃ የውርድዎ፤ ነቲ ታቦት ኪዳን ከዓ ብእኡ ይኽደንዎ። 6ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ይግበሩሉ፤ ኵለንትናኡ ሰማያዊ ዝኾነ ዓለባ ኸዓ ይዘርግሑሉ። መፃውራትውን የእትዉሉ።
7“ነቲ ሕብስቲ ቝርባን ዘንብሩሉ ጠረጴዛ ድማ ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑሉ። ኣብኡ ኸዓ ሒላባትን ውንጭሕትታትን ፅዋዓትን እቶም ንመስዋእቲ መስተ ዝኾኑ ዅስኵስትታትንውን ይስርዑ፤ እቲ ዅልሻዕ ኣብኡ ዘንብርዎ ሕብስቲ ቝርባን ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ይኹን። 8ኣብ ልዕሊ እዙይ ድማ ቐይሕ ግምጃ ይዘርግሑሉ፤ ንእኡ ኸዓ ብቘርበት እንስሳ ዝተሰርሐ መኽደኒ ገይሮም ይኽደንዎ፤ መፃውራትውን የእትዉሉ።
9“ሰማያዊ ዓለባ ወሲዶም ከዓ፥ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልን ነቲ መብራህቱን መዀስተሪኡን መዋህለሊ ርስሓቱን ነቲ ዘይቲ ዝሕዙሉ ኣቑሑኡን ይኽደኑ። 10ምስ ኵሉ ኣቑሑኡ ድማ ብናይ እንስሳ ቘርበት ገይሮም ይጠቕልልዎ፤ ኣብ መፆሪ ከዓ ይግበርዎ።
11“ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ወርቂውን ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑ፤ ብዝለፍዐ ቘርበት እንስሳ ገይሮም ይሸፍንዎ፤ መፃውራቱ ኸዓ የእትዉሉ።
12“ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉሉ ዅሉ ኣቑሑ ኣገልግሎት ወሲዶም ድማ ብሰማያዊ ዓለባ ይጠቕልልዎ፤ ብዝለፍዐ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ኸዓ ይሸፍንዎ፤ ኣብ መፆሪውን ይግበርዎ።
13“ነቲ ሓሙዅሽቱ ድማ ኻብ መሰውኢ የወግድዎ፤ ቀይሕ ዓለባ ኸዓ ይዘርግሑሉ። 14ኵሉ እቲ ዘገልግሉሉ ኣቑሑ ኸዓ ፅንሃሃትን መሰንቀሪ ስጋን መፅሓሪያታትን ውንጭሕትን፥ ኵሉ ኣቑሑ መሰውኢ ኣብ ልዕሊኡ ይግበርዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ይዘርግሑሉ፤ መፃውሩ ኸዓ የእትዉሉ።
15“ኣሮንን ደቁን ነቲ መቕደስን ኣቑሑ ዅሉ ንዋያተ ቕድሳቱንውን ሸፊኖም ምስ ወድኡ፥ ካብቲ ሰፈር እንትለዓሉ ድማ፥ ደቂ ቃዓት ክፆሩ ይምፅኡ። ከይሞቱ ግና፥ ነቲ ንዋየ ቅድሳት ኣይንክእዎ። ምፅዋር እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ሓላፍነት ደቂ ቃዓት እዩ።
16“ሓላፍነት ኣልኣዛር፥ እቲ ወዲ ኻህን ኣሮን፥ ነቲ ንቐዋሚ ቐንዲል ዝኸውን ዘይትን ነቲ ምዑዝ ዕጣንን ነቲ ናይ ኵልሻዕ መስዋእቲ እኽልን ዘይቲ ቕብኣትን፥ ንዅሉ ድንኳንን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን፥ ንመቕደስን ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ።”
17እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦
18-19“ንዓሌታት ቃዓት ካብ ማእኸል ሌዋውያን ኣይተጥፍእዎም፤ ናብ ጥቓ እቲ ቅዱሰ ቅዱሳን ነገር ብምቕራብ ከይሞቱ ኸምዙይ ግበሩሎም፤ ምእንቲ ተቐሲፎም ከይሞቱ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ንነፍሲ ወከፎም ሰስራሖምን ፆሮምን የመልክትዎም። 20ግና ምእንቲ ኸይሞቱስ፥ ነቲ ቕዱስ ነገር ንቕፅበት ዓይኒ እኳ እንተ ኾነ ኣትዮም ኣይርኣይዎ።”
ተግባር ሌዋውያን ደቂ ጌድሶን
21እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦ 22“ንደቂ ጌድሶን በብማይ ቤቶምን በብዓሌቶምን ቍፅሮም ውሰድ። 23ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኽእሉ ዅሎም ቍፀሮም” በሎ።
24“ዓሌታት ጌድሶን ዘገልግልዎን ዝፆርዎን እዙይ እዩ፦ 25ዓለባታት እቲ መራኸቢ ድንኳንን መኽደኒኡን፥ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝድረብ ቈርበት እንስሳ ባሕርን፥ እቲ መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳንን፥ 26መጋረጃታት ቅፅርን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ድንኳንን መሰውእን ዘሎ ቕፅርን፥ ገመዳቱን ኵሉ ኣቑሑ ኣገልግሎቶምን ይፁሩ። ከምዙይ ገይሮም ኵሉ ኣገልግሎቶም ይፈፅሙ። 27ደቂ ጌድሶን ኵሉ ኣገልግሎቶም፥ ፆሮም ኮነ ስራሖም፥ ከምቲ ትእዛዝ ኣሮንን ደቁን ይኹን። ክፆርዎ ዘለዎም ኵሉ ይቈፃፀርዎም። 28ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣገልግሎት ደቂ ጌድሶን እዙይ እዩ። ኣገልግሎቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታምር ወዲ እቲ ኻህን ኣሮን ይኹን።
ተግባር ሌዋውያን ደቂ ሜራሪ
29“ንደቂ ሜራሪ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ፀሓፎም። 30ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ንዝኣትዉ ዅሎም ቍፀሮም። 31ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ እንተለዉ ዝፍፅምዎ ተግባራት እዙይ እዩ፦ ሉሕ ድንኳንን ወርወሩን ኣዕምዱን ኣእጋሩን፥ 32ኣዕምዲ እቲ ብዙርያኡ ዘሎ ቕፅርን፥ ኣእጋሩን ሽኻላቱን ገመዳቱን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምስቲ ዝዓዩሉ ዅሉን ይፁሩ። ነቲ ነፍሲ ወከፍ ዝፆሮ ኣቕሓ ፀሓፎ። 33ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣገልግሎት ደቂ ሜራሪ እዙይ እዩ። ኵሉ ኣገልግሎቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታምር ወዲ ኻህን ኣሮን ይኹን።”
ምቝፃር ደቂ ሌዊ
34-35ሙሴን ኣሮንን እቶም ሹመኛታት ህዝቢ እስራኤልን ንደቂ ቀዓታውያን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን፥ ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ሓምሳ ዓመት ንዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ንዝኣትዉ ዅሎም ቈፀርዎም። 36ክልተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ሓምሳን ድማ ኾኑ። 37እቶም ካብ ዓሌታት ቃዓት ዝተቘፀሩ ኣብ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉ ዅሎም፥ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም።
38እቶም ካብ ደቂ ጌድሶን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ዝተቘፀሩ ድማ፥ 39ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኽእሉ ዅሎም፥ 40ክልተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰላሳን ኮኑ። 41እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ጌድሶን ዝተቘፀሩ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉ ዅሎም፥ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም።
42እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ሜራሪ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ዝተቘፀሩ ድማ፥ 43ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኣትዉ ዅሎም፥ 44ሰለስተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ። 45እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ሜራሪ ዝተቘፀሩ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ሙሴን ኣሮንን ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም።
46እቶም ሙሴን ኣሮንን ሹመኛታት ደቂ እስራኤልን፥ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ዝቘፀርዎም ኵሎም ሌዋውያን፥ 47ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ብምግልጋልን ብምፅዋርን ክሰርሑ ዝመፁ ዅሎም፥ 48ሸሞንተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሰማንያን ነበሩ። 49ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ነፍሲ ወከፍ ኣገልግሎቱ ተውሃቦ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ፀፆሩ ተነግሮ።
ስለዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ተቘፀሩ።
Currently Selected:
ዘሑልቍ 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: