ዘሑልቍ 32
32
ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝተረፉ ነገዳት
(ዘዳ. 3፡12-22)
1ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን የመና ብዙሓት እንስሳ ነበራኦም። እንሆ ኸዓ፥ ምድሪ ኢያዜርን ምድሪ ገለዓድን ቦታ እንስሳ ኸም ዝኾነ ረአዩ። 2ናብ ሙሴን ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ሹመኛታት ደቂ እስራኤልን መፂኦም ከዓ፦ 3-4“እዘን ንሕና ደቂ እስራኤል ክንሕዘን እግዚኣብሄር ዝወቕዐን ዓዲታት፦ ዓጣሮት፥ ዲቦን፥ ኢያዜር፥ ኒምራህ፥ ሓሴቦን፥ ኤልያሊ፥ ሴባም፥ ናባ፥ ቤዖን፥ ንእንስሳ ዝተመቸዋ ዓዲታት እየን፤ ንሕና ሓሻኽርካ ድማ እንስሳ ኣለዋና። 5ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺብናስ፥ እዘን ዓዲታት እዚኣተን፥ ንኣና ንሓሻኽርካ ርስቲ ጌርካ ሃበና፤ ንዮርዳኖስውን ኣይተሳግረና” በልዎ።
6ሙሴ ግና ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን “ኣሕዋትኩም ናብ ውግእ ክኸዱ እንተለዉዶ፥ ኣብዙይ ክትተርፉ ኢኹም? 7ስለ ምንታይ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ምድሪ ኸይኣትዉ፥ ንደቂ እስራኤል ተስፋ እተቝርፅዎም? 8ኣቦታትኩም ድማ ምድሪ ኽሪኡ ኢለ ኻብ ቃዴስ በርኔ ምስ ሰደድክዎም፥ ከምኡ ገበሩ። 9ክሳዕ ለሰ ኤሽኮል ደዪቦም ነታ ምድሪ ምስ ሰለይዋ፥ ንደቂ እስራኤል ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ምድሪ ኸይኣትዉ ተስፋ ኸም ዝቘርፁ ገበርዎም። #ዘሑ. 13፡17-33። 10በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እግዚኣብሄር የመና ተቘጥዐ እሞ ኸምዙይ ኢሉ መሓለ፦ 11-12‘ብዘይ እቶም ንእግዚኣብሄር ብምሉእ ልቦም ዝተኣማመኑ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ቄኔዛውን፥ ኢያሱ ወዲ ነዌን፥ እዞም ብምሉእ ልቦም ዘይተኣማመኑ፥ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ሰባት፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ፥ ነታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኣይርእይዋን እዮም።’ 13እግዚኣብሄር ከዓ ንእስራኤል የመና ተቘጥዖም እሞ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበረ ትውልዲ ኽሳዕ ዝውዳእ፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ ዀለል ኣበሎም። #ዘሑ. 14፡26-35።
14“ኣቱም ካብ ሓጥኣን ዝተወለድኩም ሰባት፥ ነቲ ነዳዲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክተበርትዑ፥ እንሆ ኸም ኣቦታትኩም ተልዓልኩም። 15ንእግዚኣብሄር ምኽታል እንተ ኣበኹም፥ ንሱ መሊሱ ንእስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ኽሓድጎም እዩ። ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ከዓ ተጥፍእዎ ኣለኹም” በሎም።
16ንሳቶም ከዓ ናብኡ ቐሪቦም “ኣብዙይ ንእንስሳትና ደምበታት፥ ንደቅና ድማ ኸተማታት ክንሰርሕ ኢና፤ 17ንሕና ግና፥ ናብታ ቦታኦም ክሳዕ እነእትዎም ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ክንከይድ ኣፅዋር ሒዝና ተዳሊና ኣለና። ደቅና በቶም ደቂ ዓዲ ምእንቲ ኸይፈርሑ ኣብ ዕሩዳት ከተማታት ይቀመጡ። 18ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ረርስቱ ኽሳዕ ዝረክብ፥ ናብ ኣባይትና ኣይንምለስን። 19ርስትናስ ካብ ፈለገ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ በፂሑና እዩ እሞ፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ንየው ምስኣቶም ርስቲ ኣይንወርስን” በሉ።
20ሙሴ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “እዝ ነገርዙይ እንተ ጌርኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ንውግእ ኣፅዋር እንተ ሒዝኩም፥ 21-22ንፀላእቱ ድማ ኻብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዝሰጎም፥ እታ ምድሪ እውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ እትግዛእ፥ ኵሎም ሰልፈኛታትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈለግ ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊሮምስ ድሕሪኡ ትምለሱ፤ ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ እስራኤልን ከዓ ኻብ በደል ንፁሃት ትኾኑ፤ እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርስትኹም ክትከውን እያ።
23“ከምኡ እንተ ዘይጌርኩም ግና፥ እንሆ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክትገብሩ ኢኹም፤ ሓጢኣትኩም ከም ዝረኽበኩም ድማ ፍለጡ። 24እምበኣር ንደቅኹም ከተማታት፥ ነባጊዕኹም ከዓ ደምበታት ስርሑ፤ ነቲ ኻብ ኣፍኩም ዝወፀ ነገር ድማ ግበርዎ።”
25ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ ንሙሴ “ጐይታና! ኸምቲ ዝበልካና ኽንገብር ኢና። 26ቈልዑናን ኣንስትናን መጓሰ ኣባጊዕናን ኵሉ እንስሳትናን ኣብኡ ኣብ ከተማታት ገለዓድ ይኹኑ። 27ንሕና ሓሻኽርካ ግና ንውግእ ኣፅዋር ዝሓዝና ዅላትና ኸምቲ ጐይታና ዝበልካዮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንዋጋእ ክንሳገር ኢና” ኢሎም መለሱሉ።
28ሙሴ ድማ ንኻህን ኣልኣዛርን ንኢያሱ ወዲ ነዌን፥ ነሕሉቕ ማይ ቤት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ብዛዕባኣቶም ኣዘዘ። 29ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ንውግእ ኣፅዋር ዝሓዙ ዅሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክዋግኡ፥ ምሳኻትኩም ፈለግ ዮርዳኖስ እንተ ተሳገሩ፥ እታ ሃገር ድማ ኣብ ቅድሜኹም እንተ ተገዝአት፥ ሽዑ ነታ ምድሪ ገለዓድ ርስቲ ኽትኮኖም ሃብዎም። 30ኣፅዋር ሒዞም ምሳኻትኩም እንተ ዘይተሳገሩ ግና፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ምሳኻትኩም ይውረሱ” በሎም።
31ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ “ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ንገብር። 32ንሕና ኣፅዋር ሒዝና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንምድሪ ከነዓን ንሳገር፤ እቲ እንወርሶ ርስቲ ኸዓ ኣብዙይ ኣብ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ይኹነልና” ኢሎም መለሱሉ። #ኢያሱ 1፡12-15።
33ሙሴ ኸዓ ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ወዲ ዮሴፍን፥ መንግስቲ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥ መንግስቲ ዓግ ንጉስ ባሳን፥ እታ ሃገር ምስ ከተማታታን ኣብ ዙርያኣ ምስ ዘሎ ዓድታትን ሃቦም።
34ደቂ ጋድ ድማ፥ ዲቦን፥ ዓጣሮት፥ ዓሮዔር፥ 35ዓጥሮት ሾፋን፥ ኢያዜር፥ ዮግብሃ፥ 36ቤት ኒምራ፥ ቤት ሓራን ዝበሃላ ዝተዓረዳ ኸተማታት ሰርሑ፤ ደምበታት ኣባጊዕውን ሰርሑ። 37ደቂ ሮቤል ድማ ሓሴቦን፥ ኤልዓለ፥ ቂርያታይም፥ 38ናባ፥ በዓል ሜዖን (እዝ ስም እዙይ ተለዊጡ እዩ)፥ ሲብማን ዝበሃላ ኸተማታት ከም ብሓድሽ ሰርሕወን፤ ነተን ዝሰርሕወን ከተማታት ከዓ ኻልእ ስም ኣውፅኡለን።
39ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ድማ ኸይዶም ንገለዓድ ሓዝዋ፤ ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ኣሞራውያን ከዓ ሰጐጕዎም። 40ሙሴ ድማ ንማኪር ወዲ ምናሴ ንገለዓድ ሃቦ፤ ማኪር ከዓ ኣብኣ ተቐመጠ። 41ያኢር ወዲ ምናሴ ኸይዱ ዓድታት ሓዘ፤ ዓድታት ያኢር ኢሉ ኸዓ ሰመየን። 42ኖባህ ድማ ኸይዱ ንቕኤናትን ቍሸታታን ሓዛ፤ ብስሙ ኸዓ ኖባህ ኢሉ ኣውፅአላ።
Currently Selected:
ዘሑልቍ 32: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: