YouVersion Logo
Search Icon

ዘሑልቍ 31

31
ደቂ እስራኤል ንምድያማውያን ከም ዝወግእዎም
1እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 2“በቲ ምድያማውያን ዝገበርዎ፥ ንደቂ እስራኤል ሕነ ፍደየሎም፤ ብድሕሪኡ ናብ ህዝብኻ ክትእከብ ኢኻ።”
3ሙሴ ኸዓ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “ዝዋግኡ ሰባት ኣዳልዉ፤ በቲ ምድያማውያን ንእግዚኣብሄር ዝበደልዎ ድማ ኸይዶም ይበቀልዎም። 4ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ እስራኤል ሸሽሕ ሰብ ናብ ውግእ ስደዱ።” 5ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሸሽሕ ምስ ሃበ፥ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ሰብኡት ንውግእ ተዳለዉ። 6ሙሴ ኸዓ ኻብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሸሽሕ ሰብ ወሲዱ ምስ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ናብ ውግእ ሰደዶም። ንፊንሃስ ኣቑሑ መቕደስን ምልክት ዝገብረሉ መለኸትን ኣብ ኢዱ ሃቦ።
7ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ምስ ምድያማውያን ተዋግኡ፤ ንዅሉ ተባዕታይ ድማ ቐተሉ። 8ምስኣቶም ከዓ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ምድያም፥ ንኤዊን ሬቄምን ፁርን ሑርን ሬባዕን ቀተልዎም። ንበለዓም ወዲ ቢዖርውን ብሰይፊ ቐተልዎ። 9ነንስቲ ምድያምን ንቘልዑተንን ማረኽዎም። ኵሉ እንስሳኦምን ኵሉ ጥሪቶምን ኵሉ ኣቑሑቶምን ዘመቱ። 10ንዅለን ዝነብሩለን ከተማታቶምን ኵሉ ሰፈራቶምንውን ብሓዊ ኣቃፀሉ። 11ነቲ ዅሉ ዝማረኽዎን ዝዘመትዎን ሰብ ኮነ እንስሳ ወሰዱ። 12ነቶም ዝማረኽዎምን ነቲ ዝዘመትዎን ዝሰለብዎን ናብቲ ሰፈር ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ናይ ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ፥ ናብ ሙሴን ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ህዝቢ እስራኤልን ኣምፅእዎ።
13ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኵሎም ሹመኛታት እቲ ህዝብን ድማ ክቕበልዎም ናብ ወፃኢ ሰፈር ወፁ። 14ሙሴ ኸዓ በቶም ካብ ውግእ ዝተመለሱ ኣሕሉቕ ሰራዊት፥ በቶም ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ተቘጥዐ።
15ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ንዅለን ኣንስቲ ብህይወት ሓደግኩምወን? 16#ዘሑ. 25፡1-9። እንሆ በቲ ኣብ ፌጎር ዝኾነ፥ ብምኽሪ በለዓም፥ ንደቂ እስራኤል ካብ እግዚኣብሄር ዘርሓቓኦም ንሳተን እየን፤ ስለዙይ ከዓ ኣብቲ ማሕበር እግዚኣብሄር፥ መዓት ኮነ። 17ሕዚ ድማ ተባዕታይ ዝኾነ ቕተሉ፤ ሰብኣይ ዘእተዋ ዅለን ኣንስቲ ቕተልወን። 18ሰብኣይ ዘየእተዋ ዅለን ኣጓላት ግና ንኣኻትኩም ክኾና ብህይወተን ሕደግወን።
19“ካባኻትኩም ሰብ ዝቐተለ፥ ዝተቐትለውን ዝነኽአ ኽሳዕ ሸውዓተ መዓልቲ ኻብ ሰፈር ወፂኡ ይፅናሕ። ንሳቶምን ምሩኻቶምን ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሻውዐይቲ መዓልትን ርእሶም የንፅሁ። 20ኵሉ ኽዳውንትን ኵሉ ኣቕሓ ቘርበትን ካብ ፀጕሪ ጤል ዝተሰርሐ ዅሉን፥ ኵሉ ኣቕሓ ዕንፀይትን ኣንፅህዎ።”
21ካህን ኣልኣዛር ድማ ነቶም ኣብ ውግእ ኸይዶም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ሰባት ከምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝሃቦ ትእዛዝ ሕጊ እዙይ እዩ፦ 22ወርቅን ብሩርን፥ ነሃስን፥ ሓፂንን፥ ታኒካን ዓረርን፥ 23ኵሉ ሓዊ ዝኽእል ነገር ብሓዊ ሓሊፉ ይንፃህ፤ በቲ ዘንፅህ ማይ ከዓ ይተሓፀብ። ኵሉ ሓዊ ዘይኽእል ድማ ብማይ ይተሓፀብ። 24ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽዳውንትኹም ሕፀቡ፤ ክትነፅሁ ድማ ኢኹም፤ ሽዑ ኸዓ ናብ ሰፈር ክትኣትዉ ትኽእሉ።”
ምርኮ ኸም ዝተማቐሉ
25እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 26“ንስኻን ካህን ኣልኣዛርን መራሕቲ ማይ ቤት ናይቲ ህዝብን ኴንኩም፥ ነቲ ምርኮ፥ ሰቡን ጥሪቱን ቍፀርዎ። 27ነቲ ምርኮ ኸዓ ፍርቁ ነቶም ናብ ውግእ ዝኸዱ ተዋጋእቲ፥ ፍርቁ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ማዕረ ጌርኩም ምቐልዎ። 28ካብ ብፅሒት ናይቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ፥ ከካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ምሩኻት ሰባት፥ ሓደ ንእግዚኣብሄር ግብሪ ፍለዩ፤ ከምኡውን ካብ ከፍትን ኣእዱግን ኣባጊዕን ኣጣልን ከምኡ ጌርኩም ፍለዩ። 29እዙይ ካብቲ ብፅሒቶም ንእግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ምእንቲ ክኸውን ንኻህን ኣልኣዛር ሃብዎ። 30ካብ ብፅሒት እቲ ህዝቢ ድማ ኸካብ ሓምሳ ምሩኻት ሰባት፥ ሓደ ንእግዚኣብሄር ግብሪ ውሰዱ፤ ከምኡውን ካብ ከፍትን ኣእዱግን ኣባጊዕን ኣጣልን ከምኡ ጌርኩም ውሰዱ። ነቶም ድንኳን እግዚኣብሄር ዝሕልዉ ሌዋውያን ድማ ሃብዎም።” 31ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።
32እቲ፥ እቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ ዝዘመትዎ፥ ብዘይ እቲ ንርእሶም ዘትረፍዎ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ ኣባጊዕ፥ 33ሰብዓን ክልተን ሽሕ ኣላሕም፥ 34ስሳን ሓደን ሽሕ ኣእዱግ፥ 35ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰብኣይ ዘየእተዋ ኣጓላት ኮነ።
36ፍርቂ ናይቲ ዝተዘምተ፥ ብፅሒት ናይቶም ኣብ ውግእ ኸይዶም ዝነበሩ፥ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኣባጊዕ ኾነ።
37ካብኣተን ሽዱሽተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ኣባጊዕ ንእግዚኣብሄር ግብሪ ኾና። 38ከፍቲ ድማ ሰላሳን ሽዱሽተን ሽሕ፥ ካብኣተን ሰብዓን ክልተን ንእግዚኣብሄር ግብሪ ኾና። 39ኣእዱግ ከዓ ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፥ ካብኣተን ስሳን ሓደን ንእግዚኣብሄር ግብሪ ኾና። 40ሰብኣይ ዘየእተዋ ኣጓላት ድማ ዓሰርተ ሽዱሽተ ሽሕ፥ ካብኣተን ሰላሳን ክልተን ንእግዚኣብሄር ግብሪ ኾና።
41ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝወሃብ ግብሪ ንኻህን ኣልኣዛር ሃቦ። 42ፍርቂ ናይቲ ዝተዘምተ፥ ብፅሒት ናይቶም ዝተረፉ ደቂ እስራኤል፥ ሙሴ ኻብቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ ዝመቐሎም፥ 43ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኣባጊዕ፥ 44ሰላሳን ሽዱሽተን ሽሕ ከፍቲ፥ 45ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኣእዱግ፥ 46ዓሰርተ ሽዱሽተ ሽሕ ድማ ኣጓላት ኮና። 47ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ ሙሴ ኻብዙይ ናይ ደቂ እስራኤል ብፅሒት ካብ ሰብን ካብ እንስሳን፥ ከካብ ሓምሳ፥ ሓደ ወሲዱ፥ ነቶም ድንኳን እግዚኣብሄር ዝሕልዉ ዝነበሩ ሌዋውያን ሃቦም።
48እቶም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዝተሸሙ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ድማ ናብ ሙሴ ቐረቡ። 49ንሙሴ ኸዓ “ጐይታይ! ነቶም ኣብ ትሕቴና ዘለዉ ወታደራት ቈፂርናዮምስ፥ ሓደ ሰብ እኳ ኣይጐደለናን። 50ነፍሲ ወከፍና ድማ ኻብቲ ዝረኸብናዮ ኣቕሓ ወርቂ፥ ኣልቦ፥ ኣምባር፥ ቀለበት፥ ኵትሻ፥ ድሪ፥ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽንረክብ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረብና” በልዎ።
51ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከዓ ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ በብዓይነቱ ኣቑሑ ተቐበልዎም። 52እቲ ኻብ ኣሕሉቕ ሽሕን ካብ ኣሕሉቕ ሚእትን ንእግዚኣብሄር ዝቐረበ ወርቂ ኽልተ ሚእቲ ኺሎ ግራም ኮነ። 53እቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ ወታደራት ነፍሲ ወከፎም ነንርእሶም ዝኸውን ማሪኾም ነበሩ። 54ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ነቲ ወርቂ ኻብ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ወሲዶም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ክኸውን፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣእተውዎ።

Currently Selected:

ዘሑልቍ 31: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in