ዘሑልቍ 29
29
በዓል መለኸት
(ዘሌ. 23፡23-25)
1በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ። ንሳ መለኸት እትነፍሑላ መዓልቲ ትኹነልኩም። 2ሽዑ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ጌርኩም፥ ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ኣቕርቡ። 3መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ፥ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ናይ ዓስራይ ኣፍ፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ናይ ዓስራይ ኣፍ፥ 4ነቶም ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ነንሓደ ጡበት በጊዕ ሓደ ናይ ዓስራይ ኣፍ ኣቕርቡ። 5ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽሕደገልኩም ድማ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ሓደ ጤል ሰውኡ። 6እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ እዩ። እዝ መስዋእቲ እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብለኒ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ መዓልቲ
(ዘሌ. 23፡26-32)
7ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይዛ ሻውዐይቲ ወርሒ እዚኣ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ነፍስኹም ኣዋርዱ፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ። 8ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ክኸውን ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ ኣቕርቡ፤ ኵሎም ከዓ ጐደሎ ዘይብሎም ይኹኑልኩም። 9ምስኡ ዝውፈ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ኣቕርቡ፤ ምስቲ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ኺሎ ግራም፥ 10መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ከዓ ሓደ ኺሎ ግራም ሰውኡ። 11ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዝ መስዋእቲ እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርየት ሓጢኣት ዝውፈ መስዋእትን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ዝቐርብ እዩ። #ዘሌ. 16፡29-34።
በዓል ዳስ
(ዘሌ. 23፡33-44)
12ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ፤ ሸውዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር በዓል ኣብዕሉ። 13ዓሰርተ ሰለስተ ዝራብዕ፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ። 14ምስኡ ዝውፈ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ኣቕርቡ፤ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፥ መምስ ሓደ ማጕላ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ፥ 15መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ዓስራይ ኣፍ ኣቕርቡ። 16ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
17ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ። 18ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ፥ ከምቲ ስሩዕ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ። 19ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
20በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ሓደ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ። 21ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ፥ ከከምቲ ስሩዕ ቍፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ። 22ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
23ኣብታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ። 24ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ ኸምቲ ስሩዕ ቍፅሪ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ። 25ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
26ኣብታ ሓምሸይቲ መዓልቲ ድማ ትሽዓተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ። 27ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡበታትን ዝውፈ ኸከምቲ ስሩዕ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ። 28ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
29ኣብታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ድማ ሸሞንተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ። 30ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ ኸከምቲ ስሩዕ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ። 31ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
32ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ሸውዓተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ። 33ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡበታትን ዝውፈ፥ ከከምቲ ስሩዕ ቍፅሮም፥ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ። 34ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ዲበላ ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
35ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ድማ ኣይትስርሑ። 36ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ኣቕርቡ። 37ምስቲ ዝራብዕን ማጓሉን፥ ከምኡውን ምስቶም ጡበታት ኣባጊዕ፥ ከከምቲ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ። 38ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ዲበላ ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። #ዘሌ. 23፡34፥ ዘዳ. 16፡13-15።
39ኣብ ልዕሊ እቲ ብመብፅዓ ወይ ብድልየትኩም እተቕርብዎ መስዋእትኹም፥ በቲ ምዱብ በዓላትኩም፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን መስዋእቲ ምስጋናን ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ።
40ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ንደቂ እስራኤል ነገሮም።
Currently Selected:
ዘሑልቍ 29: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in