YouVersion Logo
Search Icon

ዘሑልቍ 30

30
ብዛዕባ መብፅዓ
1ሙሴ ንመራሕቲ ነገድ ደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ እዙይ እዩ፦ 2ሰብ ንእግዚኣብሄር ሓደ ነገር ክህቦ እንተ ተመባፅዐ፥ ወይ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ኢሉ ብምምሓል እንተ ተመባፅዐ፥ ከምቲ ዝበሎ ደኣ ይፈፅም እምበር፥ ቃሉ ኣይዕፀፍ። #ዘዳ. 23፡21-23፥ ማቴ. 5፡33።
3“ሰበይቲ ድማ ብጊዜ ንእስነታ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኣ እንተላ፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾነ ነገር ክትህቦ እንተ ተመባፅዐት፥ ወይ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ብምባልውን እንተ ተመባፅዐት፥ 4ኣቦኣ ድማ ነቲ ዝኣተወቶ መብፅዓታት ምስ ሰምዐ ስቕ እንተበለ፥ ኵሉ እቲ ዝኣተወቶ መብፅዓታት ይፅናዕ። 5ኣቦኣ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ መብፅዓኣ ኸይትፍፅም እንተ ኸልከላ ግና፥ እቲ ዝኣተወቶ ዅሉ መብፅዓታት ይፍረስ። ዝኸልከላ ኣቦኣ ስለ ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ይቕረ ኽብለላ እዩ።
6“ተመባፂዓ እንተላ፥ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ቓል እንተ መለቛ እሞ፥ ብመብፅዓ ተኣሲራ እንተላ እንተ ተመርዐወት፥ 7ሰብኣያ ኸዓ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ ስቕ እንተበለ፥ እቲ ዝኣተወቶ መብፅዓታት ትፈፅም። 8ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ እንተ ኸልከላ ግና፥ ነቲ መብፅዓኣን ነቲ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ዝመለቘ ቓል መብፅዓን የትርፎ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሓድገላ እዩ።
9“መበለት ወይ ፍትሕቲ ሰበይቲ መብፅዓ እንተ ኣተወት ግና፥ ኵሉ መብፅዓኣ ትፈፅም።
10“ሰበይቲ ምስ ሰብኣያ እንተላ፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾነ ኽትህብ እንተ ተመባፅዐት፥ ወይ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ኢላ ብምምሓል እንተ ተመባፅዐት፥ 11ሰብኣያ ኸዓ ሰሚዑ ስቕ እንተበለ እሞ፥ እንተ ዘይከልኣ፥ ኵሉ እቲ ዝኣተወቶ መብፅዐታት ትፈፅም። 12ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ ንመብፅዓኣ እንተ ኣፍረሶ ግና፥ እቲ ዝኣተወቶ ዅሉ መብፅዓታት ይተርፍ። ዝኸልከላ ሰብኣያ ስለ ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ይቕረ ኽብለላ እዩ። 13ነቲ ‘ንእግዚኣብሄር ክህቦ እየ’ ኢላ ዝተመባፅዐቶ፥ ወይ ነቲ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ኢላ ዝሓደገቶ፥ ሰብኣያ ኸፅንዖ ወይ ከትርፎ ይኽእል እዩ። 14ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ ስቕ እንተበለ ግና፥ ዝኣተወቶ ዅሉ መብፅዓታት ንፅባሒቱ ይፀንዕ። 15ሰሚዑ እንተሎ መዓልቲ ኣሕሊፉ እንተ ኣፍረሶ ግና፥ እቲ ናይታ ሰበይቲ በደል ናቱ ይኸውን።”
16ብጊዜ ንእስነታ ኣብ እንዳ ኣቦኣ እንተላ፥ ኣብ መንጎ ኣቦን ጓልን፥ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን፥ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ስርዓት እዙይ እዩ።

Currently Selected:

ዘሑልቍ 30: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ዘሑልቍ 30