YouVersion Logo
Search Icon

ነህምያ 8

8
እዝራ ነቶም ህዝቢ ሕጊ ከም ዘንበበሎም
1እቶም ህዝቢ ዅላቶም ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣፍ ደገ ማይ ዝበሃል ገፊሕ ቦታ ተኣከቡ። ንእዝራ እቲ ፀሓፊ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝኣዘዞ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ ኸምፅአሎም ጠየቕዎ።
2በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ እዝራ እቲ ኻህን ናብ ቅድሚ እታ ማሕበር ሰብኡትን ኣንስትን ከስተውዕሉ ዝኽእሉ ቘልዑ ዅላቶምን፥ ነቲ ሕጊ ኣምፅኦ። 3ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ኸዓ ኽሳዕ ፍርቂ መዓልቲ፥ ኣብታ መረኣእይቲ ኣፍ ደገ ማይ ዘላ ገፋሕ ቦታ ኾይኑ፥ ኣብ ቅድሚ ሰብኡትን ኣንስትን፥ ኣብ ቅድሚ ኸስተውዕሉ ዝኽእሉ ዅላቶምን ኮይኑ ኣንበቦ። እዝኒ እቲ ህዝቢ ድማ ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ኽሰምዕ ፅን ይብል ነበረ።
4እዝራ እቲ ፀሓፊ ድማ ኣብቲ ብዕንፀይቲ ዝተሰርሐ መድረኽ ደው ኢሉ ነበረ። ኣብ ጥቓኡ፥ ብየማኑ ድማ መቲትያን ሽማዕን ዓናያን ኦርዮን ኬልቂያስን መዕሰያን ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ነበሩ። ብፀጋሙ ኸዓ ፈዳያን ሚሳኤልን መልክያን ሓሱምን ሓሽበዳናን ዘካርያስን ሜሱላምን ደው ኢሎም ነበሩ።
5እዝራ ድማ ኣብቲ መድረኽ ደው ኢሉ ነበረ። ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን ይሪእዎ ነበሩ። ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ከዓ ነቲ መፅሓፍ ቀልዖ። ምስ ቀልዖ ድማ ዅሎም እቶም ህዝቢ ደው በሉ። 6እዝራ ኸዓ ንእግዚኣብሄር፥ ነቲ ዓብዪ ኣምላኽ ኣመስገነ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ኣእዳዎም ዘርጊሖም “ኣሜን፥ ኣሜን” በሉ፤ ድንን ኢሎም ብገፆም ኣብ ምድሪ ተደፊኦምውን ንእግዚኣብሄር ሰገዱ።
7እቶም ህዝቢ ኣብ ቦታኦም ደው ምስ በሉ ድማ፥ ኢያሱ፥ ባኒ፥ ሰራብያ፥ ያሜን፥ ዓቁብ፥ ሳባታይ፥ ሆዲያ፥ መዕሴያ፥ ቆሊጣስ፥ ኣዛርያስ፥ ዮዛባት፥ ሓናን፥ ፌልያ ዝበሃሉ ሌዋውያን ነቲ ህዝቢ፥ ሕጊ ኸስተውዕል ይምህርዎ ነበሩ። 8ነቲ መፅሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ብግልፂ ኣንበቡሎም፤ እቶም ህዝቢ ነቲ ዝተነበበ ምእንቲ ኸስተውዕልዎ ይገልፁሎም ነበሩ።
9ኵሎም እቶም ህዝቢ ነቲ ቓል ሕጊ ምስ ሰምዑ በኸዩ። ነህምያ እቲ ገዛኢ ሃገርን፥ እዝራ እቲ ኻህንን ፀሓፍን፥ እቶም ንህዝቢ ዝምህሩ ዝነበሩ ሌዋውያንን ንዅሉ እቲ ህዝቢ “እዛ መዓልቲ እዚኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተቐዲሳ እያ እሞ፥ ኣይትሕዘኑን ኣይትብከዩን” በልዎም።
10ነህምያ ኸዓ “ኪዱሞ ዝሰብሐ ብልዑ፤ ጥዑምውን ስተዩ፤ ነቶም ዝተዳለወ ዘይብሎም ድማ ኻብ ዘለኩም ከፊልኩም ስደዱሎም። እዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና ዝተቐደሰት እያ። ናይ እግዚኣብሄር ሓጐስ ሓይልኹም እዩ እሞ፥ ኣይትሕዘኑ” በሎም።
11እቶም ሌዋውያን ከዓ ንዅሎም እቶም ህዝቢ “እዛ መዓልቲ እዚኣ ቕድስቲ እያ እሞ፥ ስቕ በሉ፤ ኣይትሕዘኑ” እናበሉውን ኣህድእዎም።
12ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ዝነገርዎም ቃል ስለ ዘስተውዓልዎ ኽበልዑን ክሰትዩን ነቶም ዘይብሎምውን ከፊሎም ክሰዱሎምን፥ ዓብዪ ሓጐስ ክሕጐሱ ነናብ ገዝኦም ከዱ።
በዓል ዳስ
13በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ናይታ ወርሒ እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ናይቲ ዅሉ ህዝቢ፥ ምስቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኮይኖም፥ ቃል እቲ ሕጊ ኽገልፀሎም፥ ናብ እቲ ፀሓፊ እዝራ ተኣከቡ። 14በታ ሻውዐይቲ ወርሒ እትብዓል በዓል ዳስ ደቂ እስራኤል ኣብ ዳስ ክቕመጡ ኸም ዘለዎም ኣብቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞም ሕጊ ተፅሒፉ ረኸቡ። 15#ዘሌ. 23፡33-36፥39-43፥ ዘዳ. 16፡13-15። ስለዙይ ናብ ኵለን ከተማታቶምን ናብ ኢየሩሳሌምን “ናብ እምባ ደይቡ፤ ከምቲ ፅሑፍ ዝበሎ ዳስ ንምስራሕ፥ ጨናፍር ኦም ኣውሊዕ ዘይትን ጨናፍር ኦም ኣውሊዕ በረኻን ጨናፍር ክሊዐውን ጨናፍር ስየን ጨናፍር ቈፃል ኣእዋምን ኣምፅኡ” ኢሎም ኣስምዑን ኣወጁን።
16ሽዑ እቶም ህዝቢ ወፂኦም ጨናፍር ኣምፅኡ፤ ኣብ ልዕሊ ናሕሶምን ኣብ ቕፅሮምን ኣብ ኣፀዳት ቤት እግዚኣብሄርን ኣብታ ገፋሕ ቦታ ኣፍ ደገ ማይን ኣብታ ገፋሕ ቦታ ኣፍ ደገ ኤፍሬምን ዳሳት ሰርሑ። 17ኵሎም እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ህዝቢ ኸዓ ዳሳት ሰሪሖም፥ ኣብ ዳስ ተቐመጡ። ካብ ዘመን ኢያሱ ወዲ ነዌ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደቂ እስራኤል ከምዙይ ገይሮም ኣብዒሎም ኣይፈልጡን ነበሩ እሞ ዓብዪ ሓጐስ ኮነ።
18እዝራ ኻብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ መወዳእታ መዓልቲ፥ በብመዓልቱ ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ኣምላኽ የንብብ ነበረ። ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዓሉ፤ በታ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ኸምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ዝተቐደሰ ጉባኤ ገበሩ።

Currently Selected:

ነህምያ 8: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in