YouVersion Logo
Search Icon

ነህምያ 13

13
ነህምያ ዝገበሮ ኻልኣይ ምምሕያሽ
1በታ መዓልቲ እቲኣ ንመፅሓፍ ሙሴ፥ ኣብ እዝኒ እቲ ህዝቢ ኣንበቡ። ኣብኡ ኸዓ ኣሞናውያንን፥ ሞኣባውያንን፥ ንዘለኣለም ናብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣይእተዉ ዝብል ተፅሒፉ ነበረ። 2#ዘዳ. 23፡3-5። ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ እንጀራን ማይን ሒዞም ኣይተቐበልዎምን፤ እኳ ደኣ ንእስራኤል ክረግመሎም ንበለዓም ዓደግዎ። ኣምላኽና ግና ነቲ መርገም ናብ በረኸት ለወጦ። #ዘሑ. 22፡1-6። 3ደቂ እስራኤል ድማ ነቲ ሕጊ ዝብሎ ምስ ሰምዑ፥ ነቶም ባዕዳን ዝኾኑ ፈለይዎም።
4ቅድሚ እዙይ፥ ኤልያሴብ እቲ ኻህን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር ተሸይሙ ዝነበረ፥ ምስ ጦብያ ፅቡቕ ርክብ ነበሮ። 5መስዋእቲ እኽልን ዕጣንን ኣቑሑን ናይ እኽልን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ዓስራት፥ እቲ ንሌዋውያንን ንዘመርትን ንሓለውቲ ደገታት ዝተኣዘዘሎምን፥ እቲ ንኻህናት ዝውፈ መስዋእትታትን፥ ዘንብሩሉ ዝነበሩ ዓብዪ ኽፍሊ ኤልያሴብ ንጦብያ ሂብዎ ነበረ።
6ኣነ ግና እዝ ዅሉ ክኸውን እንተሎ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣይነበርኩን። ኣርጤክስስ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ ናብ ባቢሎን ተመሊሰ ነበርኩ። ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ድማ ኻብ ንጉስ ፍቓድ ለሚነ፥ 7ናብ ኢየሩሳሌም መፃእኹ እሞ ኤልያሽብ ኣብ ውሽጢ መካበቢያ ቤት እግዚኣብሄር፥ ንጦብያ ኽፍሊ ቤት ብምሃብ ዝገበሮ ኽፉእ ኣስተውዓልኩ። 8እዙይ ከዓ የመና ኣጕሃየኒ። ንዅሉ ኣቑሑ ጦብያ ድማ ኻብቲ ኽፍሊ ቤት ንደገ ደርበኽዎ። 9ነቲ ኽፍልታት ድማ ኸንፅህዎ ኣዘዝኩ፤ ነቲ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ነቲ መስዋእቲ እኽልን ዕጣንን ድማ መሊሰ ናብኡ ኣእተኽዎ።
10 # ዘዳ. 12፡19። ንሌዋውያን ግደኦም ከም ዘይተውሃበ፥ ብእኡ ምኽንያት ድማ እቶም ዘገልግሉ ሌዋውያንን ዘመርትን ነፍሲ ወከፍ ነናብ ማሕረሱ ኸም ዝተመለሰ ፈለጥኩ። 11ኣነውን ስለ ምንታይ እዩ ቤት እግዚኣብሄር ዝተሓደገ ኢለ፥ ምስቶም ኣሕሉቕ ተኸራኸርኩ። ኣከብኩዎምውን፤ በብመደብ ስራሖም ድማ ኣቖምኩዎም።
12 # ሚል. 3፡10። ሽዑ ድማ ዅሎም ህዝቢ ይሁዳ ኻብ እኽልን ወይንን ዘይትን ዓስራት ናብቲ መዝገብ ኣምፅኡ። 13ብዛዕባኡ ንሰለምያን ንሳዶቅ ፀሓፍን፥ ካብ ሌዋውያን ድማ ንፈዳያ ተሓዝቲ መዝገብ ገይረ ሾምኩ። ንሓናን ወዲ ዘኩር ወዲ መታንያ ድማ ኽሕግዞም ሃብክዎም። እሙናት ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ ድማ፥ ነሕዋቶም ገግደኦም ከካፍልዎም ተመረፁ።
14ስለዙይ ኦ ኣምላኸይ! ዘክረኒ፤ ነቲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ እሙን ኮይነ ዝገበርክዎ ኣገልግሎት ከዓ ኸንቱ ኣይኹን።
15 # ዘፀ. 20፡8-10፥ ዘዳ. 5፡12-14፥ ኤር. 17፡21-22። በተን መዓልቲታት እቲኣተን ኣብ ይሁዳ ብመዓልቲ ሰንበት፥ ኣብ መፅመቝ ወይኒ ኽረግፁን፥ ኣእዱግ ፅዒኖም እንዳእቲ ኸእትዉን፥ ወይንን ዘለላ ወይንን በለስን በብዓይነቱ ፅዕነትን፥ ብመዓልቲ ሰንበት ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅኡ ረአኹ። ኣነ ኸዓ በታ እቶቶም ዝሸጡላ ኣንፃሮም መስከርኩ። 16ኣብኣ ድማ ሰብ ጢሮስ ይነብሩ ነበሩ፤ ንሳቶም ዓሳን ኵሉ ዝሽየጥ ነገርን ኣምፂኦም፥ ንደቂ ይሁዳ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ኢየሩሳሌም ይሸጡሎም ነበሩ። 17ሽዑ ምስ ዓበይቲ ይሁዳ ተኸራኸርኩሞ፦ “እዝ እትገብርዎ ዘለኹም ክፉእ ነገር እንታይ እዩ? መዓልቲ ሰንበት ንምንታይ ተርክሱ ኣለኹም? 18ኣቦታትኩም እውን ከምኡ ስለ ዝገበሩ እዩ፥ ኣምላኽና እዝ ዅሉ ኽፉእ እዙይ ናብ ልዕሌናን፥ ናብ ልዕሊ እዛ ኸተማ እዚኣን ዘምፅአልና። ንስኻትኩም ድማ ሰንበት ብምርካስኩም፥ ቍጥዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተምፅኡ ኣለኹም” በልኩዎም።
19ስለዙይ ድሮ ሰንበት ነተን ደገታት ኢየሩሳሌም ዋግዋጎ ምስ ኮነ፥ ክዓፅዉወን ኣዘዝኩ፤ ሰንበት ክሳዕ እትሓልፍ ከዓ ኸይኸፍትወን ኣዘዝኩ፤ ብመዓልቲ ሰንበት ዝኾነ ሸኽሚ ኸይኣቱ፥ ካብ ሓሻኽረይ ኣብ ብዙሕ በርታት ኣቖምኩ። 20ሽዑ እቶም ነጋዶን ኵሉ ዓይነት ዝሸጡ ሰባትን ኣብ ወፃኢ ኢየሩሳሌም ሓደ ለይቲ ወይ ክልተ ለይቲ ሓደሩ። 21ኣነ ድማ ኣመስከርኩሎም እሞ፦ “ኣብ ወፃኢ ቕፅሪ እትሓድሩስ ስለ ምንታይ ኢኹም? ከምዙይ እንተ ደጊምኩም ኣብ ልዕሌኹም ኢደይ ከልዕል እየ በልኩዎም። ካብታ ጊዜ እቲኣ ጀሚሮም ብሰንበት ምምፃእ ሓደጉዎ። 22ንሌዋውያን ከዓ ንመዓልቲ ሰንበት ምእንቲ ኽቕድስዋ፥ ክነፅሁን ነተን በርታት ኢየሩሳሌም ድማ ኽሕልዉወንን ኣዘዝክዎም።”
ኦ ኣምላኸይ፥ በዝ ዝገበርክዎ ዘክረኒ፤ ከም ብዝሒ ምሕረትካውን ራህርሀለይ።
23በተን መዓልቲታት እቲኣተን ድማ ኻብ ኣዛጦንን፥ ካብ ኣሞንን፥ ካብ ሞኣብን ኣንስቲ ዘእተዉ ኣይሁድ ረአኹ። 24እቶም ደቆም ከዓ ፍርቆም ብቛንቋ ኣዛጦንን፥ ብናይ ካልእ ህዝቢ ቛንቋን ይዛረቡ ነበሩ እምበር፥ ብቛንቋ ኣይሁድ ምዝራብ ኣይኽእሉን ነበሩ። 25#ዘፀ. 34፡11-16፥ ዘዳ. 7፡1-5። ተቘጢዐ ድማ ረገምክዎም፤ ካብኣቶም ድማ ንብዙሓት ሰባት ወቓዕኹ፤ ፀጕሮምውን ነፀኹ፤ “ኣጓላትኩም ነወዳቶም ኣይትሃቡ፤ ካብ ኣጓላቶም ከዓ ነወዳትኩምን ንርእስኹምን ኣይትውሰዱ” ኢለ ድማ ብእግዚኣብሄር ኣምሓልክዎም። 26#2 ሳሙ. 12፡24-25፥ 1 ነገ. 11፡1-8። ከምዙይ ድማ በልክዎም፦ “ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል በዝ ነገር እዙይዶ ኣይኮነን ዝበደለ? ብሓቂ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣህዛብ ከምኡ ዝበለ ንጉስ ኣይነበረን። ኣብ ኣምላኹ ኸዓ ፍትዊ ነበረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሎም እስራኤል ኣንገሶ። ግና ንእኡውን ባዕዳን ኣንስቲ ኣስሓታኦ። 27ሕዚ ኸዓ እዝ ዅሉ ዓብዪ ኽፍኣት ክንገብር፥ ጓኖት ኣንስቲ ብምእታው ንኣምላኽና ኽንብድል፥ ንኣኻትኩምዶ ኽንሰምዕ ኢና?”
28 # ዘፀ. 34፡11-16፥ ዘዳ. 7፡1-5። ሓደ ኻብ ደቂ ዮኣዳ፥ ወዲ ኤልያሴብ ሊቀ ካህናት፥ ምስ ሰንባላጥ ሖሮናዊ ሕምነት ገይሩ ነበረ እሞ ንዮያዳዕ ካባይ ሰጐጕክዎ።
29ኦ ኣምላኸይ፥ ንኽህነትን ነቲ ምስ ካህናትን ሌዋውያንን ዝኣተኻዮ ኺዳንን ስለ ዘርከሱ ዘክሮም።
30በዝ ኸምዙይ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ጋሻ ካብ ዝኾነ ነገር ኵሉ ኣፅረኽዎም። ንነፍሲ ወከፎም ከዓ ኣብ ሰስራሖም መደብክዎም። 31ብዛዕባ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን ዕንፀይትን ብዛዕባ በዅራትን በቲ ዝተመደበ ጊዜ ኽቐርብ ኣዘዝኩ።
ኦ ኣምላኸይ፥ ብፅቡቕ ዘክረኒ!

Currently Selected:

ነህምያ 13: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in