ናሆም 2
2
ምውዳቕ ነነዌ
1እቲ ዘድቅቕ ናባኻ መፂኡካ ኣሎ፤
ነቲ ዕርድኻ ኣፅንዓዮ፤
ነቲ መንገዲ ሰልሎ፤
ሕቘኻ ኣፅንዕ፤ ንሓይልኻውን የመና ኣበርትዓዮ።
2ከተርቲ ኸቲሮምዎም እዮምሞ፥
ሃረግ ወይኖምውን ኣጥፊኦም እዮምሞ፥
ከምቲ ኽብሪ እስራኤል፥
ንኽብሪ ያእቆብውን እግዚኣብሄር ክምልሶ እዩ።
3ዋልታ እቶም ጀጋኑ ቀዪሑ እዩ፤
እቶም ተዋጋእቲውን፥
ቀይሕ ክዳን ተኸዲኖም እዮም፤
ንሱ ንውግእ ድልዊ ብዝኾነሉ መዓልቲ፥
ሰረገላታቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፤
እቲ ዛብያታትውን የምበጥብጥ።
4እተን ሰረገላታት ኣብ መንገዲ ብናህሪ ይኸዳ፤
ኣብ ኣደባባያት ድማ ይጋጨዋ፤
ትርኢተን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እዩ፤
ከም መባርቕቲ ድማ ይበርራ።
5ነቶም መሳፍንቱ ይዝክር፤
ግና ብኣካይዳኦም ይዕንቀፉ፤
ቀልጢፎም ናብ ቅፅራ ይድይቡ፤
መዕቈቢውን ተዳለወ።
6ማዕፆ እቲ ሩባ ተኸፈተ፤
ቤተ መንግስቲ እቲ ንጉስ ድማ መኸኸ።
7እታ ንግስቲ ተገለፀት ተማረኸትውን፤
እተን ኣግራዳ ድማ ብሓዘን ኣፍ ልበን እናወቕዓ፥
ከም ድምፂ ርግቢ ዋይ ዋይ ይብላ ኣለዋ።
8ነነዌ ካብ ጥንቲ ጀሚራ፥
ከም ማይ ዝመልአ ሓፅቢ ነበረት፤
ሕዚ ግና ሃደሙ፤
ንሳቶምውን ደው በሉ! ደው በሉ! በልዎም፤
ዝተመለሰ ግና የለን።
9መዛግብታ መወዳእታ የብሉን፤
ብዝሒ ዝኸበረ ኣቑሑታውን ኣይቝፀሩንሞ፥
ብሩር ዝመቱ፤ ወርቅውን ውረሩ።
10ጥራሓ ኾይና እያ፤ ባዲማውን እያ፤
ልቢ መኸኸ፤ ኣብራኽ ራዕራዕ በለ፤
ሕቘ ሓመመ፤ ገፅ ኵሎምውን ፀለመ።
11እታ ሽደናት ዝበልዑላ፥
ኣንበሳን ዋዕሮን ኰራዅር ኣንበሳን ድማ፥
መፍርሒ ዘይብሎም ዝዛውኑላ ዝነበረት፥
ቦታ ኣናብስ ኣበይ ኣላ?
12ኣንበሳ ንዀራዅሩ ዝኣኽሎም መንዝዐ፤
ንዋዕሮታቱውን ሰባበረለን፤
በዓትታቱ ብግዳዩ፥
ንጕድጓዱ ኸዓ ብዝዘረፎ መልአ።
13“እንሆ ኣብ ልዕሌኺ እየ፤
ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤
ንሰረገላታት ኣንዲደ ኸትክኾ እየ፤
ንዀራዅር ኣናብስክውን ሰይፊ ኽበልዖም እዩ፤
ንዝዘመትክዮ ኻብ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፤
ድምፂ ልኡኻትክውን ካብ ደጊም ኣይስማዕን።”
Currently Selected:
ናሆም 2: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ናሆም 2
2
ምውዳቕ ነነዌ
1እቲ ዘድቅቕ ናባኻ መፂኡካ ኣሎ፤
ነቲ ዕርድኻ ኣፅንዓዮ፤
ነቲ መንገዲ ሰልሎ፤
ሕቘኻ ኣፅንዕ፤ ንሓይልኻውን የመና ኣበርትዓዮ።
2ከተርቲ ኸቲሮምዎም እዮምሞ፥
ሃረግ ወይኖምውን ኣጥፊኦም እዮምሞ፥
ከምቲ ኽብሪ እስራኤል፥
ንኽብሪ ያእቆብውን እግዚኣብሄር ክምልሶ እዩ።
3ዋልታ እቶም ጀጋኑ ቀዪሑ እዩ፤
እቶም ተዋጋእቲውን፥
ቀይሕ ክዳን ተኸዲኖም እዮም፤
ንሱ ንውግእ ድልዊ ብዝኾነሉ መዓልቲ፥
ሰረገላታቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፤
እቲ ዛብያታትውን የምበጥብጥ።
4እተን ሰረገላታት ኣብ መንገዲ ብናህሪ ይኸዳ፤
ኣብ ኣደባባያት ድማ ይጋጨዋ፤
ትርኢተን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እዩ፤
ከም መባርቕቲ ድማ ይበርራ።
5ነቶም መሳፍንቱ ይዝክር፤
ግና ብኣካይዳኦም ይዕንቀፉ፤
ቀልጢፎም ናብ ቅፅራ ይድይቡ፤
መዕቈቢውን ተዳለወ።
6ማዕፆ እቲ ሩባ ተኸፈተ፤
ቤተ መንግስቲ እቲ ንጉስ ድማ መኸኸ።
7እታ ንግስቲ ተገለፀት ተማረኸትውን፤
እተን ኣግራዳ ድማ ብሓዘን ኣፍ ልበን እናወቕዓ፥
ከም ድምፂ ርግቢ ዋይ ዋይ ይብላ ኣለዋ።
8ነነዌ ካብ ጥንቲ ጀሚራ፥
ከም ማይ ዝመልአ ሓፅቢ ነበረት፤
ሕዚ ግና ሃደሙ፤
ንሳቶምውን ደው በሉ! ደው በሉ! በልዎም፤
ዝተመለሰ ግና የለን።
9መዛግብታ መወዳእታ የብሉን፤
ብዝሒ ዝኸበረ ኣቑሑታውን ኣይቝፀሩንሞ፥
ብሩር ዝመቱ፤ ወርቅውን ውረሩ።
10ጥራሓ ኾይና እያ፤ ባዲማውን እያ፤
ልቢ መኸኸ፤ ኣብራኽ ራዕራዕ በለ፤
ሕቘ ሓመመ፤ ገፅ ኵሎምውን ፀለመ።
11እታ ሽደናት ዝበልዑላ፥
ኣንበሳን ዋዕሮን ኰራዅር ኣንበሳን ድማ፥
መፍርሒ ዘይብሎም ዝዛውኑላ ዝነበረት፥
ቦታ ኣናብስ ኣበይ ኣላ?
12ኣንበሳ ንዀራዅሩ ዝኣኽሎም መንዝዐ፤
ንዋዕሮታቱውን ሰባበረለን፤
በዓትታቱ ብግዳዩ፥
ንጕድጓዱ ኸዓ ብዝዘረፎ መልአ።
13“እንሆ ኣብ ልዕሌኺ እየ፤
ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤
ንሰረገላታት ኣንዲደ ኸትክኾ እየ፤
ንዀራዅር ኣናብስክውን ሰይፊ ኽበልዖም እዩ፤
ንዝዘመትክዮ ኻብ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፤
ድምፂ ልኡኻትክውን ካብ ደጊም ኣይስማዕን።”
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in