ናሆም 1
1
1እዝ መፅሓፍ እዙይ እቲ ኣልቆሻዊ ናሆም ስለ ነነዌ ዝረኣዮ ራእይ ዝገልፅ እዩ።
ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ነነዌ
2እግዚኣብሄር ቀናእን ተበቃልን ኣምላኽ እዩ፤
እግዚኣብሄር ተበቃልን፥
ቍጥዓ ዝመልአን ኣምላኽ እዩ።
እግዚኣብሄር ንተፃረርቱ ይብቀል፤
ኣብ ልዕሊ ፀላእቱውን ቍጥዓ የምፅእ።
3እግዚኣብሄር፥ ንቝጥዓ ዝደንጐየ፥
ሓይሉ ድማ ዓብዪ እዩ፤
ነቲ በዳሊ ንፁህ ኢኻ ኣይብልን፤
እግዚኣብሄር ብንፋስ ኣውሎን ብመሸምቦባን መንገዲ ኣለዎ፤
ደመናውን በነንታ እግሩ እዩ።
4ንባሕሪ ይግስፃን የንቅፃን፤
ንዅሎም ሩባታት የንፅፎም፤
ባሳንን ቀርሜሎስን ፀምለዉ፤
ዕምበባ ሊባኖስውን ረገፈ።
5እምባታት ኣብ ቅድሚኡ ተናወፁ፤
ኰረብታታት ከዓ መኸኹ፤
ምድርን ዓለምን ኵሎም ኣብኣ ዝነብሩን፥
ኣብ ቅድሚኡ ተናወፁ።
6ኣብ ቅድሚ ቝጥዓኡ ዝቐውም መን እዩ?
ንረስኒ ቝጥዓኡ መን ይዕገስ?
መዓቱ ኸም ሓዊ ይፈስስ፤
ካብኡ ዝተልዓለ ኣኻውሕ ይጭደዱ።
7እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤
ብመዓልቲ መከራውን ዕርዲ እዩ፤
ነቶም ብእኡ ዝእመኑውን ይፈልጦም እዩ።
8ነታ ቦታ ግና፥ ዓብለቕለቕ ብዝብል ውሕጅ፥
ፈፂሙ ኸጥፍኣ እዩ።
ንፀላእቱውን ናብ ፀልማት ከሳጕጎም እዩ።
9ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር እትሓስብዎ እንታይ እዩ?
ንሱ ፈፂሙ ኸጥፍእ እዩ፤
መከራውን መሊሱ ኣይለዓልን።
10ምንም እኳ ንስንሳቶም ከም ዝተመሰቓቐለ እሾዅ እንተ ኾኑ፥
ብመስተኦምውን እንተ ሰኸሩ፥
ከም ንቑፅ ሓሰር፥ ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም።
11እቲ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዘሻሩን፥
ክፉእ ዝመክርን ካባኻ ወፀ።
12እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ምንም እኳ ሓያላትን ብዙሓትን እንተ ኾኑ፥ ክቝረፁ እዮም፤ ንሱውን ክውዳእ እዩ፤ ኣነ ኣጨኒቐካ ነይረ፥ ድሕሪ ደጊም ግና ኣየጨንቐካን እየ። 13ሕዚ ድማ ነቲ ኣርዑቱ፥ ካባኻ ኽሰብሮ እየ፤ ንእስራትካ ኸዓ ኽበታትኾ እየ።”
14እግዚኣብሄር ብዛዕባኻ ኸምዙይ ኢሉ ኣዚዙ እዩ፦ “ስም ዘፀውዕ ትውልዲ ኣይህልወካን እዩ፤ ኣነ ነቶም ዝተቐረፁ ምስልታትን፥ መኺኾም ንዝተሰርሑ ጣዖታትን፥ ካብ ቤት ኣማልኽትኻ ኽድምስሶም እየ። ንስኻ ዝተጠቓዕኻ ኢኻሞ መቓብርካ ኽዅዕት እየ።”
15 #
ኢሳ. 52፡7። እንሆ እግሪ እቲ ብስራት ዘምፅእ ሰላም ከዓ ዝእውጅ ኣብ እምባታት ኣሎ። ኣታ ይሁዳ፥ እቲ ዘጥፍእ ጠፊኡ እዩሞ፥ ካብ ደጊም በኣኻውን ኣይሓልፍን እዩሞ፥ ዓመት በዓላትካ ግበር፤ መብፅዓኻውን ክፈል።
Currently Selected:
ናሆም 1: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

:
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in