ማቴዎስ 23
23
ግብዝና መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን
(ማር. 12፡38-40፥ ሉቃ. 11፡39-52፥ 20፡45-46)
1ድሕሪዙይ ኢየሱስ ነቶም ህዝብን ንደቀ መዛሙርቱን ከምዙይ በሎም፦ 2#ሚል. 2፡7-8። “መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ። 3#ሮሜ 2፡17-23። ስለዙይ ኵሉ ንሳቶም ዝብሉኹም፥ ግበሩን ሓልዉን፤ ንሳቶም እቲ ንሰብ ዝምህርዎ ኣይገብርዎን እዮም እሞ፥ ከምቲ ንሳቶም ዝገብርዎ ግና ኣይትግበሩ። 4#ማቴ. 11፡29-30፥ ግ.ሓ. 15፡10፥ ገላ. 6፡13። ከቢድን [ምፅዋሩ ዘይምቹን] ፆር ጠሚሮም ንሰብ ኣብ ማእገሩ የሰክምዎ፤ ንባዕላቶም ግና በፃብዕቶም እኳ ኽነኽእዎ ኣይደልዩን። 5#ማቴ. 6፡1-2፥ ዘሑ. 15፡38፥ ዘዳ. 11፡18። ኵሉ ዝገብርዎ፥ ሰብ ክሪአልና ኢሎም ይገብሩ፤ ክታባቶም የግፍሑ፤ ዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ። 6#ማቴ. 6፡5፥ ሉቃ. 14፡7-9። ኣብ ማእዲ ዝለዓለ ስፍራ፥ ኣብ ቤተ ፀሎቶም #23፡6 ቤተ ፀሎቶም፦ ግእዝ “ባይቶታት” ይብል። ድማ፥ ኣብ ናይ ክብሪ መናብር ይቕመጡ። 7ኣብ ዕዳጋታት፥ ሰብ ኢድ ክነስአሎምን ‘መምህር’ ኢሉ ኽፅውዖምን ይፈትዉ፤ 8#ዮሓ. 13፡13፥ ያቆ. 3፡1። ንስኻትኩም ግና መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ ‘መምህር’ ኣይትበሃሉ፤ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም ኣሕዋት ኢኹም። 9#ኢሳ. 63፡16፥ ዮሓ. 20፡17። ኣብ ሰማይ ሓደ ኣቦ ስለ ዘለኩም፥ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦ ኢልኩም ኣይትፀውዑ። 10ሊቅኩም #23፡10 ሊቕኩም፦ ግእዝ “መምህርኩም” ይብል። ሓደ ክርስቶስ እዩ እሞ፥ ንስኻትኩምስ ‘ሊቅ’ ኣይትበሃሉ። 11-12#ማቴ. 20፡26-27፥ ማቴ. 18፡4፥ ምሳ. 29፡23። እቲ ንባዕሉ ዘልዕል፥ ክዋረድ እዩ፤ እቲ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ልዕል ክብል እዩ እሞ፥ እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየ፥ ኣገልጋሊኹም ይኹን።”
መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከም ዝተወቐሱ
(ማር. 12፡40፥ ሉቃ. 11፡39-42፥44፥52፥ 20፡47)
13 #
ማቴ. 5፡20። “ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ መንግስተ ሰማይ ንሰብ ኣብ ገፁ እትዓፅዉሉ፥ ንርእስኹም ኣይትኣትዉን፤ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ድማ፥ ምእታው ትኽልክልዎም ኣለኹም እሞ፥ ወይለኹም! 14ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ንኽተምስሉ ኣብዚሕኹም ብምፅላይ፥ ኣባይቲ መበለታት ትብዝብዙ ኣለኹም፤ ስለዙይ ፅኑዕ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም! 15#ገላ. 4፡17። ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ንሓደ ሰብ ናብ ሃይማኖትኩም ክተእትዉ፥ ባሕርን ምድርን እትዞሩ፤ ናብ እምነትኩም ምስ ኣተወ ድማ፥ ካባኻትኩም ብዕፅፊ ዝገደደ፥ ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም! 16#ማቴ. 5፡34-35፥ 15፡14። ኣቱም ‘ብቤተ መቕደስ ዝምሕል፥ ኣይበደለን ደሓን እዩ፤ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ዝምሕል ግና፥ ብማሕላኡ ይተሓዝ’ እትብሉ፥ ዕዉራት መራሕቲ ወይለኹም! 17ኣቱም ደናቝርን ዕዉራትን! ኣየናይ ይዓቢ? ወርቅዶ ወይ እቲ ንወርቂ ዝቕድሶ ቤተ መቕደስ? 18‘ብመሰውኢ ዝምሕል ኣይቝፀሮን እዩ፤ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መስዋእቲ ዝምሕል ግና፥ ማሕላ ይኾኖ’ ትብሉ። 19#ዘፀ. 29፡37። ኣቱም ደናቝርን ዕዉራትን! ኣየናይ ይዓቢ? መስዋእቲዶ ወይ እቲ ንመስዋእቲ ዝቕድሶ መሰውኢ? 20እምበኣርከስ እቲ ብመሰውኢ ዝምሕል፥ ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዅሉን ይምሕል። 21#መዝ. 26፡8። እቲ ብቤተ መቕደስ ዝምሕል ከዓ፥ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዝነብርን ይምሕል። 22እቲ ብሰማይ ዝምሕል ድማ፥ ብዙፋን እግዚኣብሄርን በቲ ኣብኡ ዝነብርን ይምሕል።
23 #
ዘሌ. 27፡30፥ ሚክ. 6፡8፥ ማቴ. 12፡7። “ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ካብ ጨና ኣዳም፥ ካብ ሽላን፥ ካብ ከሙን ዓስራት እተውፅኡ፤ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፥ ፍትሒ፥ ምሕረት፥ እምነት ግና እትሓድጉ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ነዙይ ምግባር፥ ነቱይውን ዘይምሕዳግ ይግባእ። 24#ዮሓ. 18፡28። ኣቱም ትኒንያ እተፅርዩ፥ ግመል ግና እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ ወይለኹም!
25 #
ማቴ. 15፡19-20። “ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ኣብ ውሽጡ ኸትርን ስሰዐን መሊኡ እንተሎ፥ ንፅዋዕን ንፃሕልን ላዕሊ ላዕሉ እትሓፅቡ፥ ወይለኹም! 26ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ! እቲ ፅዋዕን ፃሕልን ላዕላዩ ፅሩይ ምእንቲ ክኸውን፥ ኣቐዲምካ ነቲ ውሽጡ ሕፀቦ።
27 #
መዝ. 5፡9። “ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ብወፃኢ ፅቡቕ ኮይኖም ዝረአዩ፥ ውሽጦም ግና ዝበስበሰ ኣዕፅምትን፥ ርኹስ ነገርን ዝመልኡ ዝተለመፁ መቓብራት እትመስሉ፥ ወይለኹም! 28#ሉቃ. 16፡15። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ፃድቃን መሲልኩም ትረአዩ፤ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓመፅን ዝመልአ እዩ።
29-30 #
ግ.ሓ. 7፡51። “ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ‘ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተንኸውንስ፥ ኣብ ምፍሳስ ደም ነቢያት ኣይምተሳተፍናን’ እናበልኩም መቓብር ነቢያት እትሃንፁ፥ ሓወልቲ ፃድቃን እተጊፁ፥ ወይለኹም! 31#ግ.ሓ. 7፡52፥ 1 ተሰ. 2፡15። እምበኣርከስ፥ ደቂ ቐተልቲ ነቢያት ምዃንኩም፥ ባዕልኻትኩም ትምስክሩ ኣለኹም። 32ንስኻትኩምውን መስፈሪ ኣቦታትኩም ምልኡ። 33#ማቴ. 3፡7። ኣቱም ኣትማን፥ ውሉድ ኣፍዑት፥ ከመይ ጌርኩምከ፥ ካብ ፍርዲ ገሃነም ክተምልጡ? 34#ማር. 13፡9፥ ግ.ሓ. 13፡50። ስለዙይ እንሆ፥ ነቢያትን ጠቢባንን፥ መምህራን ሕግን እልእኸልኩም ኣለኹ፤ ንገሊኣቶም ክትቀትልዎምን ክትሰቕልዎምን፥ ንገሊኣቶም ከዓ ኣብ ቤተ ፀሎትኩም ክትገርፍዎምን፥ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ክተሳጕጉዎምን ኢኹም። 35#ማቴ. 27፡25፥ ራእይ 18፡24፥ 2 ዜና. 24፡20-22። ካብ ደም እቲ ፃድቕ ኣቤል ጀሚሩ፥ ክሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራኽዩ፥ ፍዳ እቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ፃድቃን፥ ኣባኻትኩም ክበፅሕ እዩ። 36ናይዝ ዅሉ ፍዳ ነዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዝበፅሖ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
ንኢየሩሳሌም ዝተውሃበ ስምዕታ
(ሉቃ. 13፡34-35)
37 #
ኢሳ. 65፡2፥ ማቴ. 21፡35፥ ራእይ 11፡8። “ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም! ኣቲ ንነቢያት እትቐትሊ! ነቶም ናባኺ ዝተልኣኹ ብእምኒ እትቕጥቅጢ! ደርሆ ንጨቓውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ኸም እትእክቦም፥ ንደቅኺ ኽእክቦም ክንደይ ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም። 38እንሆ ገዛኹም ዝፈረሰን ዝዓነወን ክኸውን እዩ። 39#ማቴ. 21፡9፥ 24፡2፥ 1 ነገ. 9፡7-8፥ ኤር. 22፡5። ደጊም ‘ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ’ ኽሳዕ እትብሉ፥ ድሕሪ ሕዚ ኸም ዘይትሪኡኒ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
Currently Selected:
ማቴዎስ 23: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in