YouVersion Logo
Search Icon

ማቴዎስ 22

22
ዕዱማት መርዓ
(ሉቃ. 14፡15-24)
1ኢየሱስ መሊሱ ብምስላ ኸምዙይ ኢሉ ነገሮም፦ 2#ራእይ 19፡7፥9። “መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል። 3ንሱ ነቶም ናብ መርዓ ዝተዓደሙ ኽፅውዕዎም ኣገልገልቱ ለኣኸ፤ ግና ኽመፁ ኣይደለዩን። 4#ማቴ. 21፡36፥ ኢሳ. 55፡1። መሊሱ ድማ ነቶም ዕዱማት ‘እንሆ ድግሰይ ኣዳልየ ኣለኹ፤ ስቡሓት ዝራብዓተይን ኣብዑረይን ሓሪደ፥ ኵሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፥ ናብቲ መርዓ ንዑ በልዎም’ ኢሉ ንኻልኦት ኣገልገልቱ ለኣኸ። 5#ዕብ. 3፡15። እቶም ዕዱማት ግና ሸለል ኢሎም፥ ገሊኣቶም ናብ ግራቶም #22፡5 ግራቶም፦ ግእዝ “ኣትክልቲ ወይኖም” ይብል። ከዱ፤ ገሊኣቶም ከዓ ናብ ንግዶም ከዱ። 6#ማቴ. 21፡35። እቶም ዝተረፉ ድማ፥ ነቶም ኣገልገልቲ ሒዞም ኣዋረድዎም፤ ቀተልዎምውን። #22፡6 ኣብ ግእዝ “ንእኡውን ፀረፍዎ” ዝብል ይርከብ። 7#ማቴ. 21፡41። እቲ ንጉስ ተቘጢዑ፥ ወታደራቱ ልኢኹ፥ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኦም፤ ንኸተማኣቶምውን ኣቃፀለ። #22፡7 ንኸተማኣቶምውን ኣቃፀለ፦ ግእዝ “ሃገሮም ድማ ብሓዊ ኣቃፀለ” ይብል። 8#ግ.ሓ. 13፡46። ሽዑ ነቶም ኣገልገልቱ ኸምዙይ በሎም፦ ‘ድግስ እቲ መርዓ ተሰናድዩ እዩ፤ ግና ነቶም ዕዱማት ኣይተገብኦምን። 9#ማር. 16፡15። እምበኣርከስ ናብ ኣደባባያትን ናብ ቀራናት መንገድን ኪዱ እሞ፥ ንዅሉ ዝረኸብኩምዎ ናብ መርዓ ፀውዑ’ በሎም። 10#ማቴ. 13፡47። እቶም ኣገልገልቲ ድማ ናብ መንገድታት ወፂኦም፥ ንሕያዎትን ንኽፉኣትን ንዅሉ ዝረኸብዎ ኣከቡ፤ እቲ ናይ መርዓ ኣዳራሽውን ብተቐማጦ መልአ።
11 # ኢሳ. 61፡10፥ ሉቃ. 13፡3። “እንተ ኾነ እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኽርኢ ምስ ኣተወ፥ ክዳን መርዓ ዘይተኸደነ ሓደ ሰብኣይ ኣብኡ ረአየ እሞ፥ 12‘ዓርከይ! ክዳን መርዓ እንተይተኸደንካ፥ ከመይ ኢልካ ናብዙይ ኣቲኻ?’ በሎ፤ ንሱ ግና ስቕ በለ። 13#ማቴ. 8፡12። ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣገልገልቱ፦ ‘ኣእዳዉን ኣጋሩን ኣሲርኩም፥ ኣብ ወፃኢ ናብ ዘሎ ፀልማት ደርብይዎ፤ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ’ በሎም። 14ፅዉዓት ብዙሓት፥ ሕሩያት ግና ውሑዳት እዮም እሞ።”
ብዛዕባ ምኽፋል ግብሪ
(ማር. 12፡13-17ሉቃ. 20፡20-26)
15ድሕሪዙይ ፈሪሳውያን ብዘረባኡ ኸመይ ገይሮም ከም ዘጋግይዎ ኸይዶም ተማኸሩ። 16#ማር. 3፡6፥ ዮሓ. 3፡2። ንደቀ መዛሙርቶም ከዓ ምስ ናይ ሄሮድስ ሰባት ገይሮም፥ ከምዙይ ኢሎም ናብኡ ለኣኹ፦ “መምህር! ቅኑዕ ምዃንካ፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ከዓ ብሓቂ ኸም እትምህር፥ ገፅ ሰብ ርኢኻ ድማ ኸም ዘይተዳሉ፥ ንሓደ እኳ ኸም ዘይትፈርሕ፥ ንፈልጥ ኢና። 17እምበኣር እንታይ ይመስለካ እስኪ ንገረና? ንቄሳር #22፡17 ቄሳር፦ “ናይ ሮሜ ሃፀይ” ማለት እዩ። ግብሪ ምሃብ ይግባእ ድዩ ወይ ኣይግባእን?” በልዎ። 18ኢየሱስ ግና ተንኰሎም ፈሊጡ “ኣቱም ግብዛት! ንምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም? 19እቲ ናይ ግብሪ ገንዘብ እስኪ ኣርእዩኒ!” በሎም። ንሳቶም ከዓ ዲናር ኣምፅኡሉ። 20ኢየሱስ ድማ “እዙይ መልክዑን ፅሕፈቱን ናይ መን እዩ?” በሎም። 21#ሉቃ. 23፡2፥ ሮሜ 13፡7፥ 1 ጴጥ. 2፡17። ንሳቶም ከዓ “ናይ ቄሳር እዩ” በልዎ። “እምበኣር ናይ ቄሳር፥ ንቄሳር፥ ናይ እግዚኣብሄር ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” በሎም። 22#ማቴ. 16፡1፥ ግ.ሓ. 4፡1-2፥ 23፡8። ነዙይ ሰሚዖም ተገረሙ፤ ሓዲጎምዎ ድማ ኸዱ።
ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን
(ማር. 12፡18-27ሉቃ. 20፡27-40)
23በታ መዓልቲ እቲኣ “ትንሳኤ ሙታን የለን” ዝብሉ ሰዱቃውያን ናብኡ መፂኦም፦ 24#ዘዳ. 25፡5-6። “መምህር፥ ሙሴ ‘ሓደ ሰብ ውሉድ ከይሓደገ እንተ ሞተ፥ እቲ ሓዉ ነታ ሰበይቲ ሓዉ የእትዋ፤ ንሓዉ ድማ ዘርኢ የቑመሉ’ ኢሉ ኣሎ። 25እምበኣር ኣባና ሸውዓተ ኣሕዋት ነበሩ፤ እቲ ዓብዪ፥ ሰበይቲ ኣእትዩ እንተይወለደ ሞተ፤ ነታ ሰበይቱ ድማ ንሓዉ ሓደጋ፤ 26ከምኡ ድማ እቲ ኻልኣይን ሳልሳይን ክሳዕ ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ እንተይወለዱ ሞቱ። 27ድሕሪ ዅሎም ከዓ፥ እታ ሰበይቲ ሞተት። 28ኵሎም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፥ ብጊዜ ትንሳኤ ሙታን ካብ ሸውዓቲኦም፥ ሰበይቲ ኣየነኦም እያ ኽትከውን?” ኢሎም ጠየቕዎ።
29 # ግ.ሓ. 26፡8፥ 1 ቆሮ. 6፡14። ኢየሱስ ድማ “መፃሕፍቲ ኾነ ሓይሊ እግዚኣብሄር ብዘይ ምፍላጥ ትጋገዩ ኣለኹም። 30ኣብ ጊዜ ትንሳኤስ፥ ኣብ ሰማያት ከም መላእኽቲ እግዚኣብሄር እዮም እምበር፥ ኣይዋሰቡን ኣየዋስቡን። 31-32#ዘፀ. 3፡6። ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን ግና፥ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ’ ዝተብሃለልኩምዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም? እምበኣርከስ ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፥ ኣምላኽ ምዉታን ኣይኮነን” ኢሉ መለሰሎም። 33#ማቴ. 7፡28። እቶም ህዝቢ ነዙይ ሰሚዖም ብትምህርቱ ተገረሙ።
ኣየነይቲ ትእዛዝ ከም እትዓቢ
(ማር. 12፡28-34ሉቃ. 10፡25-28)
34ፈሪሳውያን፥ ንሰዱቃውያን መልሲ ኸም ዘስኣኖም ሰሚዖም ኣብ ዙርያኡ ተኣከቡ። 35-36ካብኣቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ድማ፥ ክፍትኖ “መምህር፥ ካብ ኦሪት ኣየነይቲ ትእዛዝ ትዓቢ?” ኢሉ ጠየቖ። 37ኢየሱስ ከዓ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ፥ ብምሉእ ነፍስኻ፥ ብምሉእ ሓሳብካ ኣፍቅሮ፤’ #22፡37 ኣብ ግእዝ “ብምሉእ ሓይልካ” ዝብል ይርከብ። 38እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እዚኣ እያ። 39#ዘሌ. 19፡18፥ ሮሜ 13፡9፥ ያቆ. 2፡8። እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ፥ ‘ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’ እትብል እያ። 40ኵሎም ኦሪትን ነቢያትን፥ ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ተጠሪፎም ኣለዉ” በሎ።
ክርስቶስ ወዲ መን ከም ዝበሃል
(ማር. 12፡35-37ሉቃ. 20፡41-44)
41ፈሪሳውያን ተኣኪቦም እንተለዉ ኢየሱስ 42#ማቴ. 1፡1። “ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም? ወዲ መንከ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ወዲ ዳዊት” በልዎ። 43-44#መዝ. 110፡1። ኢየሱስ ድማ “ከመይ ኢሉ ደኣ፥ ባዕሉ ዳዊት ብመንፈስ ቅዱስ ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ’ እናበለ፥ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ? 45እምበኣር ዳዊት ጐይታይ ካብ በሎ ደኣ፥ ከመይ ኢሉ ወዱ ይኸውን?” በሎም። 46እንተ ኾነ ሓደ እኳ ቓል ክምልሰሉ ዝኸኣለ ኣይነበረን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ኸዓ፥ ሓደ እኳ ኽጥይቖ ኣይደፈረን።

Currently Selected:

ማቴዎስ 22: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in