YouVersion Logo
Search Icon

ማቴዎስ 17

17
ትርኢት ኢየሱስ ከም ዝተለወጠ
(ማር. 9፡2-13ሉቃ. 9፡28-36)
1 # ማቴ. 26፡37፥ ማር. 5፡37። ኢየሱስ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ፥ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንሓዉ ዮሃንስን ወሲዱ፥ ንበይናቶም ናብ ነዊሕ እምባ ኣደየቦም። 2#ራእይ 1፡16፥ ማቴ. 28፡3። ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ፤ ገፁ ኸም ፀሓይ #17፡2 በርሀ፦ ግሪክ “ብርሃን” ይብል። በርሀ፤ ክዳኑውን ከም በረድ ፃዕደወ። 3#1 ጴጥ. 1፡10። እንሆ፥ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እንትዘራረቡ ተርኣዩዎም። 4ጴጥሮስ ድማ፥ ንኢየሱስ፥ “ኦ ጐይታ! ንኣና ኣብዙይ ምንባር ፅቡቕ እዩ፤ ፍቓድካ እንተ ኾይኑስ፥ ኣብዙይ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፤ ሓደ ንኣኻ፥ ሓደ ንሙሴ፥ ሓደውን ንኤልያስ” በሎ።
5 # ማቴ. 3፡17፥ 2 ጴጥ. 1፡17-18። ጴጥሮስ ገና እዙይ እናተዛረበ እንተሎ ደመና ኸወሎም፤ እንሆ ድማ ኻብቲ ደመና “ዘፍቅሮ፥ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዙይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ!” ዝብል ድምፂ መፀ።
6 # ራእይ 1፡17-18። ደቀ መዛሙርቱ እዙይ ሰሚዖም እምብዛ ስለ ዝፈርሑ፥ ብግምባሮም ተደፍኡ። 7ኢየሱስ ቅርብ ኢሉ ነኽኦምሞ “ተስኡ! ኣይትፍርሑ!” በሎም። 8ኣዒንቶም ንላዕሊ ቘላሕ እንተ በሉ ድማ፥ እንትርፊ ኢየሱስ በይኑ፥ ሓደ እኳ ኣይረአዩን።
9 # ማቴ. 8፡4። ካብ እምባ ኽወርዱ እንተለዉ ኢየሱስ፥ “ወዲ ሰብ ካብ ምዉታን ክሳዕ ዝትስእ፥ እዝ ዝረአኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ!” ኢሉ ኣዘዞም። 10#ማቴ. 11፡14። ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ንምንታይ ደኣ፥ መምህራን ሕጊ ‘ቅድም ኤልያስ ክመፅእ ኣለዎ’ ዝብሉ?” ኢሎም ጠየቕዎ። 11#ሚል. 4፡5-6። ንሱ ድማ መሊሱ “እወ፤ ኣቐዲሙ ኤልያስ ክመፅእ እዩ፤ ንዅሉ ድማ ኸቃንዕ እዩ። 12#ማቴ. 16፡21። ኣነ ግና፥ ኤልያስ ድሮ መፂኡ እዩ እብለኩም ኣለኹ፤ ንሳቶም ግና ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝደለዩ ገበሩ እምበር ኣይፈለጥዎን። ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ፥ ብኣኣቶም መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። 13#ማር. 9፡9-13። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ መጥምቕ ዮሃንስ ከም ዝበሎም ኣስተውዓሉ።
ጋኔን ንዝሓደሮ ኸም ዘሕወየ
(ማር. 9፡14-29ሉቃ. 9፡37-43)
14ናብቲ ህዝቢ ምስ በፅሑ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ ቐረበሞ ተንበርኪኹ፦ 15“ጐይታይ! ንወደይ መሓረለይ፤ በብወርሑ ዘውድቕ ሕማም እናተልዓሎ የመና ይሳቐ፤ #17፡15 ዘውድቕ ሕማም፦ ግእዝ “ክፉእ ጋኔን ሒዙ የንገርግሮ” ይብል። ብዙሕ ጊዜውን ኣብ ማይን ሓዊን የውድቖ እዩ እሞ፥ ራህርሀለይ፤ 16#ማቴ. 10፡1። ናብ ደቀ መዛሙርትኻውን ኣምፂአዮስ፥ ከሕውይዎ ኣይከኣሉን” በሎ። 17#ዘሑ. 14፡11። ኢየሱስ መሊሱ “ኣታ ዘይትኣምን ቀይናን ትውልዲ፥ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? ናብዙይ ናባይ ኣምፅእዎ” በሎም። 18ሽዑ ኢየሱስ ገሰፆ፤ እቲ ጋኔን ከዓ ኻብኡ ወፀ፤ እቲ ቘልዓ ድማ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ። 19ድሕሪዙይ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም፥ “ስለ ምንታይ ደኣ ንሕና ምውፃኡ ዝሰኣንና?” በልዎ። 20#ማቴ. 21፡21፥ ማር. 11፡22-23፥ ሉቃ. 17፡6። ኢየሱስ ከዓ “ብጕድለት እምነትኩም እዩ፤ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ሃልያትኩም፥ ነዝ እምባ እዙይ ‘ካብዙይ፥ ናብቱይ ተልዓል!’ እንተ በልኩምዎ ይለዓል፤ ዘይከኣለኩም ነገርውን የለን። 21እዝ ኸምዙይ ዝዓይነቱ ግና፥ ብፆምን ብፀሎትን እንተ ዘይኮይኑ ኣይወፅእን እዩ” በሎም።
ኢየሱስ ብዛዕባ ሞቱ ኻልኣይ ጊዜ ኸም ዝተዛረበ
(ማር. 9፡30-32ሉቃ. 9፡43-45)
22 # ማቴ. 16፡21። ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ገሊላ እናተመላለሱ እንተለዉ፥ ኢየሱስ “ንወዲ ሰብ፥ ናብ ኢድ ሰብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤ 23ንሳቶም ከዓ ኽቐትልዎ እዮም፤ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኽትስእ እዩ” በሎም፤ ደቀ መዛሙርቱ እዙይ ሰሚዖም ሓዘኑ።
ግብሪ ምኽፋል ከም ዝግባእ
24ናብ ቅፍርናሆም ምስ መፁ፥ እቶም ግብሪ ቤተ መቕደስ ዝቕበሉ ናብ ጴጥሮስ መፂኦም፥ “መምህርኩምስ ግብሪዶ ኣይኸፍልን እዩ?” በልዎ። 25ንሱ ድማ “ይኸፍል እባ” ኢሉ መለሰ። ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ ኢየሱስ ኣቐዲሙ “ስምኦን! እንታይ ይመስለካ? ነገስታት ምድሪ፥ ግብርን ቀረፅን ካብ መን ይቕበሉ? ካብ ደቆምዶ ወይ ካብ ካልኦት?” በሎ። 26ጴጥሮስ ከዓ “ካብ ካልኦት እባ” በለ። ኢየሱስ ድማ “እምበኣር ደቆምስ ነፃ እዮም። 27ግና ምእንቲ ኸይነዐንቅፎም፥ ናብ ባሕሪ ኼድካ መቝለብ ዓሳ ደርቢ፤ ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ፤ ኣፉ ምስ ከፈትካ ኣብኡ ሓደ ኣስታቴር #17፡27 ኣስታቴር፦ ኣርባዕተ ዲናር ይሽረፍ ነበረ። ክትረክብ ኢኻ፤ ንእኡ ወሲድካ፥ ክንዳይን ክንዳኻን ሃቦም” በሎ።

Currently Selected:

ማቴዎስ 17: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in