YouVersion Logo
Search Icon

ማቴዎስ 16

16
ምልክት ንምርኣይ ዝቐረበ ጥያቐ
(ማር. 8፡11-13ሉቃ. 12፡54-56)
1 # ማቴ. 13፡38-39። ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ክፍትንዎ መፁ፤ ካብ ሰማይ ምልክት ከርእዮም ድማ ጠየቕዎ። 2#ሉቃ. 12፡54-56። ኢየሱስ ድማ “ምስ መሰየ ‘ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፥ ፃሓ ክኸውን እዩ’ ትብሉ፤ 3ምስ ወግሐ ድማ ‘ደመና ኾይኑ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፥ ሎምስ ክዘንም እዩ’ ትብሉ፤ ኣቱም ግብዛት! ገፅ ሰማይ ምልላይ ትፈልጡ፤ ናይ ዘመናት ምልክት ደኣ ኸመይ ዘይትፈልጡ? 4ክፉእን ዘይኣምንን ትውልዲ፥ ምልክት ይደሊ፤ ብዘይ ምልክት ነቢይ ዮናስ ግና፥ ካልእ ምልክት ኣይወሃቦን እዩ” በሎም። ሓዲጉዎም ከዓ ኸደ።
5ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ ኽሳገሩ እንተለዉ እንጀራ ምሓዝ ረሲዖም ነበሩ፤ 6#ሉቃ. 12፡1፥ 1 ቆሮ. 5፡6-7። ኢየሱስ ድማ “ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን፥ ተጠንቀቑ ተዓቀቡውን” በሎም። 7ንሳቶም ግና “እንጀራ ስለ ዘይሓዝና ድዩ ኸምዙይ ዝብለና ዘሎ?” ኢሎም ንስንሳቶም ተዘራረቡ። 8#ማቴ. 6፡30። ኢየሱስ ድማ ፈሊጥዎም “ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም! ስለ ምንታይ እንጀራ ብዘይ ምሓዝኩም ንስንሳትኩም ትዘራረቡ? 9#ማቴ. 14፡17-21። ገናዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? እቲ ሓሙሽተ እንጀራ፥ ንሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ኣኺሉስ፥ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዓልኩምዶ ኣይትዝክሩን ኢኹም? 10#ማቴ. 15፡34-38። ወይ ድማ እቲ ሸውዓተ እንጀራ፥ ነርባዕተ ሽሕ ሰብ ኣኺሉስ፥ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዓልኩምዶ ኣይትዝክሩን ኢኹም? 11እቲ ‘ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑ’ ዝበልኩኹምከ ብዛዕባ እንጀራ ኸም ዘይኮነ፥ ንምንታይ ዘይተስተውዕሉ?” በሎም። 12#ማር. 8፡14-21። ንሳቶም ድማ ኢየሱስ ተጠንቀቑ ዝበሎም ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ደኣ እምበር፥ ካብ ማይ ብሒቝ እንጀራ ኸም ዘይኮነ ሽዑ ኣስተውዓሉ።
ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ጴጥሮስ ከም ዝመስከረ
(ማር. 8፡27-30ሉቃ. 9፡18-21ዮሓ. 6፡66-69)
13ኢየሱስ ኣብ ናይ ፊልጶስ ሃገር ቂሳርያ ምስ በፅሐ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ?” ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ጠየቖም። 14#ማቴ. 14፡2፥ ማር. 6፡15። ንሳቶም ድማ “ገሊኣቶም ‘መጥምቕ ዮሃንስ’ ገሊኣቶም ‘ኤልያስ’ ገሊኣቶም ‘ኤርሚያስ’ ወይ ‘ሓደ ኻብ ቀዳሞት ነቢያት እዩ’ ዝብሉኻ ኣለዉ” በልዎ። 15ንሱ ድማ “ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ?” በሎም። 16#ማቴ. 14፡33፥ 26፡63-64፥ 1 ዮሓ. 4፡15። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፥ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው እግዚኣብሄር ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 17#ዮሓ. 1፡16፥ 6፡44-45፥ 1 ቆሮ. 2፡6፥ 12፡3። ኢየሱስ ከዓ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር፥ ስጋን ደምን #16፡17 ስጋን ደምን፦ ሰብ ማለት እዩ። ኣይገለፀልካን እሞ፥ ብፁእ ኢኻ” በሎ። 18#ዮሓ. 1፡42፥ 21፡15-17፥ ኤፌ. 2፡20፥ ራእይ 21፡14፥ ኤር. 1፡19። “ኣነ ኸዓ እብለካ ኣለኹ፤ ንስኻ ጴጥሮስ #16፡18 ጴጥሮስ፦ “ኰዅሒ” ማለት እዩ። ኢኻ፤ ኣብ ልዕሊ እዝ ኰዅሒ እዙይ ድማ፥ ንቤተ ክርስቲያነይ ክሓንፃ እየ፤ በርታት ሲኦልውን ኣይሕይልዋን እዮም። 19መፋትሕ መንግስተ ሰማያት ድማ ኽህበካ እየ፤ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ፥ ኣብ ሰማይ እሱር ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኻዮ ኸዓ፥ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ክኸውን እዩ” በሎ።
20 # ማቴ. 8፡24። ድሕሪዙይ ንሱ ክርስቶስ ከም ዝኾነ፥ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ፥ ንደቀ መዛሙርቱ ኣጠንቀቖም።
ኢየሱስ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ኣቐዲሙ ኸም ዝተዛረበ
(ማር. 8፡31—9፡1ሉቃ. 9፡22-27)
21 # ማቴ. 17፡12፥22-23፥ 20፡17-19፥ 26፡2፥ ማር. 8፡31፥ ሉቃ. 9፡22፥ ዮሓ. 3፡14። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ከም ዘለዎ፥ ብዓበይትን ብሊቃነ ካህናትን ብመምህራን ሕግን፥ ብዙሕ መከራ ኸም ዝቕበል፥ ከም ዝቕተልን፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኸም ዝትስእን ንደቀ መዛሙርቱ ኽገልፀሎም #16፡21 ክገልፀሎም፦ ግእዝ “ክናገሮም” ይብል። ጀመረ። 22ጴጥሮስ ከዓ ቕርብ ኢሉ፥ “ጐይታ! እዙይ ከቶ ኣባኻ ኣይብፃሕ” እናበለ ክኽልክሎ ጀመረ። 23#ማቴ. 14፡10፥ ኢሳ. 55፡8-9። ኢየሱስ ግና ግልፅ ኢሉ ንጴጥሮስ፥ “ንስኻ ናይ ሰብ እምበር፥ ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዘይትሓስብ፥ ንኣይ ዕንቅፋት ኴንካኒ ኢኻሞ፥ ሰይጣን ካባይ ረሓቕ!” በሎ። 24#ማቴ. 10፡38-39፥ ሉቃ. 14፡27፥ 17፡33፥ ዮሓ. 12፡25-26፥ ራእይ 12፡15። ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ክኽተለኒ ዝደሊ ንህይወቱ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ኣልዒሉ #16፡24 መስቀሉ ኣልዒሉ፦ ግእዝ “ናይ ሞቱ መስቀል ፆይሩ” ይብል። ድማ ይከተለኒ። 25እቲ ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ፥ ከጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ኸዓ፥ ክረኽባ እዩ። 26ሰብ፥ ብዅሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ረቢሑስ፥ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ፥ እንታይ ይጠቕሞ? ሰብከ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ምሃበ? 27#ማቴ. 25፡31፥ ግ.ሓ. 1፡11፥ መዝ. 62፡12፥ ዮሓ. 5፡28-29፥ ሮሜ 2፡6፥ ራእይ 22፡12። ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ፥ ምስ መላእኽቱ ኽመፅእ እዩ፤ ሽዑ ንዅሉ ኸከም ግብሩ ኽፈድዮ እዩ። 28#ማር. 8፡34—9፡1፥ ሉቃ. 9፡23-27። ኻብዞም ኣብዙይ ደው ኢሎም ዘለዉ፥ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኽመፅእ እንተሎ ኽሳዕ ዝሪእዎ፥ ዘይሞቱ ኸም ዘለዉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። #ማቴ. 10፡23፥ 24፡34።

Currently Selected:

ማቴዎስ 16: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in