YouVersion Logo
Search Icon

ዘሌዋውያን 7

7
ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ
1ሕጊ መስዋእቲ በደል ድማ እዙይ እዩ፦ ንሱ ቅዱሰ ቕዱሳን እዩ። 2ነቲ መስዋእቲ በደል ኣብታ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝሓርዱላ ቦታ ይሕረድዎ። እቲ ደሙ ኸዓ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይነፀግ። 3ኵሉ ስብሑ፥ ሕልሕሉን ቃንጡጡን፥ 4ክልቲአን ኵላሊት፥ ምስቲ ኣብ ዙርያአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን፥ እቲ ኻብ ጥቓ ዅላሊት ዝፈልዮ ስብሒ ኸብድን ንመስዋእቲ ይቕረብ። 5እቲ ኻህን ድማ ነዝ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ፤ እዙይ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ። 6ካብ ስድራ ኻህን ተባዕታይ ዝኾነ ይብልዓዮ፤ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይብልዕዎ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።
7እቲ ኽንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእትን፥ ክንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእትን፥ ሕጉ ሓደ እዩ፤ እቲ ስጋ ብፅሒት ናይቲ ስርየት ሓጢኣት ዝገብር ካህን እዩ። 8ናይ ዝኾነ ሰብ ዝቃፀል መስዋእቲ እንስሳ፥ ቈርበቱ ተገፊፉ ነቲ መስዋእቲ ዘቕርብ ካህን ይወሃብ። 9ኣብ እቶን ዝተሰንከተ ኾነ ኣብ ቍራዕ ዝበሰለ ወይ ኣብ መቝሎ ዝተሰንከተ ዅሉ መስዋእቲ እኽሊ፥ ነቲ ዘቕርቦ ኻህን ይኹን። 10ኵሉ ዘይቲ ዝተሓወሶ ወይ ንቑፅ መስዋእቲ እኽሊ ግና፥ ንዅሎም ደቂ ኣሮን ማዕረ ይወሃብ፤ ንዅሎምውን ይኸውን።
መስዋእቲ ምስጋና
11ሰብ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘቐርቦ መስዋእቲ ምስጋና፥ ድማ ሕጉ እዙይ እዩ፦ 12ንምስጋና ኢሉ እንተ ኣቕረቦ፥ ምስቲ መስዋእቲ ምስጋና፥ ዘይቲ ዝተሓወሶ ዘይበዅዐ ቕጫታት፥ ዘይቲ ዝተለኽየ ዘይበዅዐ ረቂቕ ቅጫታትን ካብ ልሑም ሕሩጭ ዝተለወሰ ዘይቲ ዝተሓወሶ ቕጫታትን የቕርብ። 13ነቲ ንምስጋና ኢሉ ዘቕርቦ ናይ ምስጋና መስዋእቲ ምስ ዝበዅዐ ሕብስቲ የቕርቦ። 14ካብ ነፍሲ ወከፍ መስዋእቲ ሕብስቲ፥ ሓደ ሕብስቲ ኣልዒሉ ንእግዚኣብሄር የቕርብ። እዙይ ንደም እቲ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ እንስሳ ዝነፅግ ካህን ይኹን። 15ስጋ ናይቲ ንምስጋና ዘቕርቦ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና፥ በታ ዝተሰውአላ መዓልቲ ይበላዕ፤ ካብኡ ሓደ እኳ ንፅባሒቱ ኣይሕደር።
16እቲ ዝቐርብ መስዋእቲ ናይ መብፅዓ ወይ ናይ ፍቓድ እንተ ኾይኑ ኸዓ፥ በታ መስዋእቱ ዘቕረበላ መዓልቲ ይበላዕ፤ እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ንፅባሒቱ ይበላዕ። 17ካብቲ ንመስዋእቲ ዝቐረበ እንስሳ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ስጋ ግና ብሓዊ ይቃፀል። 18ካብቲ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝተሓርደ ስጋ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እንተ ተበልዐ፥ እቲ መስዋእቲ ቕቡል ኣይኮነን፤ ዝረኸሰ ስለ ዝኾነ፥ ፍንፉን ይኸውን እምበር፥ ነቲ ዘቕረቦ ሰብ ቅቡል ኮይኑ ኣይቝፀረሉን እዩ። እቲ ኻብኡ ዝበልዐ ሰብ ከዓ ሓጢኣቱ ይሽከም። 19ዝረኸሰ ነገር ዝነኽኦ ስጋ ኣይበላዕ፤ ብሓዊ ደኣ ይቃፀል። ንፁህ ዝኾነ ዅሉ ሰብ ግና ካብቲ ስጋ ይብላዕ። 20እቲ ረኺሱ እንተሎ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ዝቐረበ ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ዝበልዐ ሰብ ካብ ህዝቡ ይወገድ። 21ሓደ ሰብ ዝረኸሰ ነገር እንተ ነኽአ፥ ኣብ ሰብ ንዘሎ ዘርክስ፥ ወይ ዝረኸሰ እንስሳ ወይ ዝኾነ ፅዩፍ ርኽሰት እንተ ነኽአሞ፥ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ዝቐረበ ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ከዓ እንተ በልዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ።
ደምን ስብሕን ምብላዕ ክልክል ከም ዝኾነ
22እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 23ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦም፦ ስብሒ ብዕራይ ኮነ ስብሒ በጊዕ ወይ ስብሒ ጤል ኣይትብልዑ። 24ስብሒ ዝበኸተን ስብሒ ኣራዊት ዝቐተሎ እንስሳኹምን ንዝኾነ ስራሕ ኣውዕልዎ፤ ምብላዕ ግና ኣይትብልዕዎ። 25ካብ ስብሒ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ እንስሳ ዝበልዐ ሰብ፥ ካብ ህዝቡ ይወገድ። 26#ዘፍ. 9፡4፥ ዘሌ. 17፡10-14፥ 19፡26፥ ዘዳ. 12፡16፥23፥ 15፡23። ኣብ ዅሉ እትነብርዎ ኸዓ ናይ ዒፍ ኮነ ናይ እንስሳ ደም ኣይትብልዑ። 27ዝኾነ ሰብ ደም እንተ በልዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ።
ብፅሒት ካህናት
28እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 29ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ እቲ ናይ ምስጋና መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብ ሰብ፥ ካብቲ ናይ ሰላም መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር የምፅእ። 30ነቲ ናባይ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ በእዳዉ የምፅኣዮ። እቲ ሓኸለ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ምእንቲ ኽቐርብስ፥ ነቲ ስብሑን ሓኸለኡን የምፅአዮ። 31እቲ ኻህን ድማ ነቲ ስብሒ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቃፅሎ፤ እቲ ሓኸለ ግና ብፅሒት ኣሮንን ደቁን እዩ። 32ካብቲ ናይ ሰላም መስዋእትኹም ብፅሒቱ ስለ ዝኾነ ነቲ ኻህን የማነይቲ እግሪ ሃብዎ። 33የማነይቲ እግሪ፥ ነቲ ኻብ ደቂ ኣሮን ደምን ስብሕን ናይቲ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ እንስሳ ዘቕርብ ግደ ይኹን። 34ካብ መስዋእቲ ምስጋና ደቂ እስራኤል ነቲ ናባይ ናብ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ዝቐርብ ሓኸለን ናባይ ዝቐርብ እግርን ወሲደ ንኣሮንን ንደቁን ንዘለኣለም ዝነብር ስርዓት ገይረ ሂበዮም ኣለኹ።
35እዙይ በታ ንእግዚኣብሄር ካህናት ኮይኖም ከገልግሉ ዝቐረቡላ መዓልቲ፥ ደቂ እስራኤል ካብቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽህብዎም እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ግደ ኣሮንን ደቁን እዩ። 36በታ ዝተቐብኡላ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል እዝ ብፅሒት እዙይ ክህብዎም ኣዘዘ። እዙይ ከዓ ንውሉድ ወለዶ ዝነብር ስርዓት ዘለኣለም እዩ።
37እምበኣር ሕጊ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ሕጊ መስዋእቲ ምቕባል ክህነትን፥ ሕጊ መስዋእቲ እኽልን፥ ሕጊ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን፥ ሕጊ ኽንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእትን፥ ሕጊ መስዋእቲ ምስጋናን እዙይ እዩ። 38እዝ ሕጊ እዙይ፥ በታ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል መስዋእቶም ኣብ ምድረ በዳ ሲና ኸቕርቡ ዝኣዘዘላ መዓልቲ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝኣዘዞ እዩ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ዘሌዋውያን 7