YouVersion Logo
Search Icon

ዘሌዋውያን 6

6
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 2ዝኾነ ሰብ ሓጢኣት እንተ ሰርሐ፥ ንብፃዩ ብምጥፍፋእ ንእግዚኣብሄርውን እንተ በደለ፥ ብፃዩ ዘቐመጠሉ ሕድሪ ወይ ዘትሓዞ እንተ ጠለመ፥ ወይ እንተ ኸተረ ወይ እንተ ዓመፀ፥ 3ወይ ዝኾነ ዝጠፍአ ረኺቡ እንተሎ ኣሉ እንተበለ፥ ብሓሰት እውን እንተ መሓለ፥ ወይ ብዝኾነ ነገር፥ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ በታ ሓንቲኳ እንተ በደለ፥ 4በዝ ኸምዙይ ብምብዳሉ ሓጢኣተኛ እንተ ኾነ፥ ነቲ ዝኸተሮ፥ ወይ ነቲ ዝዓመፆ፥ ወይ ነቲ ዝጠለሞ ሕድሪ፥ ወይ ነቲ ጠፊኡ ዝረኸቦ፥ 5ወይ ነቲ ብዝኾነ ነገር ሓስዩ ዝመሓለሉ ይምለሶ። ብምሉኡ ይምለሶ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ሓምሻይ ኢድ ይወስኸሉ። በታ ኽንዲ በደሉ መስዋእቲ ዘቕርበላ መዓልቲ ነቲ ዋናኡ ይምለሰሉ። 6ክንዲ በደሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ድማ ኻብ መጓሰ ኣባጊዕ፥ ከም ዝገመትካሉ ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ ኽንዲ በደሉ ዝኸውን መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ናብ ካህን የምፅእ። 7እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ እቲ በዳሊ ዝገበሮ ዅሉ በደል ብእኡ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። #ዘሑ. 5፡5-8።
ብምሉኡ ዝቃፀል መስዋእቲ
8እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 9ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፦ ሕጊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ዝቃፀል ዕንፀይቲ ምሉእ ለይቲ ኽሳዕ ዝወግሕ ኣብኡ ይኹን፤ እቲ ሓዊ መሰውኢውን ኵልሻዕ ይንደድ። 10እቲ ኻህን ብሃሪ ዝተሰርሐ ቐሚሽን ብሃሪ ዝተኣልመ ስረን ኣብ ልዕሊ ስጋኡ ይልበስ። ነቲ ሓሙዅሽቲ ናይቲ ኣብ መሰውኢ ብሓዊ ዝቃፀል ናይ መስዋእቲ ሓሙዅሽቲ ሓፊሱ፥ ኣብ ጐድኒ መሰውኢ የፍስሶ። 11ደሓር ክዳውንቱ የውፅእ፤ ካልእ ኽዳውንቲ ድማ ይከደን፤ ነቲ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ኻብቲ ሰፈር ናብቲ ንፁህ ዝኾነ ቦታ የውፅኣዮ። 12እቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዘሎ ሓዊ ዅልሻዕ ይንደድ፤ ኣይጥፋእውን። እቲ ኻህን ከዓ ንግሆ ንግሆ ኣብ ልዕሊኡ ዕንፀይቲ ይወስኸሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ የንብር፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋና የቃፅል። 13እቲ ሓዊ ዅልሻዕ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ይንደድ፤ ኣይጥፋእውን።
መስዋእቲ እኽሊ
14ስርዓት ኣቀራርባ ቝርባን እኽሊ ኸምዙይ እዩ፦ ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ የቕርብዎ። 15እቲ ኻህን ካብኡ፥ ካብቲ ናይ ቍርባን እኽሊ ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ የልዕል፤ ካብ ዘይቲ ድማ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ቝርባን እኽሊ ዘሎ ዅሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከሪ ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። 16እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ። ቅጫ ኾይኑ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ። ኣብ ቅፅሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኖም ይብልዕዎ። 17ብዘይ መባዅዕቲ ይሰንከት። እዙይ ካብቲ ብሓዊ ዝተቓፀለ ቝርባን ዝተውሃበ ግደኦም እዩ። ከምቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእትን ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ። 18ካብ ደቂ ኣሮን ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ይብልዓዮ። እዙይ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእትታት ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም ግደኦም ይኹን። ነፍሲ ወከፍ ዝነኽኦውን ቅዱስ ይኸውን።
19እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 20በታ ኣሮንን ደቁን ዝቕብኡላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ መስዋእቲ እዙይ እዩ፦ ከምቲ ዅልሻዕ ዘቕርብዎ ቝርባን እኽሊ፥ ሓደ ኺሎ ልሑም ሕሩጭ ይኹን። ፍርቁ ጊሓት፥ ፍርቁ ኸዓ ምሸት፥ 21ብዘይቲ ለዊስካ ኣብ መቝሎ ሰንክቶ። ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብለኒ ጥዑም ዝጨናኡ ቝርባን እኽሊ ምእንቲ ክኸውን፥ ቈራሪስካ ኣቕርቦ። 22እቲ ኻብ ደቂ ኣሮን ክንዲ ኣቦኡ ተተኪኡ ዝቕባእ ካህን ድማ የቕርቦ። ብምሉኡ ንእግዚኣብሄር ይቃፀል፤ እዙይ ንዘለኣለም ዝፀንዕ ስርዓት ይኹን። 23ኵሉ እቲ ኻህን ዘቕርቦ ቝርባን እኽሊ ብምሉኡ ፈፂሙ ይቃፀል፤ ኣይበላዕውን።
ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ
24እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 25ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ በሎም፦ ሕጊ እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዙይ እዩ፦ እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ እንስሳ ኣብታ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝሕረደላ ቦታ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሓረድ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ። 26እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስውኦ ካህን ይብልዓዮ፤ ኣብቲ ቅዱስ ቦታ፥ ኣብ ቅፅሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይበላዕ። 27ነፍሲ ወከፍ ነቲ ስጋ ዝነኽኦ ቅዱስ ይኸውን። ዝኾነ ልብሲ ደም እንተ ተነፀጎ፥ ነቲ ዅሉ ዝተነፀጎ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንካ ሕፀቦ። 28እቲ ዝበሰለሉ ቝራዕ ድማ ይሰበር፤ ኣብ ድስቲ ነሃስ እንተ በሰለ ኸዓ ይፈግፈግ፤ ብማይውን ይተሓፀብ። 29ካብ ስድራ ኻህን ተባዕታይ ዝኾነ ይብልዓዮ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ። 30ደሙ ንስርየት ሓጢኣት ኣብ መቕደስ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ዝኣቱ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ ኵሉ መስዋእቲ፥ ብሓዊ ይቃፀል እምበር ኣይበላዕ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in