YouVersion Logo
Search Icon

ዘሌዋውያን 5

5
ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ
1ዝኾነ ሰብ ቃል ማሕላ ሰሚዑ ንሱ ብዝረአዮ ወይ ብዝፈለጦ ምስክር ኮይኑ እንተ ዘይገለፆ ብእኡ ሓጢኣት ገይሩ እዩሞ፥ በደሉ ይፀውር።
2ዝኾነ ሰብ እንተይፈለጠ ዝረኸሰ ነገር፥ ገምቢ ዝረኸሰ ኣራዊት፥ ወይ ገምቢ ዝረኸሰ እንስሳ፥ ወይ ገምቢ ዝረኸሰ ብለመምታ ዝንቀሳቐስ እንተ ነኽአ፥ ንሱ ረኺሱ እዩ እሞ ምስ ተፈለጦ በዳሊ እዩ።
3ዝኾነ ሰብ ነቲ ብዝኾነ ይኹን ከርክሶ ዝኽእል ኣብ ሰብ ንዘሎ ዘርክስ ነገር እንተ ነኽአ፥ ምስ ተፈለጦ በዳሊ እዩ።
4ዝኾነ ሰብ ፅቡቕ ወይ ክፉእ ንምግባር፥ ከምቲ ገሊኣቶም ሰባት ብዘይ ምስትውዓል ዝምሕልዎ፥ እንተይፈለጠ እንተ መሓለ፥ ምስ ተፈለጦ ብሓደ ኻብዝ ነገር በዳሊ እዩ።
5ሓደ ሰብ ካብዝ ነገር እዙይ ብሓደ ነገር እንተ በደለ፥ በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ይናዘዝ። 6በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ካብ መጓሰኡ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ሓንቲ በጊዕ ወይ ሓንቲ ጤል ንእግዚኣብሄር የቕርብ። እቲ ኻህን ከዓ ንኣኣ ሰዊኡ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ።
7ንበጊዕ ዝኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ኸዓ ኽንዲ እቲ ዝገበሮ በደል ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ፥ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን ንእግዚኣብሄር የቕርብ። 8ናብ ካህን የምፅኣየን፤ ንሱ ኸዓ ቕድም ነታ ምእንቲ ሓጢኣት መስዋእቲ እትኸውን የቕርባ፤ ርእሳ እንተይቈረፀ፥ ክሳዳ ጠውዩ ይቖልዕማ። 9ካብ ደም ናይቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ እንስሳ፥ ጐድኒ መሰውኢ ይንፀግ፤ ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ መሰውኢ የፍስሶ። እዙይ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ። 10ነታ ኻልአይቲ ኸዓ ኸምቲ ናይ ዝቃፀል መስዋእቲ ስርዓት ገይሩ የቕርባ። እቲ ኻህን ድማ በቲ ዝበደሎ ሓጢኣቱ ኸምዙይ ገይሩ ስርየት ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
11ንኽልተ ባሪቶ ወይ ንኽልተ ርግቢ ዝኸውን ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ግና፥ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ዝስውኦ፥ ዓስራይ ክፍሊ መስፈሪ ኢፍ #5፡11 ሓደ መስፈሪ ኢፍ፦ “40 ኪሎ” ኣቢሉ ይኸውን። ልሑም ሕሩጭ የምፅእ። ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ ዘይቲ ኣየፍስሰሉ፤ ዕጣን እውን ኣይግበረሉ። 12ናብቲ ኻህን ድማ የምፅኣዮ፤ እቲ ኻህን ከዓ ብምሉኡ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተሰውአ ምእንቲ ኸርኢ ኻብኡ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ፥ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝግበር መስዋእቲ የቃፅሎ። እዙይ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ። 13ካብዝ ነገር እዙይ ብሓዲኡ ንዝበደለ፥ እቲ ኻህን ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። እቲ ዝተረፈ ድማ ኸምቲ ናይ ቍርባን እኽሊ ንኻህናት ይኹን።
ካሕሳ በደል መስዋእቲ
14እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 15ሓደ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ነገር እንተይፈለጠ በደል እንተ በደለ፥ ክንዲ በደሉ መስዋእቲ ዝቐርብ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ፥ ብሚዛን ቤተ መቕደስ ዝተገመተ ሰቕሊ ብሩር፥ ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ ንመስዋእቲ በደል ንእግዚኣብሄር የምፅእ። 16በቲ ኣብቲ ቕዱስ ነገር ዝገበሮ ሓጢኣት ይኽሓስ፤ ሓምሻይ ኣፍ ከዓ ይወስኸሉ፤ ንኻህን ድማ ይሃቦ። እቲ ኻህን ከዓ በቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ማጕላ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
17ሓደ ሰብ ካብቲ ዅሉ ኣነ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ፥ ኢለ ዝኣዘዝክዎ ሓንቲ ብምጥሓሱ እንተ በደለ፥ እንተይፈለጠ እኳ እንተ ኾነ በዲሉ እዩ እሞ ሓጢኣተኛ እዩ። 18ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ ኸም ዝገመትካሉ፥ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጐደሎ ዘይብሉ ናብ ካህን የምፅእ። ስለ እቲ ብዘይ ፍልጠት ዝገበሮ ጌጋ፥ እቲ ኻህን ከምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ። ሽዑ ኸዓ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። 19ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በደለኛ እዩ እሞ፥ እዙይ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in