ዘሌዋውያን 4
4
ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 2ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ዝኾነ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ኻብ ዝኣዘዞ፥ ሓንቲ ብምጥሓሱ ብዘይ ምፍላጥ ሓጢኣት እንተ ገበረ ኸምዙይ ይግበር፦
3እቲ ሓጢኣት ዝገበረ፥ ዝተቐብአ ካህን እንተ ኾይኑ፥ እሞ በዙይ ነቲ ህዝቢ በደል ክቝፀረሎም እንተ ገበረ፥ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንእግዚኣብሄር ጐደሎ ዘይብሉ ዝራብዕ መስዋእቲ የቕርብ። 4ነቲ ዝራብዕ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የምፅኣዮ፤ ኢዱውን ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብር፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ይሕረዶ። 5እቲ ቕቡእ ካህን ድማ ኻብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የእትዎ። 6ሽዑ እቲ ኻህን ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ መቕደስ ካብቲ ደም ሸውዓተ ሻዕ ይንፀግ። 7እቲ ኻህን ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ ምዑዝ ዕጣን ኣብ ዝዓጥነሉ ቐርኒ መሰውኢ ኻብቲ ደም ይልከዮ። እቲ ዝተረፈ ደም ዝራብዕ ኸዓ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የፍስሶ። 8ካብቲ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝተሰውአ ዝራብዕ ኵሉ ስብሒ፥ እቲ ንናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዲ ዝኸድን ስብሕን እቲ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዲ ዘሎ ስብሕን የልዕል። 9ከምኡ ኸዓ ኽልቲኡ ዅላሊትን ኣብ ዙርያኡ ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን፥ እቲ ኣብ ጥቓ ዅላሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን የልዕል። 10ከምቲ ኻብቲ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ ዝራብዕ፥ ዝለዓል ከምኡ የልዕል። ነዙይ እቲ ኻህን ኣብቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የቃፅሎ። 11ቈርበት እቲ ዝራብዕን ኵሉ ስጋኡን ምስ ናይ ርእሱን ኣእጋሩን ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዱን ፈርሱን፥ 12እቲ ዝራብዕ ብምሉኡ ኻብ ሰፈር ናብ ወፃኢ ናብታ ሓሙዅሽቲ ዝፈሰላ ናብ ንፁህ ቦታ ይውሰዶ። ኣብ ልዕሊ ዕንፀይቲ ገይሩ ብሓዊ የቃፅሎ። ኣብታ ሓሙዅሽቲ ዝጐሓፈላ ቦታ ይቃፀል።
13ኵሎም ማሕበር ህዝቢ እስራኤል እንተ ሰሓቱ፥ እቲ ነገር ከዓ በቲ ማሕበር እንተ ዘይተፈለጠ፥ ካብቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ዝኣዘዞም፥ ሓደ ብምጥሓስ እንተ በደሉ፥ 14እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ምስ ተፈልጠ፥ እታ ማሕበር ክንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዝራብዕ ተቕርብ፤ ናብ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ የምፅእዎ። 15እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ፤ እቲ ዝራብዕ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሓረድ። 16እቲ ዝተቐብአ ኻህን ድማ ኻብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የምፅኣዮ። 17እቲ ኻህን ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀጎ። 18ካብቲ ደም ከዓ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ መሰውኢ ይግበር። ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የፍስሶ። 19ንዅሉ እቲ ስብሑ ድማ ኻብኡ ኣልዒሉ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። 20ነዝ ዝራብዕ እዙይ ከዓ፥ ከምቲ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕ ዝገበሮ፥ ከምኡ ይግበሮ። ከምዙይ ገይሩ እቲ ኻህን ሓጢኣቶም የስተስርየሎም፤ ንሳቶምውን ይቕረ ኽበሃለሎም እዩ። 21ነቲ ዝራብዕ ድማ ኻብቲ ሰፈር ንወፃኢ የውፅኣዮ፤ ነቲ ቐዳማይ ዝራብዕ ከም ዘቃፀሎ፥ የቃፅሎ። እዙይ ናይቲ ማሕበር መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።
22ሓደ ሹም ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ እንተይፈለጠውን ኻብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይትግበር ኢሉ ዝኣዘዞ ጥሒሱ እንተ በደለ፥ 23ሓጢኣት ከም ዝገበረ ምስ ተፈለጦ፥ ንመስዋእቲ ዝኸውን ካብ ኣጣሉ ሓደ ተባዕታይ ጐደሎ ዘይብሉ ጤል የምፅእ። 24ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ጤል የንብር፤ ኣብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ዝሓርዱላ ቦታ ኸዓ ይሕረዶ። እዙይ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ። 25እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ደም እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝሕረድ ጤል በፃብዕቱ ይውሰድ፤ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ ኣቕርንቲ መሰውኢ ይልከዮ። ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የፍስሶ። 26ንዅሉ እቲ ስብሑ ድማ፥ ከምቲ ንስብሒ እቲ ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ምስጋና ዝተሓርደ ዝገበሮ፥ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እቲ ኻህን ድማ ኸምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
27ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ሓደ ሰብ፥ እንተይፈለጠ ሓጢኣት እንተ ሰርሐ፥ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ዝኣዘዞ ጥሒሱውን እንተ በደለ፥ 28ሓጢኣት ከም ዝገበረ ምስ ተፈለጦ፥ ምእንቲ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ንመስዋእቲ እትኸውን፥ ጐደሎ ዘይብላ ኣንስተይቲ ጤል የምፅእ። #ዘሑ. 15፡27-28። 29ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ጤል የንብር፤ ኣብቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ ቦታ ድማ ይሕረዳ። 30እቲ ኻህን ድማ ኻብ ደማ በፃብዕቱ ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ ይግበር፤ ነቲ ዅሉ ደም ከዓ ኣብ እግሪ መሰውኢ የፍስሶ። 31ከምቲ ኻብ መስዋእቲ ምስጋና ዝፍለ ስብሒ ንዅሉ እቲ ስብሒ ይፍለዮ፤ እቲ ኻህን ድማ ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። ከምዙይ ገይሩ እቲ ኻህን ሓጢኣት የስተስርየሉ፤ ሽዑ ኸዓ ሓጢኣቱ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
32ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ካብ ኣባጊዑ እንተ ኣምፅአ ኸዓ፥ ጐደሎ ዘይብላ ኣንስተይቲ በጊዕ የቕርብ፤ 33ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ በጊዕ የንብር፤ ኣብታ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝሓርዱላ ቦታ ምእንቲ ሓጢኣቱ ይሕረዳ። 34እቲ ኻህን ድማ ኻብ ደም እታ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ በፃብዕቱ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ ይግበር፤ ነቲ ዝተረፈ ደማ ኣብቲ እግሪ መሰውኢ የፍስሶ። 35ከምቲ ንስብሒ እቲ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ ጡበት በጊዕ ዝወስድዎ፥ ንዅሉ እቲ ስብሒ ይውሰዶ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝግበር ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እቲ ኻህን ከምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
Currently Selected:
ዘሌዋውያን 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: