YouVersion Logo
Search Icon

ዘሌዋውያን 26

26
ብምእዛዝ ዝርከብ በረከት
(ዘዳ. 7፡12-2428፡1-14)
1ነኣኻትኩም ጣዖታት ኣይትግበሩ፤ ምስሊ፥ ወይ ሓወልቲ ኣይተቑሙ፤ ክትሰግዱሉ ኢልኩም ድማ ዝተወቕረ እምኒ ኣብ ምድሪኹም ኣይትግበሩ፤ ኣምላኽኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ። #ዘሌ. 19፡24፥ ዘፀ. 20፡4፥ ዘዳ. 5፡8፥ 16፡21-22፥ 27፡1። 2ሰናብተይ ሓልዉ፤ መቕደሰይ እውን ኣኽብሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
3ብሕግጋተይ እንተ ኼድኩም፥ ትእዛዛተይ ከዓ እንተ ሓሊኹም፥ 4ኣነ ዝናም ብጊዜኡ ኽህበኩም እየ። ምድሪ ድማ እኽላ ኽትህብ እያ። ኣእዋም በረኻ ኸዓ ፍረአን ክህባ እየን። 5መኼዳኹም ክሳዕ ምቝራፅ ዘለላ ወይኒ ይፀንሕ፤ ምቝራፅ ዘለላ ወይኒ ኸዓ ኽሳዕ ዘርኢ ይፀንሕ፤ እንጀራኹም በሊዕኹም ክትፀግቡ፥ ኣብ ምድሪኹም ከዓ ብህድኣት ክትነብሩ ኢኹም። #ዘዳ. 11፡13-15፥ 28፡1-14።
6ኣብ ምድሪኹም ሰላም ክህብ እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ብዘይ ስግኣት ትድቅሱ፤ ዘፍርሐኩም እውን ኣይህሉን እዩ። ንሕሱማት ኣራዊት ካብታ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ። ሰይፊ ድማ ብልዕሊ ምድሪኹም ኣይሓልፍን። 7ንፀላእትኹም ተሳጕጉዎም፤ ንሳቶም ድማ ብሰይፊ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ። 8ሓሙሽተ ኻባኻትኩም ንሚእቲ የሳጕጉዎም፤ ሚእቲ ኻባኻትኩም ንዓሰርተ ሽሕ የሳጕጉዎም፥ ፀላእትኹም ብሰይፊ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ። 9ኣነ ኽባርኸኩም እየ እሞ፥ ከፍርየኩምን ከብዝሐኩምን እየ፤ ኪዳነይ ከዓ ምሳኻትኩም ከቕውም እየ። 10ንነዊሕ ጊዜ ዝተዓቝረ ነባር እኽሊ ኽትበልዑ ምስ ፀናሕኹም፥ ነቲ ሓድሽ እኽሊ ስፍራ ምእንቲ ኽትረኽቡሉ ነቲ ዕቑር ተውፅእዎ። 11ማሕደረይ ኣብ ማእኸልኩም ክገብር እየ፤ ኣነ ኸዓ ኣይፅየፈኩምን እየ። 12ኣብ ማእኸልኩም እነብር፤ ኣምላኽኩምውን እኸውን፥ ንስኻትኩም ከዓ ህዝበይ ትኾኑኒ። #2 ቆሮ. 6፡16። 13ምእንቲ ባሮቶም ከይትኾኑ ኻብ ግብፂ ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፤ ኣርዑት ባርነትኩም ድማ ሰበርኩ፤ ርእስኹም ኣቕኒዕኹም ከም እትኸዱ እውን ገበርኩኹም።
ዘይምእዛዝ ዘስዕቦ መቕፃዕቲ
(ዘዳ. 28፡15-68)
14ግና እንተ ዘይሰማዕኹምኒ፥ ነዝ ዅሉ ትእዛዛተይውን እንተ ዘይፈፂምኩም፥ 15ሕግጋተይ ድማ እንተ ነዓቕኩም፥ እሞ ዅሉ ትእዛዛተይ ከይትፍፅሙ ፍርድታተይ እንተ ዘይተቐቢልኩም፥ ኪዳነይ ከዓ እንተ ኣፍሪስኩም፥ 16ኣነ ድማ ኸምዙይ ክገብረኩም እየ፦ ሽብርን ዘመንምንን ነዒንቲ ዘሕምቕን ንሰብነት ዘድክም ረስንን ክሰደልኩም እየ። ዘርእኹም ንኸንቱ ትዘርኡ፤ ፀላእትኹም ክበልዕዎ እዮም እሞ። 17ኣነ ኽፀልአኩም እየ፤ ፀላእትኹም ድማ ኽስዕሩኹምን ክሰጕኹምን እዮም፤ ዝሰጐጐኩም ዘየለ ድማ ኽትሃድሙ ኢኹም።
18ድሕሪ እዝ ዅሉ ገና እንተ ዘይሰሚዕኹምኒ፥ ብሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ። 19ንሓይሊ ትዕቢትኩም ክሰብሮ እየ፤ ንሰማይኩም ከም ሓፂን፥ ንምድሪኹም እውን ከም ነሃስ ክገብሮ እየ። 20ምድሪኹም እኽላ ኣይትህብን፤ ኦም ምድሪ እውን ፍረኣ ኣይትህብን እያ እሞ፥ ሓይልኹም ብኸንቱ ይውዳእ።
21እንተ ተፃሪርኩምኒ፥ ክትሰምዑኒ እውን እንተ ዘይፈቲኹም፥ ከምቲ ሓጢኣትኩም መሊሰ ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ። 22ንደቅኹም ዝቐትሉ፥ ንእንስሳኹም ዘጥፍኡ፥ መንገድኹም ክሳዕ ዝባድም ንቝፅርኹም ዘውሕዱ ኣራዊት ክሰደልኩም እየ።
23በዝ ነገር እዙይ እንተ ዘይተቐፃዕኹም፥ ንኣይውን ብምፅራር እንተ ፀኒዕኹም፥ 24ኣነ ኸዓ ንኣኻትኩም ክፃረረኩም እየ፤ ብሓጢኣትኩም እውን ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ። 25ኪዳነይ ስለ ዘፍረስኩም ንመቕፅዒኹም ውግእ ከምፅእ እየ፤ ኣብ ከተማታትኩም እንተ ተሓቢእኹም ከዓ ናብ ማእኸልኩም ሕማም ፌራ ኽሰድድ እየ፤ ኣብ ኢድ ፀላኢኹም እውን ክትወድቁ ኢኹም። 26እንጀራ ኽኽልክለኩም እንተለኹ ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ እቶን ክስንክታ እየን። እንጀራኹም ድማ ብመቝነን ክወሃበኩም እዩ፤ በሊዕኹም ከዓ ኣይትፀግቡን ኢኹም።
27ድሕሪ እዝ ዅሉ እንተ ዘይሰሚዕኹምኒ እሞ እናተፃረርኩምኒ እንተ ኸድኩም፥ 28ኣነ ድማ ብቝጥዓ እናተፃረርኩኹም እኸይድ እሞ፥ ብሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕፅፊ ኽቐፅዐኩም እየ። 29ስጋ ኣወዳትኩምን ስጋ ኣዋልድኩምን ክትበልዑ ኢኹም። 30ናይ ኰረብታ መስገዲኹም ከፍርሶ እየ፤ ናይ ፀሓይ ኣዕምድኹም ክሰብር እየ፤ ንሬሳኹም ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ህይወት ዘይብሎም ዝወደቑ ጣዖታትኩም ክድርብዮ እየ፤ ኣነ ኸዓ ኽፅየፈኩም እየ። 31ንኸተማታትኩም ከዕንወን እየ፤ ንመቕደሳትኩም እውን ከፍርሰን እየ፤ ደጊም በቲ ጥዑም ጨና ዕጣንኩም ደስ ኣይብለንን እዩ። 32ነታ ሃገር ድማ ኣነ ኸባድማ እየ፤ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ፀላእትኹምውን ከስደምሞም እዩ። 33ንኣኻትኩም ከዓ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ፤ ደድሕሬኹም ውግእ ከልዕለልኩም እየ፤ ሃገርኩም ድማ ኽትባድም እያ፤ ከተማታትኩም እውን ክዓንዋ እየን። 34ሽዑ እታ ሃገር በቲ ዅሉ ዑና ኾይና እትነብረሉ ዘመን፥ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ሃገር ፀላእትኹም እንተለኹም፥ ብዓመታት ዕረፍታ ደስ ክብላ፥ ሽዑ እታ ምድሪ ኽትዓርፍ ብዕረፍታ ኸዓ ደስ ክብላ እዩ። 35እቲ ንስኻትኩም ኣብኣ ኽትነብሩ እንተለኹም ዘይረኸበቶ ዕረፍቲ፥ በቲ ዑና ኾይና እትነብረሉ ዘመን ክትረኽቦ እያ።
36ነቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ሃገር ፀላእቶም እንተለዉ፥ ናብ ልቦም ራዕዲ ኸእቱ እየ፤ ጠሸም ዝበለ ቘፅሊ ኸዓ የህድሞም፤ ካብ ኲናት ከም ዝሃድም ይሃድሙ፤ ዝኾነ እንተየሳጐጎምውን ይወድቁ። 37ሓደ እኳ እንተየሳጐጎም፥ ካብ ቅድሚ ሰይፊ፥ ከም ዝሃድሙ ንስንሳቶም ይሰነኻኸሉ፤ ስለዙይ ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ደው ክትብሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም። 38ኣብ ማእኸል ህዝብታት ትጠፍኡ፤ ምድሪ ፀላእትኹም ድማ ትውሕጠኩም። 39እቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ምድሪ ፀላእትኹም ብሓጢኣቶም ይምንምኑ፤ ብሓጢኣት ኣቦታቶምውን ምስኣቶም ይምንምኑ።
40በቲ ዝበደሉንን በቲ ዝገብርዎ ኽፍኣቶምን ክፍኣት ኣቦታቶምን ክናዘዙ እዮም። ንሳቶም ስለ ዝተፃረሩንን ስለ ዝኸድዑንን፥ 41ኣነ እግዚኣብሄር ከዓ ተፃረርክዎም፤ ናብ ምድሪ ፀላእቶምውን ኣእተኹዎም። ሽዑ እቲ ዘይግሩዝ ልቦም እንተ ኣዋረዱ፥ ቅፅዓት ሓጢኣቶም እውን እንተ ተቐበሉ፥ 42ኣነ እግዚኣብሄር ድማ እቲ ምስ ያእቆብን ምስ ይስሓቅን ምስ ኣብርሃምን ዝኣተኹዎ ኺዳነይ እዝክር፤ ነታ ሃገር እውን እዝክራ። #ዘፍ. 17፡7-8፥ 28፡1-14። 43ነታ ሃገር ክሓድግዋ እዮም እሞ፥ ንሳቶም ብዘየለውሉ ዓንያ እንተላ ብዕረፍታ ደስ ይብላ፤ ንሳቶም ከዓ ፍርድታተይ ስለ ዘቃለሉን፥ ሕግጋተይ ስለ ዝተፀየፉን፥ ቅፅዓት ሓጢኣቶም ክፆሩ እዮም። 44ንሳቶም እኳ ኣብ ምድሪ ፀላእቶም እንተለዉ፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም ኢለ ኣይገድፎምን እየ፤ ኣይፅየፎምን ድማ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ እሞ፥ ነቲ ምስኣቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ኣየፍርሶን እየ። 45ኣምላኾም ምእንቲ ክኸውን ኢለ፥ ነቲ ኻብ ግብፂ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ከውፅኦም እንተለኹ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ክዝክር እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
46እቲ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን፥ ብኢድ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝሃቦ ትእዛዛትን ሕግጋትን እዙይ እዩ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in