ዘሌዋውያን 25
25
ሻውዐይቲ ዓመት
(ዘዳ. 15፡1-11)
1እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ኣብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት እታ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ሰንበት ተኽብር። 3ሽዱሽተ ዓመት ግራትካ ዝራእ፥ ሽዱሽተ ዓመት ከዓ ወይንኻ ጠጥፍ፤ ፍረኣ ድማ ኣክብ። 4በታ ሻውዐይቲ ናይ ዕረፍቲ ዓመት ግና እታ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ሰንበት ትኹን። ግራትካ ኣይትዝራእ፥ ወይንኻ እውን ኣይትቝረፅ። 5ነቲ እንተይተዘርአ ባዕሉ ዝበቊል ኣይትዕፀዶ፤ ነቲ እንተይገረዝካዮ ዝፈረየ ኣስካል ወይንኻ ድማ ኣይትቐንጥቦ። ነታ ምድሪ ዓመት ዕረፍቲ ሰንበት ይኹን። 6እታ ምድሪ በታ ዓመት እቲኣ እንተ ዘይተሓርሰት እኳ ንኣኻን ንኣገልጋሊኻን ንኣገልጋሊትካን ንዕሱብካን ግዙእኻን ንግዝእትኻን ነቲ ምሳኻ ዝነብር ስደተኛን ምግብኹም ክትህብ እያ። 7ኵሉ ፍረኣ ንእንስሳኻን ኣብ ምድርኻ ንዘለዉ ኣራዊትን ቀለብ ይኹን። #ዘፀ. 23፡10-11።
ዓመት ኢዮቤልዩ
8ሸውዓተ ሻዕ ሸውዓተ ዓመት ቍፀር፤ ድምሩ ኣርብዓን ትሽዓተን ዓመት ይኹነልካ። 9ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ብመዓልቲ ስርየት ሓጢኣት፥ ኣብ ኵላ ሃገርኩም መለኸት ንፍሑ። 10ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ፤ ኣብታ ምድሪ ንዝነብሩ ዅሎም ከዓ ነፃነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት ኢዮቤልዩ ትኹነልኩም። ኵሉ ሰብ ነናብ ርስቱን ነናብ ወገኑን ይመለስ። 11እዛ መበል ሓምሳ ዓመት እዚኣ ዓመት ኢዮቤልዩ ትኹነልኩም፤ ኣይትዝርኡ፤ እቲ ባዕሉ ኣብኣ ዝበቘለ ኸዓ ኣይትዕፀዱ፤ እቲ ዘይተጠጠፈ ወይኒ ድማ ኣይትቐንጥቡ። 12እዚኣ ዓመት ኢዮቤልዩ ስለ ዝኾነት ቅድስቲ ትኹነልኩም፤ ግራት ባዕላ ዘፍረየቶ ጥራሕ ብልዑ።
13በዛ ዓመት ኢዮቤልዩ፥ ዝኾነ ዝተሸጠ ርስቲ ናብ ናይ ቅድም ዋናኡ ይመለስ። 14ንብፃይካ መሬት እንተ ሸጥካሉ፥ ወይ ካብ ብፃይካ እንተ ዓዲግካ፥ ሰብ ንብፃዩ ኣየታልል። 15ካብ ብፃይካ መሬት ክትዕድግ እንተለኻ፥ ክሳዕ እታ እትመፅእ ዓመት ኢዮቤልዩ ዘሎ ቝፅሪ ዓመታት ቈፂርካ ዓድግ፤ ንሱ ድማ ብመጠን እታ ምድሪ እተፍርየለን ዓመታት ይሽጠልካ። 16ብቝፅሪ ዓመታት መጠን እተፍርዮ ፍረ እዩ ዝሸጠልካ እሞ፥ ብመጠን ምብዛሕ ዓመታት ዋጋ ኣብዝሕ፤ ብመጠን ምውሓድ ዓመታት ድማ ዋጋ ኣውሕድ። 17ሓደ እኳ ንብፃዩ ኣይዓምፅ፤ ንኣይ ንኣምላኽኩም ደኣ ፍርሑ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
18ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ሓልዉን ግበርዎን፤ ኣብታ ሃገር ድማ ብህድኣት ክትነብሩ ኢኹም። 19እታ ምድሪ ኸዓ ፍረኣ ትህብ እሞ፥ በሊዕኹም ትፀግቡ፤ ኣብኣ እውን ብደሓን ትነብሩ። 20እንተ ዘይዘራእናን ፍረ ድማ እንተ ዘየእተናን ደኣ በታ ሻውዐይቲ ዓመት እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንተ በልኩም፥ 21በታ ሻድሸይቲ ዓመት በረኸተይ ክእዝዘልኩም እየ፤ ምድሪ ኸዓ ንሰለስተ ዓመት ዝኸውን ፍረ ኸተፍርየልኩም እያ። 22በታ ሻምነይቲ ዓመት ድማ ኽትዘርኡ ኢኹም፤ ካብ ነባር እኽሊ ኸዓ ኽትበልዑ ኢኹም። እታ ታሽዐይቲ ዓመት፥ ፍሪኣ ኽሳዕ ዝኣቱ፥ እቲ ነባር ክትበልዑ ኢኹም።
ምምላስ ርስቲ
23ምድሪ ናተይ እያ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ምድረይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ፥ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ።
24መሬት ክሽየጥ እንተሎ እቲ ናይ ቅድም ዋናኡ መሊሱ ኽዕድጎ ግቡእ ኸም ዝኾነ ይፈለጥ። 25ሓደ እስራኤላዊ ሓውካ ተሸጊሩ ኻብ ርስቱ እንተ ሸጠ፥ ዝቐርቦ ዘመዱ ነቲ ሓዉ ዝሸጦ ርስቲ ኸፊሉ ይምለሶ። 26መሊሱ ዝዕድጎ ዘመድ እንተ ዘይብሉ፥ ደሓር ግና እንተ ሃብተመ፥ ንመኽፈሊ ዝኣክል እውን እንተ ረኸበ፥ 27እቲ መሬት ዝተሸጠሉ ዓመታት ይቝፀር እሞ፥ እቲ ዝተረፎ ነቲ ዝዓደገ ሂቡ፥ ናብ ርስቱ ይመለስ። 28ንመምለሲኡ ዝኣክል ኣብ ኢዱ እንተ ዘይረኸበ ግና፥ እቲ ዝተዓደገ ኽሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ኣብ ኢድ ዓዳጊኡ ይፅናሕ፤ በታ ዓመት ኢዮቤልዩ ሓራ ይውፃእ፤ ንሱ ድማ ናብ ርስቱ ይመለስ።
29ሓደ ሰብ ኣብ ዝተቐፀረት ከተማ ዘላ ገዛ እንተ ሸጠ፥ እታ ዝሸጠላ ዓመት ክሳዕ እትመልእ ከም ብሓድሽ ክዕድጋ ይኽእል እዩ። 30ክሳዕ ምሉእ ዓመት እንተ ዘይዓደጋ ግና እታ ኣብ ዝተዓረደት ከተማ ዘላ ቤት ንሓዋሩ ነቲ ዝዓደጋ ንውሉድ ወለዶኡ ትኹን፤ ብዓመት ኢዮቤልዩ እውን ኣይትውፃእ። 31ኣብ ዙርያአን ቅፅሪ ኣብ ዘይብለን ዓድታት ዘለዋ ኣባይቲ ግና ኸም ግራውቲ ሃገር ይተሓሰባ፤ እቲ ዋና መሊሱ ኽዕድገን ይኽእል እዩ፤ ብዓመት ኢዮቤልዩ ድማ ሓራ የውፅኣ። 32ብዛዕባ ኸተማታት ሌዋውያን ግና፥ ነተን ኣብ ከተማታት ርስቶም ዘለዋ ኣባይቲ ኣብ ዝኾነ ጊዜ ኸፊሎም ክመልስወን ይኽእሉ እዮም። 33ሓደ ሌዋዊ ኻብዘን ኣብ ከተማታት ሌዋውያን ዘለዋ ኣባይቲ፥ ቤት እንተ ሸጠ፥ መሊሱ ኽዕድጋ ድማ እንተ ዘይከኣለ፥ እታ ቤት ብዓመት ኢዮቤልዩ ሓራ ትውፃእ። እተን ኣብ ከተማታት ሌዋውያን ዘለዋ ኣባይቲ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ርስቲ ሌዋውያን እየንሞ። 34ኣብ ዙርያ ኸተማታቶም ዘለዋ ግራውቲ ግና፥ ናይ ዘለኣለም ርስቶም እየን እሞ ኣይሸየጣ።
ብሃረፃ ልቓሕ ምሃብ ከም ዘይግባእ
35ሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ እናሃለወ እንተ ሰኣነ፥ ከም ጓናን ከም ጋሻን ጌርካ ምሳኻ ኣንብሮ። #ዘዳ. 15፡7-8። 36ካብኡ ሃረፃ ወይ ወለድ ኣይትውሰድ። ንእግዚኣብሄር ንኣምላኽካ ደኣ ፍራሕ፤ ሓውካ ኸዓ ምሳኻ ይንበር። 37ገንዘብካ ብሃረፃ ኣይተለቅሓዮ፤ እኽልኻውን ብወለድ ኣይትሃቦ። #ዘፀ. 22፡25፥ ዘዳ. 23፡19-20። 38ኣምላኽ ክኾነኩምን ምድሪ ከነዓን ክህበኩምን ካብ ግብፂ ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
39ሓውካ ምሳኻ እንተሎ እንተ ደኸየ፥ ባዕሉ ንባዕሉ እንተ ሸጠልካ፥ ከም ባርያ ጌርካ ኣይትግዝኣዮ። 40ከም በዓል ዓስብን ከም ስደተኛን ምሳኻ ይንበር። ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ድማ የገልግልካ። 41ሽዑ ንሱን ደቁን ካባኻ ሓራ ይውፅኡ፤ ናብ ዓሌቶምን ናብ ርስቲ ኣቦታቶምን ከዓ ይመለሱ። 42ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፃእኽዎም ኣገልገልተይ እዮም እሞ ኸም ባርያ ኣይሸየጡ። 43ኣጨኒቕካ ኣይትግዝኣዮም፤ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራሕ። 44ንኣኻትኩም ዝኾኑ ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርያን ግና ኣብ ዙርያኹም ካብ ዘለዉ ህዝብታት ግዝኡ። 45ካብ ደቂ እቶም ምሳኻትኩም ዝነብሩ ጓኖትን ኣብ ሃገርኩም ካብ ዝተወለዱ ዓሌቶምን ዓድጉ እሞ፥ ጥሪት ይኹኑኹም። 46ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ከም ጥሪት ርስቲ ኣውርስዎም፤ ንሳቶም ንውሉድ ወለዶ ኸገልግሉኹም እዮም። ነሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ግና ንሓደ እኳ ኣጨኒቕኩም ኣይትግዝእዎ። #ዘፀ. 21፡2-6፥ ዘዳ. 15፡12-18።
47ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር ጓና ወይ ጋሻ እንተ ሃብተመ፥ ሓደ እስራኤላዊ ሓውኩም ከዓ እንተ ደኸየ እሞ፥ ኣብ ሓደ ኣብ ማእኸልኩም ንዝነብር ጓና ወይ ኣብ ሓደ ኻብ ዓሌት ጓና ባዕሉ ንባዕሉ እንተ ሸጠ፥ 48ሓራ ኽወፅእ ይኽእል እዩ እሞ ሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ይቤዘዎ። 49ሓወቦኡ ወይ ወዲ ሓወቦኡ ወይ ካብ ዓሌቱ ሓደ ዘመዱ ይቤዘዎ፤ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ረኸበ፥ ንባዕሉ ይቤዘዎ። 50ካብታ ዝተሸጠላ ዓመት ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ምስቲ ዝዓደጎ ኾይኑ ይፀብፅብ፤ ዋጋ ሓርነቱ ብመጠን ቍፅሪ እተን ተሪፈን ዘለዋ ዓመታት ኮይኑ፥ በቲ ንሓደ ዕሱብ ዝኽፈሎ ውዕለት ይገምገም። 51ገና ብዙሕ ዓመታት ተሪፉ እንተ ሃልዩ ግና ሓራ ኽወፅእ ብመጠን እተን ዓመታት ካብቲ ዝተሸጠሉ ገንዘብ ይምለስ። 52ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ቑሩብ ዓመታት እንተ ተሪፉ፥ ምስቲ ዝዓደጎ ፀብፂቡ ኸም መጠን ዓመታቱ ዋጋ መቤዘዊኡ ይምለስ። 53ከም ዕሱብ ዓመት ዓመት ከም ዝተቘፀረ ጌርካ ይገመት፤ እቲ ጐይታኡ ኣጨኒቑ ኣይግዝኣዮ። 54በዝ ኸምዙይ ሓራ እንተ ዘይወፀ ግና፥ ንሱን ደቁን ብዓመት ኢዮቤልዩ ሓራ ይውፅኡ፤ 55ደቂ እስራኤል ባሮተይ እዮም እሞ። ንሳቶም ካብ ግብፂ ዘውፃእኽዎም ባሮተይ እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
Currently Selected:
ዘሌዋውያን 25: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: