YouVersion Logo
Search Icon

ዘሌዋውያን 2

2
መስዋእቲ እኽሊ
1ዝኾነ ሰብ ንእግዚኣብሄር ቍርባን እኽሊ ኸቕርብ እንተሎ፥ እቲ መስዋእቱ ኻብ ልሑም ሕሩጭ #2፡1 ሕሩጭ፦ ግእዝ “ሕሩጭ ስርናይ” ይብል። ይኹን፤ ዘይቲ የፍስሰሉ፤ ዕጣንውን ይግበረሉ፤ 2ናብቶም ካህናት፥ ደቂ ኣሮን የምፅኣዮ። እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ዘይትን ዕጣንን ዝተሓወሶ ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ፥ ብምሉኡ ኸም ዝተሰውአ ምእንቲ ኸርኢ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ ቍርባን፥ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ። 3እቲ ኻብ መስዋእቲ ቍርባን እኽሊ ዝተረፈ ግና ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዙይ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቃፀል ቍርባን ዝተወስደ ስለ ዝኾነ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።
4ኣብ እቶን ዝተሰንከተ ቝርባን እኽሊ ኽተቕርብ እንተለኻ ድማ፥ ብልሑም ሕሩጭ ጌርካ፥ ብዘይቲ ዝተለወሰ ዘይበዅዐ ቕጫታት፥ ወይ ከዓ ዘይቲ ዝተለኽየ ዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታት ይኹን።
5ቍርባንካ ኣብ መቝሎ ዝተሰንከተ ናይ እኽሊ ቝርባን፥ ብዘይቲ ዝተለወሰ ናይ ልሑም ቅጫ ይኹን። 6ቈራሪስካ ኸዓ ዘይቲ ኣፍስሰሉ፤ ንሱ ቝርባን እኽሊ እዩ።
7ቍርባንካ ኣብ ቝራዕ ዝበሰለ ቝርባን እኽሊ እንተ ኾይኑ፥ ብልሑም ሕሩጭን ብዘይትን ይገበር። 8ነቲ ኻብዝ ነገርዙይ ዝተገብረ ቝርባን እኽሊ ናብ እግዚኣብሄር ኣምፅኣዮ፤ ናብቲ ኻህን ድማ ኣቕርቦ፤ ንሱ ኸዓ ናብ መሰውኢ የቕርቦ። 9እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ቝርባን እኽሊ ንመዘከርታ ዝኸውን ኣልዒሉ፥ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ። 10እቲ ኻብ ቍርባን እኽሊ ዝተረፈ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዙይ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝተወስደ ስለ ዝኾነ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።
11ንእግዚኣብሄር ቍርባን እኽሊ ኽተቕርብ እንተለኻ ዝበዅዐ ኣይኹን። ዝበዅዐ ኾነ ወይ መዓር ብሓዊ ኣቃፂልካ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣይተቕርብ። 12ከም መስዋእቲ ቐዳማይ ፍረ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕርብዎ፤ ግና ኸም ጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ ኣይቃፀል። 13ንዅሉ ናይ እኽሊ ቝርባንካ ብጨው ኣመቅሮ፤ ኣብቲ ናይ እኽሊ መስዋእትኻ፥ ጨው ኪዳን ኣምላኽካ ኣይጕደል። ኣብ ኵሉ መስዋእትኻውን ጨው ኣቕርብ።
14ካብ በዅሪ ፍርያትካ ንእግዚኣብሄር ቍርባን እኽሊ እንተ ኣቕረብካ፥ ዝተጠብሰ ሸዊት ሓሲኻን በቊፅካን ኣቕርብ። 15ኣብ ልዕሊኡ ዘይቲ ኣፍስሰሉ፤ ዕጣንውን ግበረሉ። እዙይ ቍርባን እኽሊ እዩ። 16እቲ ኻህን ከዓ ኻብቲ ሕሱይ እኽልን ካብቲ ዘይትን ምስ ኵሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከርታ የቃፅሎ፤ እዙይ ንእግዚኣብሄር ናይ ሓዊ ቝርባን እዩ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ዘሌዋውያን 2