ዘሌዋውያን 3
3
መስዋእቲ ምስጋና
1እቲ ቝርባን መስዋእቲ ምስጋና እንተ ኾይኑ፥ ካብ መጓሰ ኸፍቲ ጐደሎ ዘይብሉ፥ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርብ። 2ኢዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝስዋእ እንስሳ የንብር፤ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ድማ ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ኸዓ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን፥ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ። 3ካብቲ መስዋእቲ ምስጋና፥ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሩ ንእግዚኣብሄር የቕርብ፤ ንናይ ውሽጢ ኣካላቱ ዝኸድን ስብሕን ኣብ ኣምዑት ዘሎ ዅሉ ስብሕን፥ 4ክልቲኡ ዅላሊት ምስቲ ኣብ ዙርያኡ ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን ምስቲ ኣብ ጥቓ ዅላሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን ፈልዩ የቕርብ። 5ደቂ ኣሮን ድማ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕንፀይቲ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ የቃፅልዎ። እዙይ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።
6እቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርቦ መስዋእቲ ምስጋና፥ ካብ በጊዕ እንተ ኾይኑ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ የቕርብ። 7መስዋእቱ ጡበት በጊዕ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ። 8ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝስዋእ እንስሳ ኣንቢሩ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ድማ ደቂ ኣሮን ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ። 9-10ካብቲ ንመስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ እንስሳ ድማ ነቲ ስብሑ፥ ሕልሕሉ ብምሉኡ ኻብ ቀራፂቶ ፈልዩ፥ ነቲ ውሽጣዊ ኣካል ዝኸድን ስብሕን ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ኣካል ዘሎ ዅሉ ስብሕን፥ ንኽልቲአን ኵላሊት ምስቲ ኣብ ዙርያአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን ነቲ ኻብ ጥቓ ዅላሊት ዝፈልዮ ስብሒ ኸብድን፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርቦ። 11እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እዙይ፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ብልዒ እዩ።
12እቲ መስዋእቲ፥ ጤል እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፤ 13ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ጤል ኣንቢሩ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይሕረዶ። ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ደም ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ። 14-15ካብቲ መስዋእቲ ነቲ ናይ ውሽጣዊ ኣካላት ከብዲ ዝኸድን ስብሕን፥ ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ኣካላት ከብዲ ዘሎ ዅሉ ስብሕን፥ ንኽልቲኡ ዅላሊት ምስቲ ኣብ ዙርያኡ ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን፥ ነቲ ኻብ ጥቓ ዅላሊት ዝፈልዮ ስብሒ ኸብድን፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርብ። 16እቲ ኻህን ድማ ኸም መስዋእቲ ብልዒ ንጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ ብሓዊ የቃፅሎ። ኵሉ ስብሒ ናይ እግዚኣብሄር እዩ። 17ስብሒን ደምን ኣይትብልዑ፤ እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብሩሉ ንውሉድ ወለዶኹም ስርዓት ዘለኣለም ይኹን።
Currently Selected:
ዘሌዋውያን 3: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in