ኢያሱ 9
9
ሰብ ጊብዓ ንኢያሱ ኸም ዘታለልዎ
1እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ደጕዓን ቈላን፥ ኣብ ገምገም እቲ ዓብዪ ባሕርን ብወገን ሊባኖስን ዝነብሩ ዅሎም ነገስታት እዙይ ሰምዑ። ንሳቶም ከዓ ነገስታት ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን ነበሩ። 2እዚኣቶም ምስ ኢያሱን ምስ እስራኤልን ክዋግኡ ብሓደ ኾይኖም ተኣከቡ።
3ሰብ ጊብዓ ከዓ እቲ ኢያሱ ኣብ ኢያሪኮን ኣብ ጋይን ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፥ 4ተንኰል ገበሩ፤ ልኡኻት መሲሎም፥ ዝኣረጉ ለቛቱን፥ ቅዳድን ዝተለገበ ሓርቢ ወይንን ኣብ ኣእዱጎም ፀዓኑ። 5ዝተለገበ ኣሳእን ኣብ ኣእጋሮም ገይሮም፥ ብላይ ክዳውንቲውን ተኸዲኖም ከዱ። እቲ ዝሰነቕዎ እንጀራ ድማ ዝነቐፀን ዝሰበበን ነበረ። 6ኢያሱ ሰፊርዎ ናብ ዘሎ ናብ ጌልገላ ኸይዶም ከዓ፥ ንእኡን ንሰብ እስራኤልን “ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመፃእና ኢና፥ ሕዚ ድማ ምሳና ኺዳን እተዉ” በልዎም።
7ሰብ እስራኤል ከዓ ንሔዋውያን “ምናልባሽ ኣብ ማእኸልና እትነብሩ ኸይትኾኑ፥ ከመይ ጌርና ምሳኻትኩም ቃል ኪዳን ክንኣቱ?” በልዎም። #ዘፀ. 23፡32፥ 34፡12፥ ዘዳ. 7፡2።
8ንኢያሱ ኸዓ “ንሕና ሓሻኽርካ ኢና” በልዎ። ኢያሱ ግና “እንታዎት ኢኹም? ካበይከ መፂእኹም?” በሎም።
9ንሳቶም ከዓ “ንሕና ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ብዛዕባ እቲ ኣብ ግብፂ ዝገበሮ ዅሉን ሰሚዕና ኻብ ርሑቕ ሃገር ዝመፃእና ኢና። 10እቲ ነቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኽልተ ነገስታት ኣሞራውያን፥ ንሴዎን ንጉስ ሓሴቦንን፥ ነቲ ኣብ ኣስታሮት ዝነበረ ዓግ ንጉስ ባሳንን፥ ዝገበሮ ዅሉ ድማ ሰሚዕና ኢና። #ዘሑ. 21፡21-35። 11እቶም መራሕትናን ኣብ ሃገርና ዝነብሩ ዅሎም ህዝብን ከዓ ኸምዙይ በሉና፦ ‘ስንቂ ንመንገድኹም ተማሊእኹም ክትቅበልዎም ኪዱ። ንሕና ሓሻኽርኩም ኢና፥ ሕዚ ኸዓ ቓል ኪዳን እተዉልና በልዎም’ በሉና። 12ረአዩ፥ እንጀራና በታ ናባኻትኩም ክንመፅእ ካብ ኣባይትና ዝወፃእናላ መዓልቲ ትኩስ ነይሩ፤ ሕዚ ግና እንሆ፥ ነቒፁን ሰቢቡን ኣሎ። 13ኣሕርብትና ብሓድሹ እንተሎ ዝመላእናዮ እንሆ ተቐዲዱ፥ ክዳውንትናን ኣሳእናን ድማ ብራሕቒ መንገዲ በልዩ” በልዎ። #2 ሳሙ. 1፡18።
14ሽዑ እቶም ሰብ እስራኤል ካብቲ ስንቆም ወሲዶም ረአዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ግና ኣይጠየቑን። 15ኢያሱ ድማ ምስቶም ሰብ ጊብዓ ሰላም ገበረ፤ ብህይወት ክሓድጎም ከዓ ቃል ኺዳን ኣተወሎም። ኣሕሉቕ እስራኤልውን መሓሉሎም።
16ምስኣቶም ቃል ኪዳን ምስ ኣተዉ፥ ብድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነብሩ ጐረባብቶም ምዃኖም፥ ሰምዑ። 17ደቂ እስራኤል ድማ ኻብቲ ዝነበርዎ ተልዒሎም ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብተን ጊብዓን ከፌራን ቤኤሮትን ቂርያት የዓሪምን ዝበሃላ ኸተማታቶም በፅሑ። 18እቶም ሹመኛታቶም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒሎምሎም ስለ ዝነበሩ ግና፥ ደቂ እስራኤል ኣይቀተልዎምን። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ሹመኛታት ኣጕረምረመ። 19እቶም ሹመኛታት ዅሎም ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ “ንሕና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒልናሎም ኢና፤ ስለዙይ ሕዚ ክንነኽኦም ኣይንኽእልን ኢና። 20ብዛዕባ እቲ ዝመሓልናሎም ማሕላ መዓት ከይወርደናስ እዙይ ንግበረሎም፤ ብህይወትውን ንሕደጎም በልዎም። 21እቶም ኣሕሉቕ ብህይወት ይንበሩ በልዎም፤ ከም ዝተናገርዎምውን ንዅሉ ህዝቢ ቘረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ኮኑ።” #ዘዳ. 7፡16።
22ኢያሱ ድማ ንሰብ ጊብዓ ናብኡ ፀዊዑ “ኣብ ጥቓና እናሃለኹምስ ‘ንሕና ኻባኻትኩም እምብዛ ርሑቓት ኢና’ ብምባል ስለ ምንታይ ኣታለልኩምና? 23ሕዚ ድማ ንስኻትኩም ርጉማት ኢኹም፤ ካባኻትኩምውን ንቤት ኣምላኸይ ቈረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ዝኾነ ባርያ ንዘለኣለም ኣይጠፍእን” በሎም።
24ንሳቶም ድማ ንኢያሱ “እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሙሴ ባርያኡ ዅላ እዛ ምድሪ እዚኣ ኽህበኩም፥ ኣብዛ ሃገር ንዝነብሩ ዅሎም ከዓ ኻብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም ከም ዝኣዘዞ፥ ሰሚዕና ኢና። ስለዙይ ኣብ ቅድሜኹም ንነፍስና የመና ስለ ዝፈራሕና ኢና እዝ ነገር እዙይ ዝገበርና። 25ሕዚ ድማ እንሆ፥ ኣብ ኢድካ ኢና፤ ንኣና ድማ ኽትገብሮ ፅቡቕን ቅኑዕን መሲሉ ዝተርኣየካ ግበረና” ኢሎም መለሱሉ።
26ኢያሱ ኻብ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣናገፎም፤ ንሳቶምውን ኣይቀተልዎምን። 27ኢያሱ ኸዓ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ ዝሓረያ ቦታ ነቲ ማሕበርን ንመሰውኢ እግዚኣብሄርን ቘረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ገበሮም። ንሳቶምውን ኣብታ እግዚኣብሄር ንቤቱ ዝሓረያ ቦታ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቘረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ኮይኖም ኣለዉ።
Currently Selected:
ኢያሱ 9: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: