ኢያሱ 10
10
ፀሓይ ከም ዝቖመት
1ንጉስ ኢየሩሳሌም ኣዶኒፄዴቅ፥ ኢያሱ ንጋይ ከም ዝሓዛን ፈፂሙ ኸም ዘጥፍኣን፥ ከምቲ ንኢያሪኮን ንንጉሳን ዝገበሮ፥ ከምኡ ድማ ንጋይን ንንጉሳን ከም ዝገበረ ሰምዐ። እቶም ሰብ ጊብዓውን ምስ እስራኤል ሰላም ከም ዝገበሩን፥ ኣብ ማእኸሎምውን ከም ዝነብሩን ሰምዐ። 2ጊብዓ ከም ሓንቲ ኻብተን ከተማታት ነገስታት ዓባይ ከተማ ስለ ዝነበረት፥ ካብ ጋይ እኳ እትዓቢ ስለ ዝነበረት፥ ኵሎም ሰባውን ጀጋኑ ስለ ዝነበሩ፥ ሰብ ኢየሩሳሌም የመና ፈርሑ። 3ስለዙይ ንጉስ ኢየሩሳሌም ኣዶኒፄዴቅ፥ ናብ ሆሃም ንጉስ ኬብሮንን፥ ናብ ጲርኣም ንጉስ ያርሙትን፥ ናብ ያፊዓ ንጉስ ላኪሶን፥ ናብ ዳቤር ንጉስ ኣዶላምን ልኢኹ፥ 4“ገባዖን ምስ ኢያሱን ምስ ደቂ እስራኤልን ተዓሪቓ እያ እሞ፥ ክንዋግኣ ናባይ ደይብኩም ሓግዙኒ” በሎም።
5ሽዑ ሓሙሽቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን፥ ንጉስ ኢየሩሳሌም፥ ንጉስ ኬብሮን፥ ንጉስ ያርሙት፥ ንጉስ ላኪሶ፥ ንጉስ ኣዶላም፥ ምስ ኵሎም ሰራዊቶም ተኣኪቦም ወፁ፤ ንገባዖን ክወግእዋ ኸበብዋ። 6ሰብ ገባዖን ድማ ናብ ኢያሱ ናብቲ ሰፈር ናብ ጌልገላ ልኢኾም “ንባሮትካ ንምርዳእ ኢድካ ኣይትመልስ፤ እቶም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ነገስታት ኣሞራውያን ኵሎም ክዋግኡና ተኣኪቦም ኣለዉ እሞ ቐልጢፍካ ናባና ደይብ፤ ኣድሕነና፤ ርድአናውን” በልዎ።
7ሽዑ ኢያሱን፥ ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ፅኑዓትን ሓያላትን ካብ ጌልገላ ወፁ። 8እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ፥ “ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ሂበዮም ኣለኹ፤ ካብኣቶም ሓደ ሰብ እኳ ዝቃወመካ የለንሞ፥ ኣይትፍርሓዮም” በሎ።
9ኢያሱ ኸዓ ኻብ ጌልገላ ተልዒሉ፥ ምሉእ ለይቲ ኽግስግስ ሓዲሩ፥ ብድንገት መፆም። 10እግዚኣብሄርውን ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ኣደንገፆም። ኣብ ገባዖንውን ብዓብዪ መውቃዕቲ ወቕዖም፤ ብመንገዲ ዓቐበት ቤትሖሮንውን ኣሳጐጎም፤ ክሳዕ ዓዜቃን ክሳዕ ማቄዳን ከዓ ወቕዖም። 11ካብ እስራኤል ሃዲሞም፥ ኣብቲ መውረዲ ቤትሖሮን እንትወርዱ ኽሳዕ ዓዜቃ ዝበፅሑ፥ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዓበይቲ ደንጐላታት በረድ ኣውረደሎምሞ ሞቱ። ካብቶም ደቂ እስራኤል ብሰይፊ ዝቐተልዎም፥ እቶም ብደናጉል በረድ ዝሞቱ ይበዝሑ።
12ሽዑ በታ እግዚኣብሄር ንኣሞራውያን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣሕሊፉ ዝሃበላ መዓልቲ፥ ኢያሱ ንእግዚኣብሄር ተዛረቦ። ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ በለ፦
“ኣብ ልዕሊ ገባዖን ፀሓይ ትቑም፤
ኣብ ለሰ ኤሎውን፥
ወርሒ ትቑም።”
13ሽዑ እቲ ህዝቢ ንፀላእቱ ኽሳዕ ዝስዕሮም፥ ፀሓይ ቆመት፤ ወርሒውን ደው በለት። እዙይ ኣብ መፅሓፍ ያሻር ተፅሒፉ ዘሎዶ ኣይኮነን? እታ ፀሓይ ኣብ ማእኸል ሰማይ ደንጐየት፤ ኣስታት ምሉእ ሓደ መዓልቲ ንምዕራብ ኣይቀልጠፈትን። 14እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተዋጊኡሎም እዩ እሞ፥ ቃል ሰብ ዝሰምዐላ ኸምታ መዓልቲ እቲኣ ዝበለት፥ ቅድሚኣ ኾነ ድሕሪኣ ኣይነበረትን።
15ኢያሱ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ናብቲ ሰፈር ናብ ጌልገላ ተመለሰ።
ሓሙሽተ ነገስታት ኣሞራውያን ከም ዝሞቱ
16እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ድማ ሃዲሞም ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሓብኡ። 17ንኢያሱ ኸዓ “እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሓቢኦም ተረኺቦም ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ። 18ኢያሱ ድማ “ናብ ኣፍ እቲ በዓቲ ዓበይቲ ኣእማን ኣንከራርዉ፤ ዝሕልውዎም ሰባት ከዓ ግበሩ። 19ንስኻትኩም ግና ኣይትደንጕዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንፀላእትኹም ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፥ ኣሳጕጉዎም። ነቶም ብድሕሪት ዘለዉ ድማ ቕተልዎም፤ ናብ ከተማታቶም ከይኣትዉ ኸልክልዎም” በሎም።
20ኢያሱን ደቂ እስራኤልን ብዓብዪ ውቅዒት ወቕዕዎም፤ ምውቃዖም ምስ ፈፀሙውን እቶም ካብኣቶም ሃዲሞም ዘምለጡ ናብተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ምስ ኣተዉ፥ 21ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ናብቲ ኢያሱ ዘለዎ ናብ ሰፈር ናብ ማቄዳ ብሰላም ተመለሰ። ንሓደ ኻብ ደቂ እስራኤል ደፊሩ ዝተዛረቦ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
22ሽዑ ኢያሱ “ነቲ ኣፍ በዓቲ ኽፈትዎ፤ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ካብቲ በዓቲ ኣውፂእኹም ናባይ ኣምፅእዎም” በለ። 23ከምኡ ድማ ገበሩ፤ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት፥ ንንጉስ ኢየሩሳሌም፥ ንንጉስ ኬብሮን፥ ንንጉስ ያርሙት፥ ንንጉስ ላኪሶ፥ ንንጉስ ኣዶላም፥ ካብቲ በዓቲ ኣውፂኦም ናብኡ ኣምፅእዎም። 24ነቶም ነገስታት ናብ ኢያሱ ምስ ኣውፅእዎም፥ ኢያሱ ንዅሎም ሰብ እስራኤል ፀውዖም፤ ነቶም ምስኡ ኸይዶም ዝነበሩ ኣሕሉቕ እቶም ተዋጋእቲ ድማ “ቅረቡ እሞ ኣእጋርኩም ኣብ ክሳውዲ እዞም ነገስታት እዚኣቶም ግበሩ” በሎም። ቀሪቦም ድማ ኣእጋሮም ኣብ ክሳውዶም ገበሩ።
25ኢያሱ ድማ “እግዚኣብሄር ነቶም እትዋግእዎም ኵሎም ፀላእትኹም ከምዙይ ክገብሮም እዩ እሞ ኣይትፍርሑን ኣይትደንግፁን፥ ፅንዑን ትብዑን” በሎም። 26ድሕሪዙይ ወቒዖም ቀተልዎም፤ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ኣእዋም ድማ ሰቐልዎም፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ኣብተን ኣእዋም ተሰቒሎም ፀንሑ።
27ኣጋ ዓራርቦ ፀሓይ ብትእዛዝ ኢያሱ፥ ካብተን ኣእዋም ኣውሪዶም ናብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ በዓቲ ደርበይዎም። ክሳዕ ሎሚ ኣብቲ ኣፍ በዓቲ፥ ዓበይቲ ኣእማን ተገይሩ ኣሎ።
28ኢያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንማቄዳ ሓዛ፤ ንኣኣን ንንጉሳን ከዓ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዐ፤ ንኣኣቶምን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፈ፥ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ከምቲ ንንጉስ ኢያሪኮ ዝገበሮ፥ ንንጉስ ማቄዳውን ከምኡ ገበሮ።
ከተማታት ደቡብ ከም ዝተትሓዛ
29ኢያሱ፥ ምስኡውን ኵሎም ደቂ እስራኤል፥ ካብ ማቄዳ ናብ ሊብና ሓለፉ፤ ንሊብና ኸዓ ወግእዋ። 30እግዚኣብሄር ድማ ንኣኣን ንንጉሳን ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃባ። ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፉ፥ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዑ። ከምቲ ኣብ ንጉስ ኢያሪኮ ዝገበሮ ኣብ ንጉስ ልብናውን ገበረ።
31ኢያሱ ምስ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ኮይኑ ኻብ ሊብና ናብ ላኪሶ ሓለፉ እሞ ኸበብዋ፤ ወግእዋውን። 32እግዚኣብሄር ንላኪሶ ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃባ፤ ብኻልአይቲ መዓልቲ እውን ሓዝዋ፤ ከምቲ ዅሉ ንሊብና ዝገበርዎ፥ ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ከዓ ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም። 33ሽዑ ሆራም ንጉስ ጌዝር ንላኪሶ ኽረድኣ ወፀ፤ ኢያሱ ድማ ንእኡን ንህዝቡን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፈ ቐተሎም።
34ኢያሱ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኮይኑ ኻብ ላኪሶ ናብ ኣዶላም ሓለፈ፤ ከበብዋ፤ ወግእዋውን። 35በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሓዝዋ፥ ብስሕለት ሰይፊ እውን ወቕዕዋ። ኢያሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምቲ ዅሉ ኣብ ላኪሶ ዝገበሮ፥ ኣብኣ ንዝነበሩ ሰባት ፈፂሙ ኣጥፍኦም።
36ኢያሱ፥ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኮይኑ፥ ካብ ኣዶላም ናብ ኬብሮን ደዪቦም ተዋግእዋ፤ ሓዝዋውን። 37ምስ ሓዝዋ ድማ፥ ንኣኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም። ከምቲ ዅሉ ኣብ ኣዶላም ዝገበሮ፥ ሓደ እኳ ኣየትረፈን፤ ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ስለ ዝወቕዖም ፈፂሙ ኣጥፍኦም።
38ኢያሱ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ተመሊሱ ንዳቤር ተዋግኣ። 39ንኣኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ሓዘ፤ ብስሕለት ሰይፊ ድማ ቐተሎም። ኣብ ዳቤር ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ሓደ እኳ እንተየትረፈ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ከምቲ ኣብ ኬብሮን ዝገበሮ፥ ከምቲ ኣብ ሊብናን ኣብ ንጉሳን ዝገበሮ፥ ኣብ ደቢርን ንጉሳንውን ከምኡ ገበረ።
40በዝ ኸምዙይ ኢያሱ ንዅላ እታ ምድርን፥ ነቶም ኣብ ደጕዓን ደቡብን ቈላን ጎቦታትን ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ቀተሎም። ሓደ እኳ ኣየትረፈን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝኣዘዞ፥ እስትንፋስ ንዘለዎ ዅሉ ፈፂሙ ኣጥፍኦ። 41ከምኡ ድማ ኢያሱ ኻብ ቃዴስ በርኔ ኽሳዕ ጋዛ፥ ንዅላ ሃገር ጎሶምን ክሳዕ ገባዖን ወቕዖም። 42እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንእስራኤል ይዋግአላ ስለ ዝነበረ፥ ኢያሱ ነዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶምን ንምድሮምን ብሓደ ጊዜ ሓዘ። 43ድሕሪዙይ ኢያሱን ህዝቢ እስራኤልን ናብቲ ሰፈር ናብ ጌልገላ ተመለሱ።
Currently Selected:
ኢያሱ 10: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: