ኢያሱ 6
6
ውድቀት ኢያሪኮ
1ኢያሪኮ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ዝተልዓለ ፈፂማ ተዓፅያ ነበረት። ካብኣ ዝወፅእ ኾነ ናብኣ ዝኣቱ ኣይነበረን።
2እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ረአ! ንኢያሪኮን ንንጉሳን ነቶም ሓያላት ጀጋኑኣን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ። 3ኵሎም ተዋጋእትኹም፥ ነታ ኸተማ ሓደ ጊዜ ይዙርዋ፤ ሽዱሽተ መዓልቲ ድማ ኸምኡ ግበሩ። 4ሸውዓተ ኻህናት ከዓ ቕድሚ ታቦት ኮይኖም ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ይሓዙ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሻዕ ዙርዋ፤ እቶም ካህናት ድማ መለኸት ይንፍሑ። 5ቀርኒ መለኸት ብዘይ ምቍራፅ ኣንዊሖም ምስ ነፍሑ፥ እቲ ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም፥ ኵሉ ህዝቢ ዓው ኢሉ ድምፂ የስምዕ። ቅፅሪ እታ ኸተማ ኸዓ ኽወድቕ እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ በበቲ ዘለዎ ኽኣቱ እዩ” በሎ።
6ሽዑ ኢያሱ ወዲ ነዌ ነቶም ካህናት ፀዊዑ፦ “ታቦት ቃል ኪዳን ፁሩ፤ ሸውዓተ ኻህናት ከዓ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ይሓዙ” በሎም። 7ነቶም ህዝቢ ድማ “ሕለፉ እሞ ነታ ኸተማ ዙርዋ፤ ኵሉ ኸዓ ብሰልፊ ቐቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ይሕለፍ” በሎም።
8ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ተዛረቦም፥ እቶም ሸውዓተ ኻህናት ድማ ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ሒዞም ነቲ መለኸት እናነፍሑ ቐቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ሓለፉ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ከዓ ደድሕሪኣቶም ይኽተል ነበረ። 9እቶም ኣፅዋር ዝሓዙ ድማ ብሰልፊ ቐቅድሚ እቶም መለኸት ዝነፍሑ ካህናት ይኸዱ ነበሩ። እቶም ካህናትውን መለኸት እናነፍሑ ክኸዱ እንተለዉ፥ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ድማ ደድሕሪ ታቦት ይስዕቡ ነበሩ። 10ኢያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ “ጫውጫው ኣይትበሉ፤ ድምፂ ኣስምዑ ኽሳዕ ዝብለኩም መዓልቲ ሓደ ቓል እኳ ኻብ ኣፍኩም ኣይውፃእ” በሎም። 11ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ሓደ ጊዜ ኣዞሮ፤ ንሳቶም ከዓ ናብቲ ሰፈር ተመሊሶም ኣብኡ ሓደሩ።
12ንፅባሒቱ ኢያሱ ኣንጊሁ ተስአ፤ እቶም ካህናት ከዓ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ፆርዎ። 13እቶም ሸውዓተ ኻህናትውን ሸውዓተ ቐርኒ መለኸት ሒዞም፥ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር እናኸዱ፥ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ተሰለፍቲ ዝኾኑ ኸዓ ቐቅድሚኣቶም ከዱ፤ እቶም ካህናት መለኸት እናነፍሑ ክኸዱ እንተለዉ ድማ እቶም ዝተረፉ ተሰለፍቲ ደድሕሪ ታቦት እግዚኣብሄር ይስዕቡ ነበሩ። 14በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሓደ ጊዜ ዘይሮም፥ ናብ ሰፈር ተመለሱ። ሽዱሽተ መዓልቲ ኸምኡ ገበሩ።
15በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ተሲኦም፥ ነታ ኸተማ ኸምኡ ገይሮም፥ ሸውዓተ ሻዕ ዞርዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራሕ እዮም ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሻዕ ዝዞርዋ። 16በቲ ሻውዓይ ጊዜ፥ እቶም ካህናት ቀርኒ መለኸት ምስ ነፍሑ፥ ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ እዚኣ ሂቡኩም እዩ እሞ ዓው ኢልኩም ድምፂ ኣስምዑ። 17እዛ ኸተማን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ሕሩም ይኹን። እታ ኣመንዝራ ረኣብ ጥራሕ ነቶም ዝሰደድናዮም ሰለልቲ ስለ ዝሓብአቶም፥ ንሳን ኣብ ገዛኣ ዘለዉ ዅሎምን ብህይወት ይንበሩ። 18ካብቲ ዝተሓረመ ኸይትወስዱ እሞ ንሰፈር እስራኤል ከይተርግምዎ፥ መከራውን ከይተምፅኡሉ ተጠንቀቑ። 19ኵሉ ብሩርን ወርቅን ኣቕሓ ነሃስን ሓፂንን ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኹን፤ ናብ መዝገብ እግዚኣብሄር ድማ ይእቶ።”
20መለኸት ምስ ተነፍሐ እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። እቶም ህዝቢ ድምፂ መለኸት ምስ ሰምዑ፥ ዓው ኢሎምውን ድምፂ ምስ ኣስምዑ፥ እቲ መንደቕ ፈረሰ። ነፍሲ ወከፍ በብዘለዎ ደዪቡ ናብታ ኸተማ ሰተት ኢሉ ኣተወ፤ ነታ ኸተማ ድማ ሓዝዋ። #ዕብ. 11፡30። 21ኣብታ ኸተማ ንዝነበረ ዅሉ ኸዓ ኣጥፍእዎ። ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፥ ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ኣረጊት፥ ክሳዕ ብዕራይን በጊዕን ኣድግን ብስሕለት ሰይፊ ኣጥፍእዎ።
22ኢያሱ ድማ ነቶም ነታ ሃገር ዝሰለሉ ኽልተ ሰባት፥ “ናብ ገዛ እታ ኣመንዝራ ሰበይቲ እተዉ እሞ፥ ከምቲ ዝመሓልኩምላ፥ ነታ ሰበይትን ነቶም ምስኣ ዘለዉ ሰባን ካብኡ ኣውፅእዎም” በሎም። 23እቶም ዝሰለሉ ኣጕባዝ ኣትዮም ንረኣብን ነቦኣን ንኖኣን ነሕዋታን ንዘለዋ ዅሉን ኣውፅኡ፤ ንዅሎም ዓሌታታውን ኣውፅኡ። ኣብ ወፃኢ ሰፈር እስራኤላውያን ድማ ኣቐመጥዎም። 24ነታ ኸተማን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን ብሓዊ ኣቃፀሉ። ብሩርን ወርቅን ኣቑሑ ነሃስን ሓፂንን ግና ናብ መዝገብ እግዚኣብሄር ኣእተዉ። 25እታ ኣመንዝራ ረኣብ፥ ነቶም ንኢያሪኮ ኽስልሉ ኢያሱ ዝሰደዶም ልኡኻት ስለ ዝሓብአቶም፥ ኢያሱ ንኣኣን ንቤት ኣቦኣን ንዅሉ ዘለዋን ብህይወት ሓደጎም። ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብ ማእኸል እስራኤላውያን ትነብር ኣላ። #ዕብ. 11፡31።
26በታ ጊዜ እቲኣ ኢያሱ “ንኸተማ ኢያሪኮ ኽሰርሓ ኢሉ ዝለዓል ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉም ይኹን። ንኣኣ እንትስርት በዅሪ ወዱ፥ ደገታታ እንተቕውም ከዓ እቲ ንእሽተይ ወዱ ይጥፋእ” ኢሉ መሓለ። #1 ነገ. 16፡34።
27እግዚኣብሄር ምስ ኢያሱ ነበረ እሞ፥ ዝናኡ ናብ ኵላ እታ ሃገር በፅሐ።
Currently Selected:
ኢያሱ 6: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in