YouVersion Logo
Search Icon

ኢያሱ 3

3
ምስጋር ፈለግ ዮርዳኖስ
1ኢያሱን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ኣንጊሆም ሽጢም ካብ ዝበሃል ቦታ ተልዒሎም ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ መፁ፤ እንተይተሳገሩ ድማ ኣብኡ ሓደሩ። 2ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እቶም ኣሕሉቕ ብማእኸል ሰፈር ሓለፉ፤ 3ነቶም ህዝቢ ድማ ኸምዙይ ኢሎም ኣዘዝዎም፦ “እቶም ካህናት ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፆይሮምዎ ምስ ረአኹም፥ ንስኻትኩም ድማ ኻብ ሰፈርኩም ተልዒልኩም ሰዓብዎ። 4እዛ መንገዲ እዚኣ ቕድሚ ሕዚ ኣይሓለፍኩምዋን እሞ፥ እታ እትኸድዋ መንገዲ ንኽትፈልጡ፥ ካብቲ ታቦት ሓደ ኪሎ ሜትር ኣቢልኩም ረሓቑ እምበር ኣይትቕረብዎ።”
5ኢያሱ ነቶም ህዝቢ፥ “እግዚኣብሄር ፅባሕ ኣብ ማእኸልኩም ዘገርም ነገር ክገብር እዩ እሞ፥ ተቐደሱ” በሎም።
6ሽዑ ነቶም ካህናት፥ “ታቦት ቃል ኪዳን ተሰኪምኩም ቀቅድሚ ህዝቢ ኺዱ” በሎም። ታቦት ቃል ኪዳን ተሰኪሞም ከዓ ቐቅድሚ ህዝቢ ሓለፉ።
7እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ ምሳኻውን ከም ዘለኹ ምእንቲ ኽፈልጡስ፥ ሎሚ ኣብ ዓይኒ ዅሉ እስራኤል ልዕል ልዕል ከብለካ ኽጅምር እየ። 8ነቶም ታቦት ቃል ኪዳን ዝፆሩ ኻህናት ከዓ ‘ናብቲ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ በፃሕኹም ኣብ ውሽጢ ዮርዳኖስ ቁሙ’ ኢልካ ኣዝዞም” በሎ።
9ኢያሱ ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ናብዙይ ቅረቡ እሞ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስምዑ። 10ኢያሱውን በለ፦ ህያው ኣምላኽ ኣብ ማእኸልኩም ከም ዘሎ፥ ንሱ ኸዓ ንከነዓናውያንን ንኬጢያውያንን ንኤዋውያንን ንፈሪዛውያንን ንጌርጌሳውያንን ንኣሞራውያንን ንኢያቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ፈፂሙ ኸም ዝሰጎም፥ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም፤ 11እንሆ፥ እቲ ታቦት ቃል ኪዳን ናይቲ ጐይታ ዅላ ምድሪ ቐቅድሜኹም ናብ ዮርዳኖስ ክሓልፍ እዩ። 12ሕዚ ድማ ኻብ ነገዳት እስራኤል ዓሰርተ ኽልተ ሰባት፥ ከካብ ነገድ ሓደ ሓደ ሰብ፥ ምረፁ። 13ከምዙይውን ክኸውን እዩ፦ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ዅላ ምድሪ፥ ዝፆሩ ኻህናት ከብዲ ኣእጋሮም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ደው ምስ በላ፥ እቲ ኻብ ላዕሊ እናወሓዘ ዝወርድ ማይ ዮርዳኖስ ከቋርፅ፥ ከም ኲምሪ ኾይኑ ድማ ኽቝለል እዩ።”
14ከምዙይ ድማ ኾነ፦ እቶም ህዝቢ ንዮርዳኖስ ክሳገሩ ከካብ ድንኳናቶም ምስ ወፁ፥ እቶም ታቦት ቃል ኪዳን ዝፆሩ ኻህናት ቀቅድሚ እቶም ህዝቢ ይኸዱ ነበሩ። 15እቲ ወርሓት፥ እዋን ዓፂድ ብምዃኑ፥ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ነበረ። ግና እቶም ታቦት ኪዳን ዝፆሩ ናብ ዮርዳኖስ ምስ በፅሑ፥ ኣእጋሮም ድማ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ ጠምዓ፥ 16እቲ ኻብ ላዕሊ ዝውሕዝ ዝነበረ ማይ ቆመ። ኣብ ርሑቕ፥ ኣብታ ኣብ ጥቓ ፃርታ ዘላ፥ ኣዳም እትበሃል ከተማ ኸም ኲምራ ኾይኑ ተቘለለ። እቲ ናብ ባሕሪ ዓረባ ናብ ባሕሪ ጨው #3፡16 ባሕሪ ጨው፦ ሕዚ “ምዉት ባሕሪ” ይበሃል። ዝውሕዝ ዝነበረ ማይ ከዓ ፈፂሙ ኣቋረፀ። እቲ ህዝቢ ድማ ብመንፅር ኢያሪኮ ተሳገረ። 17ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ንፈለግ ዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገሮ፥ እቶም ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ኻህናት ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ኣብቲ ንቑፅ ምድሪ ቐጥ ኢሎም ቆይሞም ነበሩ።

Currently Selected:

ኢያሱ 3: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in